ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ጽሓይ ብርሃን ኣብ ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ጽልዋ ክጽናዕ ኣዚዙ

ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ጽሓይ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ጽልዋ ክጽናዕ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ኣብ ሃገራዊ ድሕንት ኣሜሪካ ሓላፊ ክፍሊ ስነ ፍልጠት ቢል ንርያን፡ ኮሮናቫይረስ ብርሃን ጽሓይ ብቀጥታ ምስ ዝረኽቦ፡ ኣብ ሙቕትን ጠሊ ዝሓዘለ ንፋስን ክጻውር ከምይክእል ብመጽናዕቲ ከምዘረጋገጽዎ ምግላጹ'ዩ ነዚ ሓሳብ ዘበጋግስ ዘሎ።

እቲ ተገይሩ ዝተብሃለ መጽናዕቲ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተሓትመን ዝኣክል መስርሕ መርመራ ከምዘይሓለፈን'ዩ ዝግለጽ።

ምክትል ፕረዚደንት ማይኽ ፔንስ'ውን እቲ ዝርገሐ ለበዳ ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ብርኡይ ክጎድል ከምዝኽእል ሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብርቱዕ ብርሃን ጽሓይ ከምኡ'ውን ጸረ ባክተርያ ብኮሮናቫይረስ ንዝተለኸፉ ቀንዲ መድሃኒት ክኸውን ይኽእል'ዩ ምባሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ብሳይንስ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ ጌጋ እዩ ብምባል ኢዶም ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ የወጣውጡ ኣለዉ።

ኮሮናቫይረስ ምስ ወቅቲ ይጠፍእዶ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ዛዕባ እዩ።