ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝለመደቶ ፌስቲቫል ዝሰኣነት ወርሒ ነሓሰ

ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኤርትራ ፍሉይ ክብሪ ሒዛ ትርከብ። ወትሩ፡ ነሓሰ መጽአ እናክበሃል ፍሉይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ አሕዋት ይለዓል።
ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ተሰዲዶም ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንቦሎኛ እናገሹ ደሃይ ሕድሕድን ሰውራን ክሰምዑ ይተኣኻኸቡ ነይሮም።
ምስቶም ካብ ሜዳ ዝመጽኡ ዝነበሩ ልኡኻት ተራኺቦም ዝዘራረቡሉ ንሓድሕዶም ናፍቖቶም ዘውጽኡላ ፍልይቲ ወርሒ ኮይና: ንኤርትራውያን።
ብፍላይ እቲ ሰውራ ኤርትራ እናደንፍዐ፡ ናብ ዓወት ገጹ እናተቓረበ ዝኸደሉ ዝነበረ መወዳእታ 90ታት፡ ብዙሕ ኤርትራዊ ብተስፋ ናጽነት ሞይቁ፡ ተስፋ ሰኒቑ ክምለስ ስለዝደሊ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ናብ ቦሎኛ ይውሕዝ ነበረ።
ናጽነት ምስ ተረኽበ ከኣ እቲ ሃገር ስለዘይሓዘ ኣብ ስደቱ ኣብ ቦሎኛ ዝራኸብ ዝነበረ ኤርትራዊ ንዓዱ ክውሕዝ ጀሚሩ - ፌስቲቫል ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኤርትራ ክበዓል ጀሚሩ።
ለብዘበን ግን ብሰንኪ እዚ ንዓለምና ኣጨኒቑዋ ዘሎ ኮቪድ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ብማንዛ (ቪርችዋል) ብሕልናዊ ዝኽሪ እንተዘይኮይኑ ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮን ዝተለምደን ክኽበር ኣይተኻእለን።
እቲ ኣብ ኤክስፖ ዝበዓል ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራ ዝመጽኣ ዝተፈላለያ ብሄራት ዝሳተፋኦ፡ ብቅዱስ ውድድር ዝደምቕ ምትእኽኻብ ብምንባሩ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነንሓድሕዱ ዝተሓዋወሰሉ፡ ዝላለየሉ፡ ብመጠኑ ባህሉን ልምዱን ዘንጸባርቐሉ፡ ባህላዊ ንግደት ኮይኑ ጸኒሑ ነይሩ።
እቶም ኣብ ስደት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኤሽያን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ደቆም ትምህርቲ ምስ ዓጸዉ፡ ንደቆም ምስ ባህሎምን፡ ልምዶምን፡ ቋንቋኦምን ከላልዩን ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ንከሕድሩ ካብ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንዓዶም ክነግዱ ብዙሕ ገንዘብ ስለዘፍስሱ፡ ቁጠባ ናይታ ዓዲ እውን ይበራበር ነይሩ እዩ።

ኣስመራ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ስደት ብዝመጽኡ በጻሕትን ብነበርቲ ውሽጢ ዓዲ ዜጋታት ምውቕውቅ እያ እትብል።
ኣብ "ኮምብሽታቶ" ኣስመራ ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ጥልያን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሽወደን ሆላንድን ካልእ ክፋል ኤውሮጳን፡ ኣሜሪካን ዝተፈላለየ ቋንቋታት እዮም ዝዛረቡ።
ሓባራዊ መረዳድኢ ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቒሞም ከኣ ንሓድሕዶም ይላለዩን ይፋለጡን። ካብኡ ሓሊፎም'ውን ናብ ዕርክነትን ምሕዝነትን፡ ናብ ሓዳርን ናብ መርዓን ዝበጽሑ ኣለው።
ብሓጺሩ ኤርትራ ማእከል ስሕበት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተሰዱ ዜጋታታ ኮይና፡ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ እዚ ደሚቃን ተኾሊዓን ትውዕል።
እታ ከተማ ትዕምር፡ ምንቅስቃስ ንግዲ ይብርክት፡ መዘናግዒ ለይታዊ ትልሂታት ይመውቕ።
መንእሰያት ከኣ ኣብቲ ፈስቲቫል እናኸዱ፡ ወላ'ውን እቶም ብስራሕ ክራኸቡ ዘይከኣሉ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ተሰዲዶም ዝነበሩ አዕሩኽ፡ መሓዙት፡ መተዓብይቲ፡ ኩሎም መራኸቢኦም ፈስቲቫል ቦሎኛ ይኸውን።
ቅድሚ ምብጋሶም እውን ተሌፎን ተደዋዊሎም ነሓሰ ኣብ ዓዲ የራኽበና ተበሃሂሎም ብቖጸራ ኣብ ዓዲ ተራኺቦም፡ ደሃይ ሓድሕድ ይለዋወጡ።
ክሊማ ዓዶም እናስተማቐሩ፡ እቶም ዝኽእሉ ንታሕቲ ንባጽዕ ወሪዶም፡ ኣብ ባሕሪ ሓንቢሶም፡ ገሊኦም ንዳህላክ ሰጊሮም ብመልክዕ-ምድሪ ዓዶም ይፍስሁ።
በዚ ዝመጽአ፡ ነሓሰ ንኤርትራውያን ፍልይቲ ወርሒ እያ።
ኣብ ስደት፡ ደቅን ውላድን ዘለዎም ስድራ ቤታት ኣብ ፈቐድኡ ካብ ዝተሰዱ ሓደ ክልተ በጻሕቲ ደቆምን መቕርቦምን የአንግዱ'ሞ ብአኦም ማሚቖም ደሃይ ሓድሕድ ይለዋወጡ።

