ኮሮናቫይረስ፡ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ትግራይ፡ እንታይ ሰሪሑ?

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት በብግዚኡ እንትውስኽ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር'ውን ተመሳሳሊ ክስተት ይርኣይ ኣሎ።

ትግራይ፡ ሓንቲ ካብተን ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ዘለው ሰባት ክውስኽ ዝረኣየለን ክልላት ኮይና፡ እቲ ሕብረተሰብ'ውን ልሙድ ማሕበራዊ ህይወቱ ይቕጽል ከም ዘሎ ይዝረብ።

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ጸብጻብ፡ 41 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ እቶም ክልተ ኣብ ሑመራ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ዝሰርሑ ሰብሞያ ጥዕና'ዮም።

ኣባል ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ትግራይን ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማትን እቲ ክልል ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ ኣብዚ ጉዳይ ኣዘራሪብናዮ።

ቢቢሲ፡ኣብ ትግራይ ዞባ ምዕራብ መወሸቢ ማእከል ማይ ካድራ ክልተ ሰብሞያ ጥዕናብሰንኪ ሕፅረ መከላኸሊ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለዉ። ከም ቢሮ ነዚ ትፈልጥዎ'ዶ?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ፤ ግን መጀመርታ ሓደገኛ ቦታ ክንፈሊ ከለና፡ ካብ ሱዳን ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። ኣብ መጀመርያ ከባቢ ናይ ሱዳን ቁፅሪ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ፡ ከመይ ገይርና ኢና መወሸቢ ክንፈጥር ዘለና ኣብ ዝብል፡ እዞም ሰብሞያ ጥዕና የተሓባብሩ ነይሮም። ካብኣቶም ዝመፅኡ ደሓር ብምርመራ ዝተረጋገፀ፡ እቲ ሕማም ዝተረኸቦም ሰብሞያ ጥዕና'ውን ነይሮም።

ኣብኦም ጥራሕ ኣይኮንናን መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይርና፤ ኣብ ኩሎም ሆስፒታላት ንዝሰርሑ ሰብ ሞያጥዕና፣ ኣብ ሃንደበታዊ ሓሚሞም ዝደቀሱ ምስዚ ሕማም ዝመሳሰል ምልክታት ዘለዎም፡ ቅምሶ ወሲድና መርሚርና።

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ካብቶም ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ'ዮም። ኣጋጣሚ ኾይኑ እዞም ሰብሞያ ጥዕና፡ እቶም ዝመፅኡ ሰባት ምስ ወሸቡ፡ ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ ሰኣን ምግባሮም እዮም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።

ቢቢሲ፡እንታይ ማለት'ዩ ሰኣን ጥንቃቕ ምግባር?

ኣይተ መንግሽ፡ 'ኣነ ኣብ መወሸቢ ንዘሎ ሰብ ምኽርን ግልጋሎትን ክህብ እንከለኹ እንታይ እየ ክገብር ዝግበአኒ? እንታይ ዓይነት ጥንቃቀ ገይረ እየ ዝሰርሕ?' ዝብሉ ኢና ጥንቃቐ ንብሎም። ኣድለይቲ ናውቲ ብዘይ ምጥቃም ማለት እዩ።

ቢቢሲ፡ እቶም ሰብሞያ፡ ሓደ 'N 95' መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ንክጥቀሙ ከም ዝተገደዱ ይዛረቡ። ስለ ምንታይ?

ኣይተ መንግሽ፡ ኤን 95 ኣቐዲምና ንሰብሞያ ብምሃብ፡ ሕድሕድ ወረዳታትን ሆስፒታላትን ድማ፡ ኣብ ትካሎም ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ብቐዳምነት ንክህብዎምን፤ ንሱ'ውን ጥንቃቐ ገይሮም ንክጥቀምሉ ኢና ኣንፈት ንህብ።

ስለዚ እቲ 'ኤን 95' ማስክ ንምጥቃም ብዝወጽአ መምርሕን ግዜ ገደብን ኢና ንኸይድ። ከም ቢሮ ግን፡ ክልተ ወርሒ ሙሉእ ግድን ክትጥቀምሉ ኣለኩም ዝብል መመርሒ የብልናን።

ቢቢሲ፡ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 41 በጺሑ ኣሎ።

ኣይተ መንግሽ፡ ኩሎም፡ እዚ ሕማም ኣለዎም ካብ ዝበሃሉ ከባቢታት ናባና ዝኣተወ እዩ። ኣብ ማይ ካድራ ዘለዉ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ካብ ሱዳን ዝመፅኡ እዮም። ስለዚ እቶም ረኽሲታት ካብ ደገ ኣታዊ ዝኾኑ'ዮም ማለት እዩ።

