ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 57 ሽሕ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ መዓልታዊ ምርመራ ዝበግረሎም ሰባት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ሚኒሰትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ መዓልታዊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዝረኣይ እዩ።
ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ሚሰኒስትሪ ጥዕና ከምዝሕብሮ፡ እታ ሃገር ዛጊድ 57 254 ምርመራታት ኣይዳ ኣላ።
ትማሊ ጥራይ ድማ፡ 4225 ቅምሶታት መርሚራ። ካብዚኦም ድማ፡ 11 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክትፈሊ ክኢላ እያ።
እቶም በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 11 ሰባት፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፡ 5 ተባዕትዮን 6 ደቂ ኣንስትዮን እዮም።
እቶም 4 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ እቶም 6 ካብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ፡ እቲ ሓደ ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኣጣየ ምዃኖም መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት 317 እዩ። 197 ሰባት ድማ ኣብ ሕክምና ኣለዉ።
ካብ መንጎ እቶም ኣብ ሕክምና ዘለዉ ድማ፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ክፍሊ ጥቡቕ ክትትል ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ ከምዘየለ እያ እታ ሃገር እትገልጽ።
ዛጊድ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 113 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም እዮም።
እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ 5 ሰባት እዮም በቲ ሕማም ሞይቶምዋ።
ክልተ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣብቲ ፈለማ እዋናት፡ ናብ ዓዶም ምምላሶም ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋን ዘሎ ዓለማዊ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ እንትረአ፡ ዛጊድ ልዕሊ 4.6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።
ልዕሊ 312 ሽሕ ሰባት ድማ ብደረጃ ዓለም፡ በዚ ሕማም ሞይቶም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







