ኣትላንታ ብድሕሪ ጆን ልውስን ኮርዲ ቲንደል ቪቭያን ከመይ ኣላ?

"ንግሆን ምሸትን ተመራሪሖም ዝዓረፉ ስሙያት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ ጆን ዊልሰንን ኮርዲ ቲንደል ቪቭያን ንኣትላንታ፡ ንጸለምቲ ደቀባት ኣመሪካን ደላይ ማዕርነትን ፍትሕን ሕብረተሰብ ዓቢ ክሳራ እዩ" ይብል ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝፈልጦም ነባሪ ኣትላንታ ስዩም ተስፋይ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣመሪካ ክልተ ስሙያት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጆን ልውስን ተመራሪሖም ዓሪፎም። ጆን ልውስ ሓደ ካብቶም ሽዱሽተ ስሙያት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ኣብ 1963 ጂኑየር ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝመርሖ ሰፊሕ ሰልፊ መሰል ካብ ዝወደቡን ፊተ መሪሕ ኮይኖም ዝተዋስኡን ሰባት ሓደ እዩ።

ጆን ልውስ (1940-2020) ካብ ንእስነቱ ንመሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ደቀባት ብኹሉ ዝኽእሎ ዝተቓለሰ ስሙይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ንሱን መሰልቱን ብዝኸፈሉዎ ከቢድ ዋጋ ከኣ'ዩ በብቑሩብ ሰብኣዊ መሰላት ጸለምቲ ዜጋታት ኣቓልቦን ቆላሕታን ክረክብ ጀሚሩ ይብል፡ ካብ ንእስነቱ ንቓልሲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብፍቕሪ ዝከታተል ዝነበረ ዳዊት መስፍን።

ብ 1986 ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ክነጥፍ ዝጀመረ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ጆን ልውስ ን 17 ወቕትታት ኣገልጊሉ። ፕረዚደንት ኦባማ ድማ ጻዕርን ተወፋይነትን ጆን ልውስ ብምኽባር 'ፕረዚደንታዊ መዳልያ ናጽነት' ሸሊምዎ።

ስድራ ጆን ልውስ ኣብ ኣላባማ ኣረይቲ-ጡጥ እዮም ነይሮም። ጆን ከኣ ከም ብዙሓት ደቂ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ካብ ትሑታት ስድራ በቚሉ እዩ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካን ዓለምን ስሙይ ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን በቒዑ።

ቪቭያን እውን ሓያል በዓል ዝና ነበረ። ንቪቭያን ፍሉይ ዝገብሮ ሓያል መምህር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደራሲ፡ ከምኡ'ውን ሰባት ናይ ምጥርናፍ ዓቕሚ ዝነበሮ ዕዉት ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቀንዲ ኣማኻሪ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር ኰይኑ ህይወቱ ንማዕርነት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝወፈየ ሰብ'ዩ።

እቲ ዜገርም ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ምስ ብጻዩ ጆን ልውስ ዓሪፉ።

እቶም ናይ ስሳታት ዓበይቲ ተቓለስቲ፡ ንህይወቶም ከይፈርሁ፡ ዝመጸ ይምጻእ ኢሎም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናኸዱ ኣብ ምሉእ ኣሜሪካ በጺሖም - ብጕዕዞ-ናጽነት ዝፍለጥ (Freedom Rides)፡ ጉዕዞ እግሪ እናወደቡ፡ ብፖሊስ እናተቐጥቀጡ ነቲ ዝመጽአ ትውልዲ ባይታ ዝጸረጉ ኣጕባዝ እዮም።

ቪቭያን፡ ንመሳላት-ጥቑዓት ዝጣበቓ ዝተፈላለየ ማሕበራት እናቋቘመ ክሳብ ዓቕሙ ዝጽንቀቕ ዝሰርሐ ሰብ'ዩ። እንሆ ኸኣ ህዝቢ ኣሜሪካ ብምስጋናን ኣኽብሮትን ድሓን ኵን ይብሎ።

ክብርን ምስጋናን ኣድናቖትንን ኣብ ልዕሊ ጆን ልውስ

ፕረሲደንትታት ኣሜሪካን ካልኦት መራሕትን ብሓባራ ነዚ ብመንሽሮ-ጣፍያ ኣብ 80 ዕድሜኡ ዝሞተ፡ ንቃልሲ መሰል-ሲቪል ኣሜሪካውያን ህይወቱ ዝወፈየ ጆን ልውስ ተተቐባቢሎም ብልዑል ኣድናቖትን ምስጋናን ይዝክርዎ ኣሎዉ።