እቲ ናይ ፈተሻ ስርዓትና ጥንኩር ስለ ዝኾነ'ዩ እዚ ተረኺቡ። ሰብሞያና ናብ ከምዚ ዓይነት ናብ ጥዕና ፀገም ከይኣትዉ ግና ከም ቢሮ ሓላፍነት ኣለና፤ ጉድለት እንተልዩ'ውን ምስትኽኻል ንኽእል ኢና።

ቢቢሲ፡ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ናብ ግንባር ክትልእኽ እንተኾይንካ እኹል ዝበሃል መከላኸሊ ናውቲ ኣዕጢቅካ እዩ። እዚ ኣይተገበረን። ኣብ ዞባ ምዕራብ ድማ ልዑል ዝኾነ ስግኣት ኣሎ። ብፍላይ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ማይካድራ ኣብ ሞንጎ ተወሸብቲ ምትሕውዋስ ኣሎ፣ እኹል ዝኾነ ማእኸል መወሸቢ ቦታ የለን።

ተወሸብቲ ተሓዋዊሶም ኣብ ደገ ኮፍ ዝብልሉ፣ ሓቢሮም ኩዕሶ ዝፃወትሉ፣ ህፃውንቲ ቆልዑ ናብቲ ማእኸል መወሸቢ ብምእታው፡ ንተወሸብቲ ማይ ከምፅእሎም ዝለኣኽሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ከመይ ገይርኩም ንሰርሕ ኣለና ትብሉ?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ፤ ግን እዚ ንቢሮ ጥዕና ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን። ካብ ዞባ ምምሕዳር ጀሚሩ ዘለዉ ሴክተራት ስለ ዝምልከቶም ክሰርሑ ኣለዎም።

ጥንኩር ዝኾነ መወሸቢ ብኣንፃር ኣብ ሓደ ክፍሊ ከቐምጥዎ ዝግባእ 'ስታንዳርድ'፣ ንዕኣቶም ክቐርብ ዝኽእል ቐረብ ኩሉ ሙሉእ እዩ ዝብል ገምጋም የብልናን። ከም ቢሮ፡ ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ክሰርሑ ዝግበኦም ስራሓት ጥንኩር ኣይኮነን ኢና ንብል።

እቲ ኣወዳድባ ንክጥንክር ድማ ዳህሳሳት ተኻይድ፡ ምምሕያሽ ንምግባር ዝቐረበ ሓሳብ ድማ ይስርሐሉ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ክቕፅል? ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ድማ፡ ካብ ሱዳንን ክልል ኣምሓራን ዝኣትዉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ክልል ኣምሓራ'ውን ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ። ከም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኮነ ከም ሓይሊ ዕማም ኣብ ባይታ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም?

ኣይተ መንግሽ፡ ንሕና ኣብቲ ቀረብ ዝተብሃለ፡ ክልል መንግስቲ ሓዊሱ፡ ሰብ ሃፍቲ፡ ብተወሳኺ'ውን ኣብዚ ዝነጥፉ ሓደሽቲ ትካላት ኣብዚ ስራሕ እዚ ዘለዎም ቀረብ ንከማልኡ ንሰርሕ ኣለና ኢና።

ኣብ ሓደ መወሸቢ፡ ብስታንዳርድ ክቕመጡ ዘለዉ'ውን ኣለዉ እዮም። እዚ ንምምላእ ድማ ክልል መንግስቲ ከባቢ 10 ሚልየን ብር ሓጊዙ እዩ። እዚ፡ ፍራሽ፣ ኮበርታ፣ ኣንሶላን ካልኦትን ንምግዛእ ፃዕርታት ተገይሮም። ፍርቆም ተገዚኦም ከይዶም እዮም፤ ኣብ ዕድጊት ዘለዉ'ውን ኣለዉ'ዮም።

ቢቢሲ፡ ሕዚ፡ ነቶም ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ዝርከቡ ሰብሞያ ጥዓና፡ እቶም መከላኸሊ ናውቲ ኣማሊእኹምሎም'ዶ?

ኣይተ መንግሽ፡ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፡ ግልጋሎት ንዝህቡ ኣሎ'ዩ፤ ንቐፃሊ ክነማልኦም ዝግብኡ'ውን ኣለው። ነዚ፡ ጨረታ ዳርጋ ተጫሪቱ ንዑ ድማ ዘድሊ ገንዘብ ነተኣኻኽብ ኣለና።

ቢቢሲ፡ካብ ጂቡቲ ንዝኣትዉ መራሕቲ መኪና፡ ዋዒ ሰብነቶም ጥራሕ ብምልካዕ ክሓልፉ ከም ዝግበር ይግለጽ። እዚ ምስ ብዙሓት ሰባት ክተናኸፉ ዕድል ምሃብ'ዶ ኣይኮነን?

