ጉዕዞ ህይወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ብስእሊ

ንግስቲ ኤልሳቤጥ II ኣብ ክርስትናኣ ምስ ኣቡኣበነብ ኣዲኣን ኣብ 1926

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ኣለክሳንድራ ሜሪ ዊንድሶር ኣብ 21 ሚያዝያ 1926 ኣብ ለንደን ተወሊዳ። ቀዳማይቲ ውላድ ኣልበርትን ኤልሳቤጥን እያ

ጉዕዞ ህይወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣቓልቦ ህዝቢ ዝስሕብ እዩ ነይሩ። እዞም ስእልታት ካብ ህጻንነተን ክሳዕ ንብሪጣንያ ንዝነውሐ እዋን ንግስቲ ኮይነን ዘገልገላሉ ዘበናት ዘመልክቱ እዮም።

ልእልቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1929 ጓል ሰለስተ ዓመት እናሃለወት፡ ኣርቲስት ማርከስ ኣዳምስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ቁልዕነተን ንግስቲ ክኾና ትጽቢት ኣይነበረን
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዊንድሶር ምስ ሓደ በዓል መዚ ሰላምታ እንትለዋወጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እንተኾነ ካብ ቁልዕነተን ጀሚሩ ናይ ሓላፍነት ስምዒት የርእያ ከምዝነበራ ይግለጽ
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥን ልእልቲ ማርጋሬትን ኣብ 1930ታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥን ኣብ 1930 ዝተወለደት ሓፍተን ማርጋሬት ሮዝን ኣብ ገዛ እየን ተማሂረን
1px transparent line
ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ምስ ስድርኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1936 ንጉስ ኤድዋርድ፡ ንግስንኡ ምግዳፉ ስዒቡ፡ ኣቦ ኤልሳቤጥ ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ክስመ እንከሎ ንሰን ድማ ወራሲት ኮና
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥን (የማን) ልእልቲ ማርጋሬትን

ምንጪ ስእሊ, Topical Press Agency / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኤልሳቤጥን ሓፍተን ማርጋሬትን ናብ ዊንድሶር ግዒዘን ነይረን። ኣብ ቢቢሲ መደብ ህጻናት፡ ንህዝቢ መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፋሉ እዋን ዝተወሰደ ስእሊ
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ናይ ወታሃደራዊት መኪና ጎማ እናቐየረት፡ 1940ታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ንሓጺር እዋን፡ መኪና ብምዝዋርን ብምጽጋንን ኣብ ሰራዊት ተሳቲፈን
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥን ፊሊፕ ሞንትባተንን ኣብ መርዐኦም፡ 20 ሕዳር 1947

ምንጪ ስእሊ, Bert Hardy / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1947፡ ዳሕራይ መስፍን ኤደንብራ ንዝኾነ ናይ ርሑቕ ዘመደን ፊሊፕ ሞንትባተን ተመርዕየን
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥ ንወዳ ቻርለስ ኣብ ክርስትንኡ ሓቒፋ፡ ቤተ ንግስነት ባኪንግሃም 1948

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ቦኽሪ ወዶም ቻርለስ ኣብ 1948 ተወሊዱ፡ ሓፍቱ ኣኒ ድማ ኣብ 1950 ስዒባ
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልእልቲ ኤልሳቤጥን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ዕድሚኣ ምሉእ ንኣዲኣ ዝቐረበት እያ ነይራ። ኣብ 1952 ኣብ መርዓ ተዓዲመን ዝተስኣለኦ ፎቶ
1px transparent line
ልእልቲ ኤልሳቤጥን ፊሊፕን ኣብ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1952 ኤልሳቤጥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኣቦአን በምውካል ምስ ፊሊፕ ናብ ወጻኢ ገይሸን። እቲ ንጉስ ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ደቂሱ እንከሎ ዓሪፉ
1px transparent line
እታ ንግስቲ ናብ ብሪጣንያ ምሰትመለሰት ፖለቲከኛታት ተቐቢሎምዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ብቕልጡፍ ናብ ገዝአን ተመለሳ፤ እተን ሓዳስ ንግስቲ ጓል 26 ዓመት እየን ኔረን
1px transparent line
ንግስቲ ሜሪ (ማእከል)፣ ንግስቲ ኤልሳቤጥን ኣዲኣን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዕለተ ንግስናኣ

ምንጪ ስእሊ, Universal History Archive

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1953 ድማ ኣብ ዌስትሚኒስተር ንግስነት ተሸይመን
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይትን ፊሊፕን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኮይነን ምስ ተሸማ ምስ ፊሊፕ ብምዃን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ንዝተኣከበ ህዝቢ ሰላምታ ኣቕሪበን
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይት ኣብ ቴሌቪዥን መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፈትሉ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1957 እተን ንግስቲ ፈላማይ ብቴሌቪዥን ዝቐረበ ናይ በዓል ልደት መልእኽቲ ኣሕሊፈን
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናብ ጎረባብተን እናበጽሓ፡1958
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ጓላ ልእልቲ ኣኒ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር፡ 1959

