ካብ ጉግል ዝተኣለየት ተመራማሪት ሰብ-ሰርሖ ፍልጠት ትምኒት ገብሩ ‘ደይር’ ዝበሃል ናታ ትካል ኣበጊሳ

ኣብ “ጉግል” ከም ተመራማሪት እናሰርሐት ክትጾሮ ዘይከኣለት ብደሆ ኣጋጢሙዋ ካብቲ ትካል ዝተኣልየት ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ኣብ ዓመታ፡ ነቲ ዘጋጠማ ጸገማት ንምብዳህ እነሆ ሕጂ ብኣሕጽሮት “ደይር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ Distributed Artificial Intelligence Research Institute (DAIR) ናይ ምርምር ትካል መስሪታ ክትነጥፍ ከምዝጀመረት ንቢቢሲ ሓቢራ።

ትምኒት ገብሩ ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠት (Artificial Intelligence) ዓሚቚ ኣፍልጦ ዘለዋ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሳይንቲስት ኢያ።

ኣርተፊሻል ብልሒ (AI) ብነዊሕ ሳይንሳዊ ምርምር ዝማዕበለ፡ ደቂ ሰባት ንዝሰርሑዎ ንቡር ንጥፈታት ተኪኡ ዝሰርሕ ብሳይንሳዊ ቅማረ እተሃንጸ ዝተፈላለየ ዕዮታት ዘሳልጥ ማሺን እዩ።

ብሓጺሩ እዚ (ብኣሕጽሮ ብ ‘ኤ-ኣይ’ ዝፍለጥ) ሰብ-ሰርሖ ፍልጠት ንንጥፈታት ሰባት ዝትክእ ስርዒት (ሲስተም) እዩ።

“ደይር” እንታይ እዩ?

እቶም ከም በዓል ጉግል ኰኑ ካልኦት ዓበይቲ ናይ ሶሻል ሚድያ ትካላት ዝምህዝዎ ዘለዉ ናይ “ኤ-ኣይ” ምዕባለታት ኵሉ-ሓቈፍ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ማለት ንዉሑዳን ክፋላት ሕብረተሰብ - ምናዳ ንጸለምቲ - ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለ ዘይተማህዘ ጕድኣት ከስዕብ’ዩ ካብ ዚብል ኣምር ተበጊሱ’ዩ “ደይር” ዝምጕትን ዝጕስጕስን።

ትምኒት ኣብ “ጉግል” ገጽ-ሰብ ዜለሊ ቴክኖሎጂ እተማዕብለሉ ዝነበረት እዋን፡ እቲ መስርሕ-መለለዮ-ገጽ-ሰብ ኣብ ጸለምትን ጸዓዱን ብግቡእ ኣይሰርሕን ኔሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ምህዞ ኤ-ኣይ ገጽ ጸዓዱን ገጽ ጸለምትን ክስእል ይሕንኰል ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባሌ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፈጠሮ ሌላን-ጕሌላን ብምትኳር ዝከኣላ መጽናዕቲ ኣካይዳ።

ካብኡ ብምብጋስ ከኣ ከም ኣማዞን ዝኣመሰለ ትካል ኣብ መስርሖም ዝግባእ ምትዕርራያት ከተኣታትው በቒዖም’ዮም።

“[ኣብ ጉግል እናሰራሕኩ] ኣብ ልዕሊ ቋንቋታት ዘሎ ኣድልዎ የዛርበኒ ነይሩ። ሕጂ ከኣ ኣብቲ ዝዓበኹሉ ሃገር (ኢትዮጵያ) ብፈይስ-ቡክ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌታዊ ምፍሕፋሕን መርዛምነቱን እዕዘብ ኣሎኹ” ትብል።