ኣይተ መንግሽ፡ መራሕቲ ከበድቲ መካይን መጀመርታ ክመጽኡ እንከለዉ ዋዒ ሰብነቶም ይዕቀን፤ ካብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጀሚርና ድማ ናብ ትግራይ ኣብ ዘእቱ ቦታታት'ውን ንነብሶም ፈልዮም ዘጽንሑሎም ቦታታት ፈሊናሎም ኣለና። እዚ ድማ፡ ኣብ ኣሸጎዳን ማእከል ሰሜን ወተሃደራዊ እዚን ኮይኑ፡ ምስኣቶም ብምርድዳእ እቶም መራሕቲ መኪና ተወሺቦም ንክፀንሑ ንሰርሕ ኣለና።

ሕብረተረሰብ ዝጥቀመሎም ሃለኽቲ ነገራት ፅዒኖም ዝመፅኡ ከኣ፡ ዝኾነ ምትንኻፋት ከይገበሩ ንመካይኖም 'ዲስኢንፈክት' ገይርና፡ ኣራጊፎም ንክምለሱ ይግበር። መኪና እቶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ ሰባት ድማ፡ ዝኾነ ምትንካፍ ከይተገበረ ካልእ መራሒ መኪና ተቐቢሉ ናብ ትግራይ ክልል ዝርከባ ከተማታት እቲ ንብረት ከም ዝበፅሕ ንገብር ኣለና።

ቢቢሲ፡ምቁፅፃርኩም ክሳብ ክንደይ ስጡም'ዩ? ኣብ ማይ ሓንሰ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ኣስታት ሓሙሽተ መራሕቲ መካይን ካብ ጁቡቲ መፂኦም ረስኒ ተዓቂንና ኢና ብምባል፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ከምዝተሓወሱ ሓበሬታ ኣለና።

ኣይተ መንግሽ፡ ኩሉ እትሰምዕዎ ሓቅነቱ ምርኣይ የድሊ'ዩ፤ ርግፀኛ ኮይነ ክዛረቦ ዝኽእል፡ ናብ ትግራይ ዝኣትዋ መካይን እኹል ምቁጽጻር ገይርና ኢና ነሕልፈን። ስለዚ እዚ ምስ ኣካላት ፀጥታ ኮይንና ምክትታል እናተገበረ ሕድሕድ ዝኣቱ መኪና፡ ናበይ ቦታ እዩ ዝኸይድ? እንታይ ዓይነት ጥዕናዊ ክትትል ተገይርሉ? ዝብል መዝጊብና ኢና ነሕልፎ።

ካብዚ ሓሊፎም ዝኣትዉ ነገራት እንተሃልዮም ከኣ፡ ካብ ሕብረተሰብ ብዝህበና ሓበሬታ ምስ ኣካላት ፀጥታ ኮይንና ኣብ ምስራሕ ኢና ንርከብ። ኣብ ገሊኡ ክፍተት እንተሃልዩ'ውን ምዕራይ ይከኣል።

ቢቢሲብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለሓደ መወሸቢ ማእከል ቀፅሪ መለስ ዜናዊ፣ ሆቴላት ወጺኦም፡ ናብ ሕብረተሰብ ዝተሓወሰሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ወሲድኩም?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ፤ ተወሺቡ ኣሎ ኢልና ዝሓሰብናዩ ካብ መወሸቢ ወፂኡ ናብ ስድራን ሕብረተሰብን ምሕዋስ ከም ዝነበረ ኣረጋጊፅና ኢና። ናይ ፀጥታ ክፍተት ነይሩ'ዩ። ነዚ ክፍተት ዝፈጥረ ከኣ እቲ ናይ ፀጥታ መሓውር ኮይኑ፡ እቶም ናይ ጸጥታ ምምህዳራዊ ስጉምቲ ወሲዶም'ዮም።

ንሕና ከኣ፡ ካብኡ ትምህርቲ ወሲድና ንዝቕፅል ከምኡ ዓይነታት ክፍተታት ከይፍጠር፡ ኣሰራርሓ ኣተኣታቲና ኣለና። እቲ ኣጋጣሚ ግና፡ ኣብ ናይ ሓለዋ ክፍተት ከም ዘለና ዘመላኽት እዩ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ካብ ምፍላጥ ብዝዘለለ፡ ምስ ፈዴራል መንግስቲ ብኸመይ ተጣሚርኩም ትሰርሑ ኣለኹም? ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ካብ ፌደራል መንግስቲ እንታይ ሓገዛት ትረኽቡ ኣለኹም?

