ሳይዶ ማነ ንኮሮናቫይረስ ንምምካት ንሃገሩ 45 ሽሕ ዩሮ ለጊሱ

ሴኔጋላዊ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል

ሴኔጋላዊ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ሳይዶ ማነ፡ ነቲ ሃገሩ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትገብሮ ዘላ መኸተ ንምድጋፍ 45 ሽሕ ዩሮ ወፍዩ።

እቲ ተጻወታይ ኣብ ሃገሩ፡ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ ነቲ ገንዘባዊ ወፈያ ከምዝገበረ ወኪሉ ገሊጹ።

ማነ ኣብ ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ዘዘርግሖ ሓበሬታ፡ ንደቂ ሃገሩ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑን ክጥንቀቑን ይምዕድ።

ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ዝኾነ፡ ሳድዮ ማነ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) 2019 ኮይኑ ምምራጹ ይዝከር።

ወዲ 27 ማነ፡ ጋንትኡ ሊቨርፑል ተዓዋቲት ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግ 2018-19 ክትከውን ዓቢ ተራ ዝተጻወተን፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተሳተፎም ኩሎም ግጥማት 30 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ተጻዋታይ'ዩ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዋንጫ ክለባት ዓለም ዝጨበጠት ጋንትኡ ሊቨርፑል ድማ፡ ብ25 ነጥቢ ንፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ትመርሖ'ላ።

ኣብ ሰኔጋል፡ ስጋብ ሕጂ 27 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለውን፡ ክልተ ካብኦም ድማ ሓውዮም ናብ ንቡር ህይወቶም ከም ዝተመልሱን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ሰብመዚ ሰኔጋል፡ ካብ ምዕራብን ሰሜንን ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኤውሮጳ ዝግበር በረታት ደው ኣቢሎሞ'ለዉ።

ኣብዚ እዋን፡ ጸወታታት ፕሪሜየር ሊግ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብምስራዙ፡ ዝኾነ ዓይነት ጸወታን ልምምድን የለን።