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ጓለን ልእልቲ ኣኒ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር
1px transparent line
ቦቢ ሙር ካብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዋንጫ እንትቕበል

ምንጪ ስእሊ, Mirrorpix / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1966 ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንሓለቓ ናይታ ዋንጫ ዓለም ዝወሰደት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንዝነበረ ቦቢ ሙር ሽልማት ዋንጫ ሂበን
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1966 ኣብ ዌልስ ብዝበጸሐ ምህማም መሬት 144 ሰባት ዝሞትሉ ከባቢ ዑደት እናገበራ
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን

ምንጪ ስእሊ, Mirrorpix / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንህይወት እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ኣመልኪቱ ንፈለማ እዋን ዝወጸ ሰነዳዊ ፊልም ተመልከተቲ ዘይተጸበይዎ ርድኢት ፈጢሩሎም
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ፖርትስማውዝ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1977 እታ ሃገር መበል 25 ዓመት ንግስና ብሩራዊ ኢዮቤልዮ ናይተን ንግስቲ ኣኽቢራ። ኤልሳቤጥ ነታ ሃገር ኣብ ዝዞራሉ ድማ ካብ ህዝቢ ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩለን።
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲታት ኣብ 36 ሃገራት ምብጻሕ ኣካዪደን
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ባህላዊ ምርኢት ኒውዚላንድ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ባህላዊ ምርኢት ኒውዚላንድ
1px transparent line
ኣብ መርዓ ዲያናን ቻርለስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1981 ቦኽሪ ውላድ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ልኡል ቻርለስ፡ ምስ ዲያና ስፐንሰር ተሞርዕዩ። ዲያና ኣብ 1997 ብሓደጋ መኪና ሞይታ።
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1992 በዓል ልደት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰንኪ ምፍራስ ሓዳር ሰለስተ ደቀን ከምኡ'ውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ እቲ ዓመት ከቢድ ከምዝገበረ ገሊጸን።
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ሞት ልእልቲ ዌልስ ዝነበረት ዲያና፡ እተን ንግስቲ ናብ ህዝቢ ስለዘይተርኣያ ወቐሳ በጺሕወን ነይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ግን ነቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ዝተኻየደ ዝኽሪ በጺሐን ብቴሌቪዥን መልእኽቲ ሓዘን ኣመሓላሊፈን።
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ (የማን) ልእልቲ ማርጋሬት (ጸጋም) ምስ ኣዲአን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2000፡ ኣዶ ንግስቲ ኤልሳቤጥ መበል 100 ዓመተን ኣኽቢረን፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ (የማን) ልእልቲ ማርጋሬት (ጸጋም)
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2002 ሓፍተን ልእልቲ ማርጋሬትን ኣዲአንን ብሸውዓተ ሰሙን ኣፈላላይ ሞይተን
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን፡ ሰነ 2002

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጽምብል ንግስና ወርቃዊ እዮቤልዮ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, መበል 80 ዓመት ዕለተ ልደት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መርዓ ወዲ ወደን ልኡል ዊልያምን ካትሪን ሚድልተንን፡ 2011

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መርዓ ወዲ ወደን ልኡል ዊልያምን ካትሪን ሚድልተንን፡ 2011
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ኣክተር ዳኒኤል ክሬግ
መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ኣክተር ዳኒኤል ክሬግ ኣብ መኽፈቲ በዓል ለንደን ኦሎምፒክ
1px transparent line
በዓል ልደት 90 ዓመት ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, በዓል ልደት 90 ዓመት ንግስቲ ኤልሳቤጥ
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥ (2018)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ፊሊፕ ጥሮታ ምውጽኡ ስዒቡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ህዝባዊ ስራሕቲ ንበይና ትረአ ነይራ
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ምስ ልኡል ሱሴክስ ዝነበረ ሃሪ፣ በዓልቲ ቤቱን ወዱን

ምንጪ ስእሊ, Chris Allerton / SussexRoyal

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ምስ ልኡል ሰሴክስ ዝነበረ ሃሪ፣ በዓልቲ ቤቱን ወዱን። ምስሳን እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብ ዳሕራይ ህይወት እታ ንግስቲ ባህታ ካብ ዝፈጠሩ ነገራት ነይሩ።
1px transparent line
በዓል ቤት ንግስቲ ኤልሳቤት ዳግማዊት ኣብ ቀብሪ ልኡል ፊሊፕ 17 ሚያዝያ 2021

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, በዓል ቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ልኡል ፊሊፕ፡ 9 ሚያዝያ 2021 ኣብ 99 ዓመቱ ሞይቶም።
1px transparent line
ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ምስ ድቆምን ደቂ ደቆምን

ምንጪ ስእሊ, Duchess of Cambridge

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣርባዕተ ደቂ፣ ሸሞንተ ደቂ ደቅን 12 ደቂ ደቂ ደቅን ገዲፈን
1px transparent line