ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት ተባዕ ጽሓፊ 2020 ተባሂሉ ተሰይሙ

ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣምን ኣማኑኤል ኣስራት ብፔን ኢንግሊዝ "ተባዕ ጽሓፊ 2020" ተባሂሉ ተረቚሑ።

ትካል ናጽነት ምዝራብ ፔን ኢንግሊሽ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ማሕዩር ንዝርከብ ንኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣምን ኣማኑኤል ኣስራት ናይዚ ዓመት ሽልማት ክወሃብ ወሲኑ። ኣማኒኤል ብተዓዋቲ ፔን ፒንተርን ጎልደን ፔንን ዝኾነ ጀማይካዊ - ብሪጣኒያዊ ገጣሚ ሊንቶን ክዌሲ እዩ ተረቚሑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ሓው ንኣማኤል ኣስራት ተረኺቡ ነይሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ገጣሚትን ጋዜጤኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ "ኣበሳ ኵናት" እትብለል ሓንቲ ካብ ግጥምታት ናይ ኣማኑኤል ኣስራት ኣንቢባታ።

ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ዝነበረ ኣማንኤል ኣስራት፡ ኣብ 2001 ብዝጽሕፎም ዝነበሩ ነቐፍቲ ጽሑፋት እዩ ብዝያዳ ዝልለ።

ምስ ምዕጻው ብሕታዊ ሚድያ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው 11 ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም የሎን።

ኣማኑኤል ኣስራት ኣብቲ እዋን ኤዲተር ጋዜጣ ዘመን እዩ ነይሩ።

ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት ዝተዓወቶ ሽልማት እንታይ'ዩ?

ኣማኑኤል፡ ኣብ ናይ ስነ ጽሑፍ ሞያ ንጸቕጥን ምትእትታውን ተጻዊሮም፡ ሓለፋ ትብዓት ንዘርኣዩ ሰብ ሞያ ስነ ጽሑፍ ዝወሃብ ናይ "ተባዕ ኣህጉራዊ ጸሓፊ" ሽልማት ወሲዱ።

ኣማኑኤል፡ ንማሕበራዊ ሕሰም፣ ኲናትን ሳዕቤናቱን፣ ፍቕርን ተስፋን ብዕምቆት ዝገልጹ ስራሕቲ የቕርብ ከም ዝነበረ መርመብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ ይጠቅስ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንብዙሐት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምኡ'ውን ንጋዜጠኛታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘእትዎም ክሳብ ሎሚ ንኣስታት 19 ዓመት ወግዓዊ ክሲ ኣይመስረተሎምን። ጉዳዮም እውን ኣብ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣይተራእየን። ሃለዋት ኣማኑኤልን መተኣስርቱ ጋዜጠኛታትን ኣይፍለጥን እዩ።

ስድራ-ቤቱ ይኹን ፈተውቱን መቕርቡን ብዛዕባ ሃለዋቱ ደሃይ የብሎምን። መንግስቲ ኤርትራ እውን ክሳብ ሕጂ ብሃለዋት እዞም እሱራት ብወግዒ መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ።

ስለዝኾነ ከኣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ናይ ሕልና እሱራት ኣብ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ከቕርቦምን ኣድማሳዊ መሰል እሱራት ብምኽባር ስድራ-ቤቶም ክርእዩዎምን ክበጽሑዎምን ከፍቅድ ብቐጻሊ ክጽሕፉን ከዘኻኽሩን ጸኒሖም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት እኳ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣማኑኤል ኣስራት ብሓባር ዝተኣስረ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖምን ግቡእ ጥዕናዊ ክንክን ክግብረሎምን ጸዊዑ ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ " ሓደገኛ ምትእትታው!" ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ።

እቲ ንኣማንኤል ኣስራት ንሽልማት እዚ ዓመት ዝሓረዮ ጃማይካዊ - ኢንግሊዛዊ ሊንቶን ክዌሲ ጆንሰን፡ ኣብቲ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ስነ ስርዓት "ንሓደ ዜጋ ኣብ ፍጹም ግሉል ቤት ማእሰርት ንኣስታት 20 ዓመት ምሕያር መርኣያ ናይቲ ዝኸፍአ ምልካዊ ስርዓት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ከም መግለጺ ሕውነትን ዝምድናን ብቐንዱ ድማ ኣፍሪቃዊ መበቆል ከም ዘሎኒ መጠን፡ እዚ ሽልማት'ዚ ምስ ገጣሚ፡ ሓዳሚን ሃያሲን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት ክካፈሎን ንኽብሩ ክጽውዕን መሪጸ" ከም ዝበለ ፔን ኤርትራ ሓቢራ።

ኣማኑኤል ኣስራት ኣብ ጥሪ 2016'ውንምስ ካልኦት ቱርካዊን ግብጻዊን ጸሓፍቲ ብፔን ኦክስፋም ሽልማት ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽ ተሸሊሙ ነይሩ።

ቅድሚ እውን ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ገጣሚ ለምን ሲሳይ፣ ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቺ ዝርከቡዎም ትሸዓተ ጸሓፍቲ ተሸለምቲ ፔን ፒንተር ኮይኖም'ዮም።