ጆን ልውስ ሓደ እዋን፡ "መንእሰያት ኣመሪካ ነቲ ኣብ 60ታት ዝነበረ መንፈስ ተኸቲሎም ክምክቱ፡ ካብ ነገር ክንዲ ምርሓቕ፡ ኣብ ጽቡቕን ኣድላዪን ነገር ክኣትዉ ክርእዮም ምደለኹ" ኢሉ ነይሩ። እነሆ ከኣ ሕጂ ቅድሞ ሞቱ ብምኽንያት ኢሰብኣዊ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ መላእ ኣመሪካ " ጸሊም ህይወት እውን ክቡር እዩ" ብማለት ኣብ መላእ ኣመሪካ ሰፊሕ ሕቶ ምዑሩይ መሰልን ክብርን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ ይብል ስዩም ተስፋይ።

ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ንትርሲት ጆን ልውስ ምስጋንኡ ዜቕረበ ሰብ'ዩ። ብድሕሪኡ ፕረሲደንት ትራምፕ እውን ሞት ኣባል-ኮንግረስ ዝነበረ ጆን ልውስ ከም ዜሕዘኖ ገሊጹ።

"ሕልና ሃገር"

እቲ ንደሞክራትስ ወኪሉ ንፕረሲደንትነት ዝወዳደር ዘሎ ጆ-ባይደን፡ ንጆን ልውስ "ፍሉይ ዝዓይነቱ ሰብ - ናይ ሞራል ኮምፓስ" ክብል ገሊጹዎ።

ቅድሚ ምማቱ ኣዛሪቡዎ ከም ዝነበረ፡ "ድምጹ ጥዑም፡ ሰሓቑ ኸኣ ሓጎስ ዝመልኦ ነይሩ። ሕሙም ክነሱ፡ ኣብ ክንዲ ብኵነታቱ እንሓቶ ንሱ ብኵነታትና ይሓተኒ ነይሩ። ንሃገርና ንከነሕዊ ነቲ ዘይተወድአ ስራሕ ተጊህና ክንሰርሕ ኣተሓሳሲቡኒ" ይብል ጆ-ባይደን።

"እቶም ዉጽኢት ስራሖም ክርእዩ ዝኽእሉ ሰባት ኣዝዮም ሒደት'ዮም፣ ጆን ልውስ ግን ንውጽኢት ስርሑ ክርኢ በቒዑ" ክብል ፕረሲደንት ኦባማ ኣድናቖቱ ገሊጹ። "ንጻዕሩ ዓቢ ምስጋና ይግብኦ፣ ሕጂ ዓቢ ሓላፍነት ኣሰኪሙና ሓሊፉ ከም ዘሎ ኸኣ ምርዳእ የድሊ ... እወ፡ ነዛ ኣዚና እነፍቅራ ሃገር ዝኣተናላ መብጽዓታት ንኸነማልእ ክንጽዕር ከም ዘሎናን ከምዝከኣልን ክንኣምን ይግባእ" ክብል ወሲኹሉ።

ጆርጅ ቡሽ፡ ቅድሚ ኦባማ ዝነበረ ፕርዚደንት ድማ "ጆን ልውስ ንሃገርና ምልኡነት ከልብሳ ጽዒሩ'ዩ" ክብል፡ ቢል ክሊንቶን ድማ "ሕልና ሃገር" ብምባል ብናእዳ ገሊጹ።

ጂሚ ካርተር፡ ካብ 1977 - 1981 ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ፡ "ጆን ልውስ ሃገርና ፍትሓዊት ንኽትከውን ኣብ ታሪኽና ዘይድምሰስ ምልክት ዜንበረ ሰብ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

መግለጺ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን፡ "ጆን ልውስ፡ እቲ ናይ መሰል ሲቪል ተቓላሳይ፡ ብምማቱ የሕዝነኒ። መላንያን ኣነን ንቤቱ ሰቡ ጸሎትና ንልእከሎም" ኢሉ። ጆን ልውስ ንፕረሲደንት ትራምፕ ብግሁድ ይወቕሶ ነይሩ'ዩ።

