ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓብላልነት ኤ ኤን ሲ የኽትም ዶ ይህሉ?

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤ ኤን ሲ)፡ ዓቢይ ብድሆ ገጢምዎ ምህላው ተገሊጹ።

እዚ በቲ ኣንጻር ስርዓት ኣፓርታይድ ዘካየዶ ቃልሲ ዝፍለጥ ኔልሰን ማንዴላ ዝቖመ ሰልፊ፡ ዛጊት ኣብ ዝተኻየዱ ሃገራዊ መረጻታት ትሕቲ 62% ኣመዝጊቡ ዘይፈልጥ'ኳ እንተኾነ ሕጂ ግን ዝቕየር ይመስል።

እታ ሃገር ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ተሸሚማቶ ትርከብ ቁጠባዊ ዝሕታለን፡ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውናን፡ ንዓብላልነት ኤ ኤን ሲ ብድሆ ኮይንዎ ኣሎ።

ፕረዚደንተ ስሪል ራማፎዛ ነዚ ኩነት ክቕይሮ ምዃኑን ነታ ሃገር ናብ ካልእ መድረኽ ከም ዘሰጋግራን ይገልጽ'ኳ እንተሎ፡ ብርክት ዝበሉ ይቕበልዎ የለውን።

ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ዓብላልነት ናይ ሰልፊ ደሞክራስያዊ ኪዳን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ሰልፊ ተቓለስቲ ቁጠባዊ ነጻነት'ውን ባይታ ይረኽቡ ኣለው።