ትምኒት፡ ብጌጋታት ኤይ-ኣይ ዝግዳዕ ማሕበረሰብ ክህሉ ኣይግባእን። ኩሉ ብማዕረ ተጠቃማይ ክኸውን’ዩ ዝግባእ ብምባል ትምጕት።

እዚ ኣበጊሳቶ ዘላ ትካል ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃጓፋትን ንዝተዋሰኑ ጉጅለታትን ብኸመይ ክጸልዎም ከምዝኽእል ሓበሬታ ዝእክብ ትካል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዋሺንግተን-ፖስት ዝተባህለ ዓብን ፍሉጥን ጋዜጣ ሕ.መ.ኣ. ብ2 ታሕሳስ 2021 ብዛዓባ’ዚ ትምኒት ኣቢጊሳቶ ዘላ ትካል ሓደ ነዊሕ ሓተታ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ሓተታ፡ ትምኒት ኣብቲ ዓውዲ መጽናዕቲ (ኤ-ኣይ) መሪሕ ተራ እትጻወት ዘላ ተመራማሪት ምዃና ብምጥቃስ፡ እቲ ብኤ-ኣይ ዝዋደድ መስርሓት ምስ ጸዓዱ ብምንጽጻር፡ ንጸለምቲ ብሰንኪ ግቡእ ምርምርን መጽናዕትን ዘይግብኦም ሳዕቤናት ከኸትለሎም ስለዝኽእል፡ ትምኒት ነቲ ሃጓፍ ክትመልኦ ነቲ ዕዮ ተገዲሳ ሒዛቶ ከምዘላ ይገልጽ።

እቲ ሓተታ ብምቕጻል፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ትምኒት ኣብ ዝተሳተፈትሉ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ጉግል ኣብ ልዕሊ ቋንቋታት (ባዕዲ) ዜካይዶ ዝነበረ ምርምር ሃጓፍ ስለ ዝነበሮ፡ ትምኒት ድማ ነቲ መስርሕ ከም ዝተቓወመቶ ብምጥቃስ ምስ ሓለፍታ ኣብ ክርክር ከምዝኣተወትን ብሳዕቤኑ ድማ ካብ ስርሓ ከምእተኣልየትን ይጠቅስ።

“ብቐደሙ ጉግል ንትምኒት ክቘጽራ እንከሎ ኣብቲ ስርሓቶም ቄናን መስርሕ ንከይተኣታቶን፡ እንተነይሩ ከኣ ብመጽናዕቲ ኣሰንያ ንኸተተዓራርዮ ብዚብል ዉዕል’ያ ስርሓ ጀሚራ። እንተዀነ ግን [መጽናዕቲ ብምክያድ] ሓደ ጌጋ ምስ ሓበረት’ያ ካብ ስርሓ ተኣልያ” ይብል እቲ ሓተታ።

ነዚ ሕጂ ተታሒዛቶ ዘላ ስራሕ ዝድግፉ ዓበይቲ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከኣ ናይ $3.7 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበሩላ ተገሊጹ ኣሎ።

ትምኒት፡ እቲ እተካይዶ መጽናዕቲ ምስ ካልኦት ናይ ብሕቲ ትካላት ብምትሕብባር ነቶም ከም በዓል ጉግል ዝኣመሰሉ ግዙፋት ትካላት ብደገ ዝከኣል ዓይነታዊ ጽልዋ ክትገብረሎም ከም እትኽእል ትዛረብ። ብግዳም ዝስርሑ፡ ወይ ከኣ ካብ ግዳም ዝመጽኡ ብቑዓት መጽናዕትታት ኣብ ግምት ብምእታው ለውጥታት ክተኣታቶ ከምዝከኣል ብምእማን ነቲ ናይ ግዳም ጸቕጢ ብስልታዊ ጥበብ ከምእትኣልዮ ትዛረብ።

ቅድሚ ሕጂ እውን ንግዳማዊ ጸቕጢ ከምዝተጠቕመትሉን ከምዝሰርሐን ብምግላጽ፡ ንጕዳያት ኤይ-ኣይ ብቐረባ ዝከታተሉን ዝቈጻጸሩን ምሁራት (ኣካደምያውያን)ን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታትን ዜቕረቡዎም ጽሑፋት ምሕቋፍ ተሰማዕነት ከም ዝፈጥር ትሕብር።

“ሓድሓደ እዋን ኣብ ዉሽጢ ኴንካ ብዛዕባ ኣድልዎ፡ ፍትሓውነት፡ ሓላፍነት ካብ ምዝራብ እቲ ኣብ ግዳም ዝቐርቡ ክትዓትን መርትዖታትን ከተቕርብ ይሰልጥ” ትብል። ኰይኑ ድማ ብግዳም ዝከኣላ ጸቕጢ ክትገብር ምዃና ትገልጽ።

