እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉግል፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጉግል ኣብ ጉዳይ ትምኒት ገብሩ ይቕሬታ ሓቲቱ
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጉግል ሱንድራ ፒቻኡ፡ ክኢላ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ጉግል ዝኾነት ትምኒት ገብሩ ስራሕ ዝገደፈትሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እንተኾነ ሱንድራ ፒቻኡ፡ ትምኒት ገብሩ ስራሕ ምስጓጋን ንምንታይ ካብ ስራሕ ከም ዝተሰጎጎትን ኣየነጸረን።
ክኢላ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ስነምግባርን ትምኒት ገብሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስራሕ ከም ዝተሰጎገት ምግላጻ ይዝከር።
ትምኒት፡ ጉግል ካብ ስራሓ ከሰጓ ዝኸኣለ “ትካል ጎግል ድምጺ ኣብ ምስማዕ ኣድልዎ ይገብር’ዩ” ዝብል ኢሜይል ናብ መሳርሕታ ድሕሪ ምልኣኻ እቲ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ከም ዝሰዓበ ትገልጽ።።
ኩባንያ ጉግል “ካብ መሪሕነት ወጻኢ ንዘለዉ ዝልኣክኽዮ ኢሜይል፡ ሕጊ ጉግል ዝፈቅዶ ኣይኮነን” ዝብል ኢሜይል ከም ዝልኣኸላ ሓቢራ ነይራ።
ተወላዲ ህንዲ ዝኾነ ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ሱንድራ ፒቻኢ “ትምኒት ካብ ጉግል ዝወጽኣትሉ ጉዳይ ክጻረ ኣለዎ” ኢሉ ኣሎ።
ሱንድራ ናብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ጉግል ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ፈጣሪት ጽልዋን ብዓልቲ ብዙሕ ክእለትን ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ካብ ጉግል ብሓዘን ስለ ዝተፈለየት ሓላፍነት ወሲድና ከነጻርዮ ኣለና” እውን ኢሉ።
ትምኒት ገብሩ ብወገና ናብቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝለኣኸቶ መልሲ “እዚ ይቅሬታ ምሕታት ኣይኮነን” ኢላ ኣላ።
ትምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ቅድሚ ምስጓጓ፡ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ እቲ ትካል ኮይና ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሽማ ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ ምርምር ክእለ ተሓቲታ ምንባራ ብምጥቃስ እዚ ሽማ ንከይጎልሕ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ምዃኑ ትማጎት።
ኣብ ጉግል ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝሰርሑ ፍሉጣት ሞያተኛታት ትምኒት ገብሩ ካብ ስራሕ ምስጓጓ ክቃወሙ ጸኒሖም’ዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰራሕተኛታት ጉግል፡ ንትምኒት ገብሩ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ብክታሞም ኣረጋጊጾም’ዮም።
ትምኒት ገብሩ መን'ያ?
ብትውልዲ ኢትዮጵያዊት ዝኾነት ክኢላ ቴክኖሎጂ ተምኒት ገብሩ፡ ብ1983 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ።
ክሳብ 9ይ ክፍሊ ኣብ ቤት ምህርቲ ናዝሬት ክትመሃር እንከላ፡ ተመሃሪት 10ይ ክፍሊ ምስ ኮነት ንሓደ ዓመት ናብ ኣየርላንድ ከይዳ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታን የኒቨርሲቲን ድማ ኣብ ኣመሪካ ወዲኣ።
ተመሃሪት ሳልሳይ ዲግሪ ምስ ኮነት ናብ ዓውዲ 'ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝኣተወት ተምኒት፡ ኣብ መጀመርታ 'ብሜዲካል ኢሜጂንግ' ክተጽንዕ ድልየት ነይሩዋ።
እዚ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠር ኣገልግሎት ሆስፒታል ዘይረኽቡ ሰባት ብስልኮም ከመይ ሕክምና ክረኽቡ ይኽእሉ ዝብል ተጽንዕ ነይራ።
'ኦፕቲክስ' ዝብል ዓውዲ ፊዚክስ ኣብ እተጽንዐሉ እዋን ድማ ናብ 'ኢሜጅ ፕሮሰሲንግ' ክተዘንብል ጀሚራ። 'ሲማ ፕሮሰሲንግ' ዝብል ዓውዲ ክተጽንዕ ከላ ድማ ናብ ኣትረፊሻል ኢንተለጀንስ ኣትያ።