እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከንቲባ ጀሃንስበርግ ብምኽንያት ዓሌታውነት ስርሑ ለቒቑ
ከንቲባ ከተማ ጀሃንስበርግ ሄርማን ማሻባ፡ ብሰንኪ ዓሌታውነት ካብ ስርሑ ከም ዝለቐቐ ተገሊጹ።
እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ፡ ዓᎁቕ ጉድለት ዘርኢ'ዩ ተባሂሉ።
ከንቲባ ሜርማን ማሻባ ካብ ሓላፍነቱ ንምልጋስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዙርያ ሕቶታት ማዕርነት ኣብ ዘካይዱዎም ዘተታት፡ ዓሌታውነት ኣገዳሲ ኣይኮነን ምስ ዝብሉ ሰባት ንነብሰይ ክዓርቃ ኣይኽእልን" ኢሉ።
ማሻባ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተቓዋሚ ናይ ዝኾነን፡ ኣብ ታሪክ ናይ ጸዓዱ ጥራሕ ዝነበረን ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ'ዩ።
ነዚ ውሳነ ክውስን ዘገደዶ ምኽንያት እንትገልጽ፤ ሄለን ዚሌ ዝተብሃለት ጻዕዳ ኣባል እቲ ሰልፊ፤ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምንኣድ ቁጥዐ ኣልዒላ'ኳ እንተነበረት፤ ብስልጣን ክትዓቢ ስለ ዝተገብረ'ዩ።
"ሹመት ሄለን ዚሌ፡ ናተይ ሓሳብ ዝጻባእ እምነት ዘለዎ ሰብ ከም ዝዕወት'ዩ ዘርኢ" ኢሉ።
ኣብዚ ሰልፊ፡ ጸሊም ከንቲባ ዓባይ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ጌርካ ምምራጽ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ኤኤንሲ ክትነሓናሕ ዝገብር'ዩ ዝብሉ ግምታት ፈጢሩ ነይሩ።
እዚ ናይ ሕጂ ክስተት ግን፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንዝሕመስ ዘሎ ኤኤንሲ ዘሐጉስ ዜና'ዩ ይብሃል።
ከም እምነት ጸለምቲ ኣባላት ዲሞክራቲክ ኣሊያንስ፡ እቲ ሰልፊ ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ጸዓዱ ክኸውን ናይ ምድፋእ ዝንባለታት የርኢ ኣሎ ክብል ሚልተን ኒኮሲ ካብ ጀሃንስበርግ ጸብጺቡ።
"ንድኻ ዝሕለቕ" ዝብል ፖሊሲ እቲ ሰልፊ'ውን፡ ነቐፊታ ከም ዝቐረበሉ እቲ ከንቲባ ኣረዲኡ፤ ንድኻ ዝሕለቕ ማለት ድማ ንጸለምቲ ከም ዝውክል ሚልተን ይዛረብ።
ሄርማን ማሻባ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ምስ ተወገደ፡ ካብ ገዛኢ ሰልፊ ኤኤንሲ ወጻእ ዝተመረጸ ፈላማይ ጸሊም ከንቲባ"ዩ።
ሙምሲ ማይማኔ ዝተብሃለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ መራሒ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ኪዳን [ኣሊያንስ] ኮይኑ ምስ ተመረጸ፡ ኦባማ ደቡብ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተሞጒሱ ነይሩ።
ዕጫ መራሒ እዚ ሰልፊ ዝኾነ ማይማኔ ዝምልከት ኣብቲ መጻኢ ዓመት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሰልፊ ክውሰን'ዩ።