ኣብዚ ዳሕራይ እዋን ግን እቲ ዝተሰደ ኣብ ክንዲ ዝምለስ በንጻሩ ብማኢትን ኣሽሓትን ዝቑጸሩ መንእሰያት እግሮም ብዝመርሖም ብመገዲ ሞት ሰሃራን ባሕርን ብከቢድ ፈተነ ክስደዱ ምስ ጀመሩ ኩነታት ተቐያይሩ።
ኩሎም እቶም በዚ መገዲ እዚ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዝተሰዱ መንእሰያት ናብ ሃገር ክምለሱ ስክፍታ ኣለዎም።
ዝምለሱ እንተልዮም እውን ኣዝዮም ውሑዳት ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝመልኡን እዮም ይብል ኣብ ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ብዙሕ ምርምር ዘካየደ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።
ዳዊት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። " መብዛሕትኡ እቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሩ ዝተሰደ መንእሰይ ንዓዲ ክምለስ ውሕስነት ኣይስምዖን እዩ።
ብኸምኡ ከኣ ኣብ ሃገረ ስደቱ ይነብር" ይብል።
ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት ነቲ ኣብ ቀዳማይ 10 ዓመታት ናጽነት ዝነበረ ሙቐት ፌስቲቫል ብመጠኑ እውን እንተኾነ ክትንክፎ ባህሪያዊ እዩ።
ለብዘበን ከኣ ለበዳ ኮቪድ ተወሲኽዎ፡ መገሻን ምንቅስቓስን ጠጠው ስለዝበለ ወርሒ ነሓሰ ዘይከምቀደማ ቆሪራ ሓሊፋ።
ግን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ከምኡ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተወዲቡ ዝነበረ ዓበይቲ መደባት ምዝንጋዕ እውን በዚ ምትእኽኻብ ዘይፈቱ ለበዳ ኮቪድ ተተንኪፎም እዮም።

መንእሰይ ኣሚር ንፈስቲቫል ኤርትራ ክዝክር እንከሎ፡ ዝጉብዘሉ ዝነበረ ዕድመ ንእስነቱ እዩ ይዝክር።
"ሽዑ ጥዑም ግዜ ነይሩ። ግን ከኣ ኩሉ ጥዑም ከይበልካዮ ይሓልፍ። ኣብቲ ንጉብዘሉ ዝነበርና እዋን ንፈስቲቫል ንናፍቓ ነይርና። ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝመጽኡ ቤተሰብ፡ ኣሕዋትን ኣዝማድ ስለእንራኸብ፡ መሐሸሺ መቑሽሽን መንቀሳቐስን እውን ስለእንረክብ፡ ተሓጒስና ኢና እነሕልፋ። ምውቕ ናይ ንእስነት ግዜ ዘሕለፍናሉ ፈለማ ቀዳሞት ዓመታት ነጻነት ከኣ ኣይርስዐንን'የ" ይብል እዋን ጉብዝንኡ ብምዝካር።
ስልምቲ ብርሃነ ብወገና፡ ንፈስቲቫል፡ ቅድሚ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወሪዳ ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ብሄራት ሃገራ ብኣካል እትላለ፡ ቅድሚኡ ንብሄራት ኤርትራ ኣብ ቴለቪዥን ብስክሪን ኣብ ፌስቲቫል ኤክስፖ ከኣ ብኣካል ተላልያቶም።

ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣብ መባእታ እኳ እንተተማህረቶ ንዝበዝሑ ግን ኣብ ሳዋ እያ ፈሊጣቶም።
ኣብ ኤክስፖ ቀሪባ ክትርእዮምን ምስቲ ንመነባብሮኦም ባህሎም ኣሰራርሓ ኣባይቶም ብዝገልጽ ኣብነታት ክትላለዮምን ስለዝኸኣለት ንኤክስፖ ትናፍቓ።
"ምድረ ሰማይ ብኹሉ ምሉ ምስተረጋግአ ከኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ስደት ምስ ዝተወልዱ ደቀይ ተመሊሰ ምስ ስድራይን ህዝቦምን ብሄራት ዓዶምን ከላልዮም እብህግ" ክትብል ምንዮታ ትገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







