ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ 16 ሃገራት ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ዝነብሩለን ሃገራት ተመሊሶም

ምንጪ ስእሊ, yemane G/meskel
ድሕሪ ምቁራጽ በረራታት ኣብ 16 ሃገራት ተዓጊቶም ዝጸንሑ 259 ኤርትራውያን ብቀዳም ናብ ዝነብሩለን ሃገራት ከምዝተመለሱ ሚኒሰተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ እቶም 259 ኤርትራውያን ብፍሉይ በረራ ናብ ዝነብሩለን ሃገራት ከምዝተመለሱ ብምሕባር እቲ ስራሕ ብምውህሃድ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ኣካላት መንግስትን ኤምባሲታትን ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።
ኤርትራ፡ ኣብ 21 መጋቢት ናብ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ምስ ረኸበት'ያ 25 መጋቢት ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ደው ኣቢላቶ።
እቲ ምቁራጽ በረራታት ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ብዝተወሃበ ውሳኔ ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝግበር በረራታት ከምዘይህሉ ዝሕበር ብምንባሩ፤ ኣብ 'ትራንዚት' ዝንበሩ ገያሾ'ውን ናብ ዝመጽእሉ ዓዲ ክምለሱ ዘገድድ እዩ ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ምቁራጸር በረራታት ብዙሓት ኤርትራውያን ንሓጺር ይኹን ንነዊሕ እዋን ኢሎም ኣብ መገሻ ዝነበሩ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይክኣሉን ጸኒሖም።
እታ ካብ ሚያዝያ ክልተ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ 41 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረኸበት ክትሕብር ኣንከላ ካብዚኦም እቶም 39 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንለዉ፡ እቶም ድሒሮም ዝተረኸቡ ክልተ ሰባት ኣብ ኣስመራ ሓሓሊፍካ ኣብ ዝተገበረ መርመራ ዝተረኸቡ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽኣ መግለጺ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ኤርትራ፡ ነቲ ለበዳ ናይ ምምካት ቃልሲ ኣብ ፈለማ መድረኽ ከም ዘሎ ብምሕባር፤ እቲ ዝተኻየደ መርመራታት ኣብ ኣስመራ ጥራይ ምንባሩን ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከባ ከተማታት'ውን ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ክንደይ መርመራታት ኮሮናቫይረስ ከምዘካየደት ብንጹር ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







