ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጋዜጣ ሩዋንዳ ንሚኒስተር ሲሲሉ "ኣመንዝራ" ኢሉ ብምጥቃሱ ተቖጢዓ

ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ደጋፊ መንግስቲ ዝኾነ ጋዜጣ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ሚኒስተር "ኣመንዝራ" ኢሉ ብምጽውዑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ንዝርከብ ልዑኽ ርዋንዳ ከም ዘጸውዐት ተገሊጹ።

ነታ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነት፡ ሊንድወ ሲሱሉ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሩዋንዳውን፡ ኣብ ትዊተር ነቒፎምዋ ኢዮም።

ወሃቢ ቃል እታ ሚኒስተር፡ ብዛዕባ እቲ ርእይቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዘይቅቡል ከም ዝኾነን ደው ክብል ከም ዝግባእን ተዛሪቡ።

ሊንድወ ሲሱሉ ኣብ ዝሓለፈ፡ ኣብ ስደት ምስ ዝርከብ ርዋንዳዊ ፖለቲከኛ ምርኻባ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምስሐሓብ ኣስዒቡ ኢዩ።

ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምስ ርዋንዳዊ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር፡ ጀነራል ፎስቲን ካዩምባ ንያምዋሳ ኣብ ጆሃንስበርግ ከም ዝተራኸበት ሓቢራ ነይራ።

ኣብ ደቡብ አፍሪቃ ተቃዋሚ ፓርቲ መስሪቱ ዝርከብ ሚስተር ንያምዋሳ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ንምዝርራብ ፍቃደኛ ምዃኑ "ከም ዘሐጎሳ" ኢያ ገሊጻ።

ሚስተር ንያምዋሳ ምስ ፕሬዚደንት ፓውል ካጋሜ ድሕሪ ምስሕሓቡ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፡ ኦሊቨር ንዱንጊርሐ'ውን ነቲ ርክብ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ነቒፉ'ዩ።

ሓደ ደጋፊ መንግስቲ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ'ውን ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ነታ ሚኒስተር "ውሽማ" ንያምዋሳ ኢሉ ምጥቃሱ፡ ሓደ ምንጪ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ እቲ ጽሑፍ እንተ ተኣለየ፡ እቲ ጉድኣት ግና ከም ዝበጽሐ ተጸብጺቡ።

ልኡኽ ርዋንዳ ኣብ ፕሪቶርያ ተጸዊዑ፡ መንፈስ እቲ ርእይቶ ቅቡል ከም ዘይኮነ ከም ዝተሓበሮ፤ ላዕለዋይ ልዑኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኪጋሊ'ውን ንምይይጥ ናብ ፕሪቶርያ ከም ዝተጸውዐ ወሃቢ ቃል እታ ሚኒስተር፡ ተዛሪቡ።

ኣብ 2014፡ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ንያምዋሳ ምስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሰለስተ ዲፕሎማት ሩዋንዳ ሰጒጋ ኢያ።

እቲ ፖለቲከኛ፡ ካብ ክልተ ናይ ምቕንጻል ፈተነታት ከም ዝሞለቐ ይግለጽ።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክሕርፍፍ ዝጀመረ፡ ኣብ 2014፡ ሓላፊ ስለያ ርዋንዳ ዝነበረ፡ ኮሎኔል ፓትሪክ ካሬገያ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ሆቴል ተቐቲሉ ምስ ተረኽበ ኢዩ።

ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ድሕሪ እቲ ፍጻመ "ንሩዋንዳ ጠሊምካ ከይተቐጻዕካ ምንባር ኣይከኣልን፤ እቶም ካልኦት'ውን ናይ ኢዶም ክረኽቡ ኢዮም፡ ናይ ጊዜ ጉዳይ ኢዩ" ኢሉ።