ኮሮናቫይረስ፡ ምንጪ ኮቪድ-19 ዝኾነት ከተማ ውሃን ብኽፋል ምንቅስቓስት ተኸፊቱ

ከተማ ውሃን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብታ ምንጪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ውሃን፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ተነጽሎን ዕጽዋን ብኸፊል ምንቅስቓሳት ተጀሚሩ።

ሎሚ መዓልቲ ብርክት ዝበሉ ተጓዓዝቲ ኣብ መደበር ባቡር ውሃን ተራእዮም። ካብቲ ቦታ ዝወጽኡ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ሰባት ናብ ከተማ ውሃን ንኽኣትዉ እንተተፈቐደሎም፡ ክወጽኡ ግን ጌና ኣይተፈቐደን ዘሎ።

ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሁበይ ኣብ ዝኾነት ውሃን፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ብኮሮናይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ድማ ሞይቶም ኣለው።

ከም ጸብጻብ መንግስቲ ቻይና ድማ፡ ኣብዚ እዋን ኣብታ ከተማ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነክዩ እዩ።

ኮሮና
ኮሮና

እታ ከተማ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 54 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ከም ዝረኸበት ክትገልጽ እንከላ፡ ኩሎም ግን ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ እዮም ኢላ።

ኣብዚ ሰዓት ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ሕሙማት ንምኽልካል ብዝብል፡ ፍቓድ መንበሪ ኮነ ቪዛ ዘለዎም ወጻእተኛታት ኣብ ቻይና ከይኣትው ተኸልኪሉ'ሎ።

ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ ውሃን ምህርቲ ዓሳ ኣብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ከም ዝጀመረ ይግመት። እዚ ድማ፡ "ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳ በረኻ ዝመጽአ'ዩ" ተባሂሉ።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩ 11 ሚልዮን ሰባት ንክልተ ወርሒ ሙሉእ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ዘሕለፉዎ ኮይኖም፡ ካብታ ከተማ ዘውጽኡ ኩሎም መገዲታት'ውን ተዓጽዮም ነይሮም።

ይኹን'ምበር ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ናብታ ከተማ ዘእትው መገዲታት ተኸፊቶም ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ። 17 መገዲታት ባቡር እታ ከተማ'ውን ኣገልግሎት ክህቡ ጀሚሮም ኣለው።