እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትምኒት ገብሩ ካብ 100 ጸለውቲ ሰባት 2022 ኰይና ተሓርያ
መጽሄት ታይም፡ ንክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ትምኒት ገብሩ፡ ኣብ 2022 ጸለውቲ ካብ ሞንጐ ዝኾኑ 100 ሰባት ክብል ሓርዩዋ።
መራሒት ጉጅለ ስነምግባር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ጉግል ዝነበረት ትምኒት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጐገት ይዝከር።
ኣብ ውሽጢ እቲ ኩባኒያ ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎን፡ ውጽኢት ናይቲ ምርምር ድማ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ንህዝቢ ከጋጊ ከም ዝኽእልን ዝሕብር ኢመይል ድሕሪ ምልኣኻ ካብ ስርሓ ክትስጐግ ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣብቲ እዋን ገሊጻ ነይራ።
ትምኒት፡ ቍጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዓውዲ ትሑት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ነዚ ንምፍታሕ ከም እትቃለስ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
መጽሄት ታይም፡ ሓንቲ ካብ ጸለውቲ ዓለም ኢሉ ዝሓረያ ትምኒት፡ "ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኴንካ ሓቂ ምዝራብ ትብዓት ይሓትት፤ ትምኒት ገብሩ ኸኣ ነጋሪት ሓቂ 'ያ" ክብል ንኢዱዋ።
ትምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ቅድሚ ምስጓጓ፡ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ እቲ ትካል ኰይና ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሽማ ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ ምርምር ክእለ ተሓቲታ ምንባራ ብምጥቃስ እዚ ሽማ ንኸይጐልሕ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ምዃኑ ትማጐት።
ኣብ ጉግል ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝሰርሑ ፍሉጣት ሞያውያውያን፡ እታ ክኢላ ካብ ስራሕ ምስጓጓ ክቃወሙ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብኣሕጽሮት "ዳይር" ተባሂሉ ዝጽዋዕ 'Distributed Artificial Intelligence Research Institute' (DAIR) ዝብሃል ትካል ምርምር መስሪታ ትነጥፍ ኣላ።
እዚ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ምቁጽጻር እንተዘይተገይሩ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጸገማት ዘጠንቅቕ ትካል ምርምር እዩ።
እቶም ከም በዓል ጉግልን ካልኦት ዓበይቲ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝምህዝዎ ዘለዉ ናይ "ኤ-ኣይ" [Artificial Intelligence] ምዕባለታት ኵሉ-ሓቈፍ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ማለት ንዉሑዳን ክፋላት ሕብረተሰብ - ምናዳ ንጸለምቲ - ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለ ዘይተማህዘ ጕድኣት ከስዕብ'ዩ ካብ ዝብል ኣምር ተበጊሱ'ዩ "ዳይር" ዝምጕትን ዝጕስጕስን።
በዚ ኣቢላ ድማ፡ ሰባት ፍትሓዊ ቅዲ ቴክኖሎጂ ዝረኽብሉ ተስፋታት ክተስርጽ ትጽዕር።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ብነዊሕ ሳይንሳዊ ምርምር ዝማዕበለ፡ ደቂ ሰባት ንዝሰርሕዎ ንቡር ንጥፈታት ተኪኡ ዝሰርሕ ብሳይንሳዊ ቅማረ እተሃንጸ ዝተፈላለየ ዕዮታት ዘሳልጥ ማሺን እዩ።
ትምኒት ገብሩ መን'ያ?
ክኢላ ቴክኖሎጂ ትምኒት ገብሩ፡ ብ1983 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ።
ክሳብ 9ይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናዝሬት ክትመሃር እንከላ፡ ተመሃሪት 10ይ ክፍሊ ምስ ኮነት ንሓደ ዓመት ናብ ኣየርላንድ ከይዳ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታን ዩኒቨርሲቲን ድማ ኣብ ኣሜሪካ ወዲኣ።
ተመሃሪት ሳልሳይ ዲግሪ [ዶክተርነት] ምስ ኰነት ናብ ዓውዲ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝኣተወት ተምኒት፡ ኣብ መጀመርታ 'ብሜዲካል ኢሜጂን' ክተጽንዕ ድልየት ነይርዋ።
እዚ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠር ኣገልግሎት ሆስፒታል ዘይረኽቡ ሰባት ብስልኮም ከመይ ሕክምና ክረኽቡ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ተጽንዕ ነይራ።
'ኦፕቲክስ' ዝብል ዓውዲ ፊዚክስ ኣብ እተጽንዓሉ እዋን ድማ ናብ 'ኢሜጅ ፕሮሰሲን' ክተዘንብል ጀሚራ። 'ሲማ ፕሮሰሲን' ዝብል ዓውዲ ክተጽንዕ ከላ ድማ ናብ ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣዘንቢላ።