ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ሳድዮ ማነ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2019 ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ዝኾነ፡ ዳድዮ ማነ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) 2019 ኮይኑ።
ሰኔጋላዊ ማነ፡ ንወዲ ክጋንትኡ ዝኾነ ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕን፡ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲሲቲ ዝኾነ ኣልጀርያዊ ሪያድ ማህረዝን ብምስዓር'ዩ ነቲ ሽልማት ክወስድ በቒዑ።
ወዲ 27፡ ሳድዮ ማነ፡ ጋንትኡ ሊቨርፑል ተዓዋቲት ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግ 2018-19 ክትከውን ዓቢ ተራ ዝተጻወተን፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተሳተፎም ኩሎም ግጥማት 30 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ተጻዋታይ'ዩ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ውድድር 2019-20 ጥራይ 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ።
እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዋንጫ ክለባት ዓለም ዝጨበጠት ጋንትኡ ሊቨርፑል ድማ፡ ብ13 ነጥብን ሓደ ጸወታን ንፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ትመርሖ'ላ።
"ነቲ ሽልማት ብምዕዋተይ ሓጎስን ሓበንን እስማዓኒ። ኩዕሶ እግሪ ስረሐይ'ዩ፡ አፍቅሮ ድማ'የ" ክብል ማነ ሓጎሱ ገሊጹ።
"ንስድራይ፡ ሃገራዊት ጋንታይ [ሰኔጋል]፡ ኣካየድቲ፡ ፈደረሽንን ንክለብ ሊቨርፑልን ከመስግኖም እደሊ። ሎሚ ዓባይ መዓልቲ'ያ ንዓይ።"
ማነ ነቲ ሽልማት ኣብ ሁርጋዳ፡ ግብጺ ብምርካብ'ዩ ተቐቢልዎ። እቲ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመት ነቲ ሽልማት ዝተዓወተ ሳላሕን፡ ማህረዝን ግና ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣይተረኽቡን።
ኣርኣያ ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል ዝነበረን ኣብ 2002 ተዓዋቲ ናይቲ ሽልማት ዝኾነን ወዲ ሃገሩ ኣል ሃጂ ዲዮፍ ክኽተል ዝነበሮ ባህጊ ልዑል ብምንባሩ፡ እቲ ሽልማት ንማነ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ'ዩ።
ማነ ዘድንቖ ካልእ ተጻዋታይ ድማ ብራዚላዊ ሮናልዲንሆ ምዃኑ ይፍለጥ








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