ኣይተ መንግሽ፡ መጀመርታ፡ ምስቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ርክብ ዝነበሮም ንምርካብ ንክሕግዘናን ሕብረተሰብ እቲ ሕማም ናብ ትግራይ'ውን ከም ዝኣተወ ፈሊጡ ዝያዳ ጥንቃቐ ንክገብርን፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ቐዲምና ንሕብር ነይርና።

እዚ መርመራ እዚ ክንገብር ዘድሊ ናውቲ ኣብ ምሃብን ኣብ ምሕጋዝን፡ ምስ ፈደራል ዘለና ርክብ ፅቡቕ'ዩ፡። ኣብ ኣክሱምን መቐለን ዝኸፈትናዮ መመርምሪ ማእከላት፡ ፈደራል ብዝገበረል ናይ ቴክኒክ ሓገዝ እዩ።

ቢቢሲ፡ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ተባሂሉ ካብ ፌዴራል ዝተሰለዐ ባጀት ኣሎ፤ ክንደይ ሰዖምልኩም?

ኣይተ መንግሽ፡ ካብ ፌዴራል ንሕገዞ ስራሓት ኣሎ እንድዩ፡ ኣብዚ ሰዓት ካብ ቢሮ ወፂአ ስለ ዘለኹ፡ ብልክዕ እቲ ዝተበጀተልና ብመጠን ሰልዲ ክንድዚ'ዩ ክብል ኣይክእልን፤ ግን ድማ ብዓይነትን ሰልድን ሓገዝ ተዋሂቡና እዩ። እኹል'ዩ ማለት ድማ ኣይኮነን፤ ብዙሕ ዝተርፈና ነገር ኣሎ።

ቢቢሲኣብ ክልል ሰባት ብዛዕባ'ቲ ቫይረስ ዘለዎም ርድኢት ዝተሓተ እዩ። ከምቲ ፈለማ 'ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክንከላኸሎ ኢና' ዝበልኩምዎ ሰሪሕና ኢልኩም'ዶ ትሓስቡ?

ኣይተ መንግሽ፡ ኮማንድ ፖስት ይኹን ቢሮ ጥዕና ክልል ሙሉእ ሰሪሑ'ኳ እንተዘይበልና፡ ክሳብ 80 ሚእታዊት ፅቡቕ ስራሕ ኢና እናሰራሕና ንርከብ። ልክዕ'ዩ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዕሽሽ ምባላት ኣለዉ።

እቲ ኮሮናቫይረስ እንታይ ዓይነት ጉድለት እንተገይርና ኢና ከም ውልቀ፣ ከም ስድራን ከም ማሕበረሰብን፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክመሓላለፍ ዝኽእል ዝብል፡ ብሚድያ ትምህርቲ ክወሃብ፣ ሕብረተሰብ ክፈልጥ ኣብ ምግባር፣ ዘለዋ ውዳበታት እውን ኣብዚ ክነጥፋ ንሰርሕ ኣለና። እቲ ቢሮ ኣብ ሕብረተሰብ ክፍተታት ከምዘሎ ይኣምን እዩ።

ቢቢሲ፡እቲ ናይ ሕብረተሰብ ልሙድ ህይወት ምንባር እኮ፡ ክንድቲ ዝድለ ናይ ግንዛበ ስራሕ ከምዘይተሰርሐ እዩ ዘርእይ። መራኸብቲ ሓፋሽ'ውን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባታት እየን ተፀሚደን ዘለዋ። 80 ሚእታዊት ብጣዕሚ ብዙሕ ቁፅሪ እዩ?

ኣይተ መንግሽ፡ ሚድያታት፡ ናይ ፖለቲካ ስራሕ ክሰርሓ እየን፤ ናይ ጥዕና ከመሓላልፍኦ ዝግባእ እውን ይሰርሓሉ ኣለዋ። ሓዲኡ ገዲፍና ዘይኮነስ፡ ክልቲኡ ተጠናኺሩ ንክኸይድ ኢና ክንሰርሕ ዘለና ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።

20 ሚእታዊት እዘን ክፍተት ዘለዋ ዝብለኪ ዘለኹ እየን። ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ክማላእ ዘለዎ ዕጥቂ እንተልዩ እንተኾይኑ ንሱ ምምላእ እዩ። ኣብ ማሕበረሰብ ክንሰርሖ ዘለና ጉድለታት እንተልዩ እውን፡ ንሳቶም ምምላእ እዩ። ዘሎ ስራሕቲ ኩሉ 100 ፐርሰንት 'ፐርፌክት' እዩ ማለተይ ኣይኮንኩን።

ቢቢሲ፡ ስለዚ ከም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኮነ፡ ከም ሓይሊ ዕማም ክልል ትግራይ፡ ክንሰርሖ ዝግበአና ኩሉ ሰሪሕና ኢና ዝብል ቅዋም እዩ ዘለኩም?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ። ንሱ እዩ መርገፂ ናተይ።