ትምኒት ን“ስነ-ምግባራውነት ኤ-ኣይ” ወይከኣ “ሓላፍነታውን ፍትሓውን ምቕረሓ ኤ-ኣይ” ብዝምልከት እያ ምስ ቢቢሲ ተዛሪባ። ብኣርተፊሻል ብልሒ ኤ-ኣይ ንገሊኡ ክፋል ሕብረተሰብ ክትጠቕሞ ንገሊኡ ድማ ከተዋስኖ ስለዘይግባእ ተመሳሳሊ ርእይቶን ሓሳብን ምስ ዘለዎም ሳይንቲስት ነቲ ሃጓፍ ንምምላእን ንምሕዋይን ሓያል ስራሕ ይጽበያ ከምዘሎ ትኣምን።

ትምኒት እቲ ዘጽንዓቶ ዓውዲ፡ ኣርተፊሻል ብልሒ “ኤ-ኣይ” ንህዝቢ ኣብ ዝጠቅምን ዘርብሕን መዳያት ልምዓት ኣብ ክንዲ ዝውዕል፡ ብከም ድሮን ዝኣመለሰ ዝተመስረሐ ብልሒ፡ ንኵናትን ዕንወትን ክውዕል ምስ ረኣየት ከምዝሰንበደት ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ትገልጽ።

“ኣርተፊሻል እንተሊጄንስ ምስራሕ እንተ ጀመርና ካብ እቲ እነፍርዮ ነገር እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ክንሓስብ ኣሎና” ብማለት ኣብ መደምደምታ እቲ ንሊቅነት ዘቕረበቶ ጽሑፍ ከምዘስፈረት ሓቢራ።

ንኣብነት ትብል ትምኒት፡ ኣብ ቻይና በቲ መልክዕ ሰብ ዘለሊ ኣርተፊሻል ብልሒ እቲ ስርዓት ነቶም ክሃድኖም ዝደሊ ሰባት ኣኣብ ዝኣተውዎ ቦታ ከምዝከታተሎም ብምሕባር እቲ ምህዞ ንነጻነት ሰባት ዝጻረር ክኸውን ከምዘይግባእ እውን ተረድእ።

ኣብ ኣርተፊሻል ብልሒ ኣብ ምትርጓም ቋንቋ ንዘጋጥም ጸገም ከተረድእ እንከላ ከኣ፡ ንኣብነት ሓደ ሰብ ብቛንቋ ዓረብ “ከመይ ሓዲርኩም” ክብል ንዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ እቲ ማሺን “ኣጥቅዑ” ክብል ስለዝተርጎሞ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ኦሪጂናል ጽሑፍ ከይረኣዩ፡ ተቐዳዲሞም ነቲ ሰብ ከምዝሓዙዎ ዳሕራይ ግን ኣጻርዮም ከምዝፈትሐዑዎ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ ሓቢራ።

“ንቴክኖሎጂ ንሰርሕን ንቆጻጸሩን ሰባት ስለዝኾንና ሓደጋታቱ ንምንካይ ከኣ ተጊህና ብምስራሕ ነቲ ንዓና ዝሕግዘና ቴክኖሎጂ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ሰባት ጉድኣትን ሃስያን ሊድን ኣስቤስቶስን ተረዲኦም ካብ ኣገልግሎት ከምዝእለ ዝገበሩዎ፡ ሕጂ እውን ነቲ ሃሳይ መዳይ ቴክኖሎጂ ተረዲእና ከነወግዶ ክንጽዕር ኣሎና” ክትብል ትመክር።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ኣብ 1983 ካብ ኤርትራውያን ስድራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወልደት ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ብዘካየደቶ ምርምር፡ እቲ ብዕደና-ዳታ ወይ ከኣ ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠት ኣቢሉ ዝተኣታቶ ኵትሞታት (ሞዴላት) ጸገማት ከም ዘሎዎ ድሕሪ ምቅልዓ ምስ እትሰርሓሉ ትካል ጉግል ዘጋጠመ ጸገማት ብኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ምስ ተወዓወዐ ኣህጕራዊ ዝና ዝረኸበት ስነ ፍልጠተኛ'ያ።