እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጥርጡር ቐታሊ ሃይማኖት በዳዳ ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩ
ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጥርጡር ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝተቐትለት መንእሰይ ሃይማኖት ደዳዳ፡ ኣብ ቀይዲ ኣውዒለ ይብል።
ነባሪ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝኾነ ኣብ ከባቢ 20ታት ዝርከብ ደግነት ወርቁ ዝተባህለ መንእሰይ እዩ ጥርጡር ኮይኑ ተታሒዙ ዘሎ።
ሃገራዊ ቴሌቪዥን ንኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ተጠርጣሪ ትማሊ ምሸት ሰዓት ሓደ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ውዒሉ።
እቲ ተጠርጣሪ ምስታ ግዳይ ዝኾነ ዓይነት ፍልጦ ከም ዘይነበሮ፡ ንፖሊስ ኣረዲኡ እዩ።
እቲ ውልቀሰብ፤ ተመሃራይ 12 ክፍሊ ከም ዝነበረን 'መድሓኒት ኤች ኣይቪ ንምርካብ ይመራመር ስለዘሎኹ ሓካይም ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ክሕግዙኒ ይክእሉ'ዮም' ብዝብል ናብቲ ቐጽሪ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይመላለስ ከም ዝነበረ፡ ፖሊስ ገሊጹ።
ብ17 ግንቦት 2012 ዓ.ም ድማ፡ ከምቲ ልሙድ በዚ ጉዳይ ከም ዝመጽን ገንዘብ ከም ዝጸገሞን ብምግላጽ፡ ካራ ሒዙ ብምኻድ ኣብቲ ቀጽሪ ካብ ዘለው ቤት ጽሕፈታት ካብ ሓዲኡ ላፕቶፕ ወይ ቴሌፎን እንተረኸበ ሰሪቑ ሸይጡ ንክጥቀም ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ መዋቲት ሃይማኖት በዳዳ ዝነበረትሉ ክፍሊ ተኸፊቱ ስለ ዝጸንሖ፡ ናብቲ ክፍሊ ከም ዝኣተወ ንፖሊስ ኣረዲኡ።
እታ ግዳይ፡ ቴሌፎንኪ ሃብኒ ኢሉ ምሓተታ ኣይህብን ምስ በለቶ፡ በቲ ዝሓዞ ካራ ወግኡ ዝደለዮ ንብረት ሒዙ ከም ዝወጽአ ተዛሪቡ።
ፖሊስ፡ ምስታ መዋቲት ርክብ ነይሩዎም ዝበሎም 12 ጥርጡራት ሒዙ ተወሳኺ መርመራ ከም ዝገበረ፡ ዳይሬክተር መርመራ ገበናት ቕትለት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኢቢሲ ተዛሪቡ።
ሃይማኖት መን'ያ?
መንእሰይ ሃይማኖት፡ ኣብ ከተማ መተሃራ ተወሊዳ'ያ ዓብያ። ሕጂ ኣብ ከተማ ኣዳማ ጎሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምስ ስድርኣ ትነብር።
ኣቡኣ ኣቶ በዳዳ ፈይሳ፡ ጓሎም ብ2009 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚዛን ቴፒ ብክሊኒካል ፋርማሲስት ብመዓርግ ተመሪቓ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክትምህር ከም ዝጸንሐት ይዛረቡ።
ድሕሪኡ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርታ ንክትመሃር ናብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ጥቁር ኣንበሳ መጺኣ ይብሉ።
"ኣብ 2010 ዝጀመረቶ ትምህርቲ ካልኣይ ዲግሪ ኣብዚ ዓመት ወዲኣ፡ ወርሒ ሰነ እያ ክትምረቕ ነይራ። ናይ መመረቒ ጽሑፍ ንክትውድእ ናብቲ ቤት ትምህርቲ እናተመላለሰት ትሰርሕ ነይራ" ይብሉ ኣቶ በዳዳ።
"ጓለይ፡ ንፍዕቲ ስለ ዝነበረት ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚራ፡ ቀዳመይቲ'ያ ትወጽእ ነይራ" ብምባል ጥንካርኣ የረድኡ።
ይኹን'ምበር፡ ጓሎም ኣብ ውሽጢ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሃል ዓብዪ ሆስፒታል ክትቕተል ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ይዛረቡ።
ኣብቲ ዕለት፡ ሃይማኖት ሒዛቶ ዝነበረት ላፕቶፕ፣ ቴሌፎንን ንሶም ዝሃቡዋ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ቼክን ከም ዝተወሰደ ሓቢሮም።
ንሶም ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ዝሃቡዋ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ቼክ ብሽም ብዝጠቕሱዎ ሓደ ውልቀሰብን ጨንፈር ባንክን ወጻኢ ተገይሩ እዩ።