መገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ መላእ ዓለም ንሰብሞያ ሕክምና 100 ሽሕ መምለሲ ትኬት ብነጻ ክህብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝወፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምና 100 ሽሕ መምለሲ ትኬት ብነጻ ክህብ ቃል ኣትዩ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣክባር ኣል-ባከር፡ ሰባት ብነፋሪት መገሻ ንምግባር ዘለዎም ድልየቶም ብ2023/2024 እውን እንተተመሊሱ "ብጣዕሚ ከምዝግረም" ተዛሪቡ።
ብፍላይ ንስራሕ ዝግበሩ መገሻታት ብቕልጡፍ ናብ ዝነበርዎ መጠን ክምለሱ ከምዘይክእሉ ኣጠንቂቑ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ናብ 30 መዓርፎ ነፈርቲ በረራ ኣብ መክያድ ይርከብ።
ቅድሚ እቲ ለበዳ ናብ 165 ቦታታት ይበጽሕ ነይሩ። ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ሰነ ድማ እቶም ዝበጽሓሎም መዓርፎታት 80 ከብጽሖም ተሊሙ'ሎ።
ኣል-በከር ንወኪል ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዝካየዱ በራታት መናብር ነፈርቲ ካብ 50 ክሳብ 60 ሚኢታዊት ከምዝመልኡ ኣተንቢሁ።
ገያሾ ኣብ እዋን በረራ ኣካላዊ ርሕቐቶም ክሕልዉ ክምዕድ ምዃኑ'ውን ኣዘኻኺሩ።
እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ሰኑይ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝወፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ 100 ሽሕ ትኬታት ብነጻ ክህብ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







