ናይጀርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰዓት ሓደ ጾታዊ ዓመጽ ዝካየደላ ሃገር

ኣብ ናይጀርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰዓታት ሓደ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፍጸም ተሓቢሩ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ 717 ጾታዊ ዓመጻት ከምዝተፈጸሙን፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 5 ሰዓት ሓደ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፍጸም ዘርኢ ምዃኑ ሓለፊ ፖሊስ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

መሓመድ ኣዳሙ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ሓደገኛን እከይ ተግባርን ብምዃኑ፡ ናይጀርያውያን ብዕቱብ ንፖሊስ ክሕብሩ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ምስ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ ድሕሪ ምርኻቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 799 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለውን፡ ካብኦቶም ኣስታት 631 ኣብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐረቡን ጠቒሱ።

እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ ፍርዲ እቶም ጥርጡራት ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ገለ ግዳያት ዓመጽ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተዓሚጸን ተቐቲለን ከምዝተረኽባ ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይጀርያ ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ ነይሩ።

እቶም ናዕበኛታት፡ ሰብመዚ እታ ሃገርን ሕብረተሰብን ዝግባእ ስጉምቲ ክወስዱ ድማ ጸዊዖም።

እቲ ኣዛዚ፡ ሓይልታት ጸጥታ ምስ ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት ኮይኖም ኣብ ስልጠና፡ ምስ ግዳያት ምስራሕን መርትዖታት ኣብ ምእካብን ከምዘሰርሑ ሓቢሩ።