ባንዴራታት ኣብ ፍርቂ-ሰንደቕ ተሰቒለን ውዒለን። ማይክ ፐንስ - ምክትል ፕረሲደንት - "ጆን ልውስ ዓቢ ሰብ'ዩ ነይሩ፣ ብትብዓቱን ኣገልግሎቱን ድማ ንኣሜሪካ ለዊጡዋ'ዩ" ክብል ንኢድዎ።

ብዙሓት ተጣበቕቲ መሰላት ሲቪል ድማ በብሸነኾም ሓዘኖም ገሊጾም። ጀሲ ጃክሶን፡ ንጆን ልውስ ብ 1960 ኢዩ ንፈለማ ጊዜ ረኺቡዎ። "ንጆን ምርኣይ ንትብዓትን ሓርበኝነትን ምፍላጥ ማለት'ዩ" ኢሉ።

ማርቲን ሉተር III - ዓቢ ወዱ ንማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር - ድማ "ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተድኣ ርኢና፡ ጆን ልውስ ሓደ ካብ'ቶም ሒደት ዓቢ ጸጋ ዝተዓደሉ ሰባት'ዩ ። በቲ ንዓና ኣብነት ዝዀኖ ኣቢሉ ድማ ክንድዚ ዝኣክል ዕብየትን ክብረትን ከጥሪ ኸኣለ" ኢሉ።

ከም ፕረዚደንት ኢማንወል ማክሮን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ እውን ኣብ ልዕሊ ጆን ልውስ ዘሎዎም ኣኽብሮት ገሊጾም'ዮም።

ድልድል ኤድመንድ ፐቱስ

እቲ ድልድል ንፈለግ ኣላባማ - ኣብ ከተማ ሰልማ - ዝስንጥቕ'ዩ።

ብ 1965፡ ጆን ልውስ፡ ሰንበት መዓልቲ፡ ብኣማኢት ንዝቝጸሩ ሰልፈኛታት መሪሑ ንሞንትጎመሪ ንምስጋር በቲ ድልድል ክሓልፍ እንከሎ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ዓሪዶም ከተርዎም'ሞ ንጆን ልውስ ሽክና-ርእሱ ሰበርዎ። ካብ ሽዑ ጀሚራ እታ መዓልቲ "ደማዊት ሰንበት" ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ናብታ ቦታ ተመሊሱ ምስ ፕረሲደንት ኦባማ በታ ድልድል ሓለፈ።

እታ ድልድል ብስም ሓደ ጀነራል ኮንፈደራስዮኒ - ኣብ ልዕሊ ባሮት ሕማቕ ትዕዝብቲ ዝነበሮም - እያ ትጽዋዕ። ጸኒሑ እቲ ጀነራል መራሒ ናይቲ ብ "ኩ-ክላክስ-ክላን" ዝፍለጥ ኣብ ኣላባማ ዝርከብ ጕጅለ (ፍጹም ጸላእቲ ጸለምቲ) ኰነ።

እብዚ እዋን'ዚ ድሮ ልዕሊ 400,000 ፊርማታት ኣቤቱታ ዘሎዎ፡ ነቲ ኣብ ኣላባማ ዝርከብ፡ ኣብ ህይወት ጆን ልውስ ዓቢ ተራ ዝተጸወተ ድልድል ስሙ ንክልወጥ ጠለብ ቀሪቡ ኣሎ። በዚ ከኣ እዮም ከም ዳዊትን ስዩምን ዝኣመሰሉ ነዞም ክልተ ስሙያት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኣካልን ብርሑቕ ብሞየኦምን ዝፈልጡዎም ሰባት፡ ኣትላንታስ ብድሕሪኦም እንታይ ኮን መሲላ ትህሉ ክብሉ ሕቶ ዘልዓሉ።

ምናልባት ኣብ ቀረባ ግዜ ቦታ እዞም በሃራት ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝሽፍን ሰብ ኣይንርእን ንኸውን ግን ጀግንነትን ተወፋይነትን እውን ምስ ታሪኽ ደቂ ሰባት እናተተኻኽአ ስለዝመጽእ ኣትላንታን ኣመሪካን ጸለምቲ ደቀባት ኣመሪካውያንን ንመንፍስን ሕልናን እዞም ሓበን ዓለም ዝኾኑ መማህራን ዝስዕቡዎም ክመጽኡ እዮም ይብል ስዩም።