እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ 'ጥሮታ ኣብ ዝወጻእኵሉ ዝምነዮ ስራሕ ረኺበ፣ ሰባት ምምርዓው'
ጓል 58 ዓመት ኣማንዳ ዊል፡ ን30 ዓመታት መምህር እያ ነይራ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከኣ ጥሮታ ወጺኣ።
ዝተረፈ ዕድመይ እንታይ እናገበርኩ ከሕለፎ እየ፡ ኣብ እትብለሉ ዝነበረት እዋን፡ ሓዋ ሓደ ዘተባብዕ ነገር ኣማኺርዋ።
ሓድሽ ህይወት፡ ሓድሽ ስራሕ ድማ ተጀሚሩ፤ ኣማንዳ ተዘንቱ።
ምምህርና ኣዝየ ዝፈትዎ ስራሕ'ዩ፤ ምስ ቈልዑ ምስራሕን ህይወት ምቕያርን'ዩ። ናብ ጥሮታ ገጸይ ክበጽሕ እንከለኹ ግን ቅሩብ ሓሪቐ ነይረ።
ቢሮክራሲ እናጸላእኩ ስለ ዝዓበኹ፡ እቲ ናይ ምህዞ ክእለተይ ንርእሱ ጠፊኡ'ዩ ዝብል ስምዒት'ዩ ነይሩኒ።
ሓሓሊፉ፡ ብመስኮት እቲ ዝምህረሉ ክፍሊ ንደገ የመዓዱ'ሞ፡ መካይን ክሓልፋ ርእየ፡ 'ሰባት ግን እንታይ'ዮም ዝገብሩ ዘለው?' ኢለ እግረም።
በዚ ምኽንያት፡ 'ኣብ ዓለም ብዙሕ ነገራት ኣሎ፤ ኣነ ግን ኣብዚ ስራሕ'የ ንነዊሕ ዓመታት ጸኒሐ' እናበልኩ እሓስብ።
እዚ፡ ኣብ ዕድመ 70ታት ንዝርከብ ሓወይ ነጊረዮ፤ ንሱ ኸኣ "ኣማንዳ፡ ብዙሓት ሰባት ዘይብሎም ክእለት ኣለኪ፣ ትኽእልዮ ኢኺ፡" ይብለኒ።
ሞት ሓወይ፡ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ክገብር ጸልዩኒ'ዩ። እዚ፡ ንዓይ ናይ መጀመርታ መሪር ሓዘነይ እዩ።
ድሕሪ ሞት ሓወይ፡ እንተጸናንዓኒ ብዝብል ንመንበሪ ገዛኡ የጽሪ፣ ንነብሰይ ብዝተፈላለዩ ነገራት ጸሚደ ይውዕል ስለ ዝነበርኩ፡ ሰባት ክኢላቶ 'ላ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም። ግን ኣይኰነን።
ኣቦይ፡ ሓደ ቀዳሳይ [Celebrant] ዝተረኸበሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክንገብር ኣለና ይብል፤ ከምዚ ክብሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን።
ኣብ ቀብሪ ሓወይ ዝንበብ ጽሑፍ [ውዳሰ] እናዳለኹ እንከለኹ፡ ነቲ ቀዳሳይ [ነቲ ስነስርዓት ዝመርሕ ሰብ] ተላልየዮ። ኣዝዩ ሓጋዝን ናይ ግብሪ ሰብን ከኣ ነይሩ።
እቲ ስነ ስርዓት ኣዝዩ ግሩም ኮይኑ ሓሊፉ። ሃንደበት፡ ኣነ ባዕለይ ንኻልኦት ሰባት ከምኡ ዘይገብረሎም ኢለ ሓሲበ።
እዚ፡ ንዓይ ዳርጋ ውርሻ ሓወይ'ዩ።
ኣብ ቀረባ ዝተሳተፍኩሉ መርዓ፡ ኣብ ሃርለው ዝነበረ'ዩ። እቶም መጻምዲ ጕዕዞ ባሕሪ ዝፈትው ስለ ዝነበሩ ኣከዳድና ሸፋቱ ባሕሪ ዝነበሮ መርዓ ነይሩ።
ብዙሓት ሰባት ኣመራዕየ፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣፈጺመን፡ ምሕዳስ ቃል ኪዳን ኣሳሊጠን'የ። ዝበዝሕ ስርሐይ ግን ሰባት ምምርዓው'ዩ።
መብዛሕትኦም ኣነ ዘፈጽሞም መርዓታት፡ ባህላዊ'ዮም።
ግን ከኣ ሰባት እቲ ዝደለይዎ ዓይነት መርዓ ክፍጸመሎም እሕግዞም። ነቶም መጻምዲ ቅድሚ መዓልቲ መርዓ ንሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ኣቐዲመ'የ ዝረኽቦም።
ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ከኣ፡ ቃለ መሓላ የፈጽሞም።
ሃይማኖታዊ ዘይኮነ ስነ ስርዓት መርዓ ዝመርጹ፣ ቃልኪዳኖም ዘሐድሱ ወይ'ውን ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ክምርዓው እንከለው፡ ነዚ ስነ ስርዓት ዘፈጽመሎም ሰብ [Celebrant] ይሓርዩ።
ናተይ ስራሕ'ውን ንሱ'ዩ።
ሓደ ዘይነደህበሉ ነገር እንተሃሎ፡ ነፍሰወከፍና ካልኦት ዘይግንዘቡዎ ክእለት ከም ዘለና እዩ።
ኣነ፡ መምህር'የ ነይረ፤ ሰሙናዊ ኣብ ቅድሚ 300 ተምሃሮ ደው ኢለ ይውዕል ነይረ።
ሰባትን ፕሮጀክታትን ናይ ምምሕዳርን ናይ ምስማዕን ክእለት'ውን ኣለኒ።
ክትምህር እንከለኻ ግን፡ ኵሉ ግዜኻ፣ ዕረፍትኻ ወይ ንዝዀነ ነገር ዝወሃበካ ሓጺር ግዜ ካልኦት ሰባት'ዮም ዘመሓድርዎ።
ሕጂ ግን ርእሰይ ክኢለ፡ ብዙሕ እንተዘይኮነ'ውን ገንዘብ ይረክብ ኣለኹ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ 15 ስነስርዓት መርዓ ተረኺበ ኣለኹ፤ ካልኦት 15'ውን ኣሎውኒ።
ኣነ፡ ዕድመ ብዙሕ ዘጨንቐኒ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣብ ግዜ ጥሮታኻ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ምጅማር ንገሊኡ ቅሩብ ደንገርገር ዘብል ክኸውን ይኽእል።
ኣነ ግን ስርሐይ ይፈትዎ እየ። ጽቡቕ ህይወት ከኣ ይነብር ኣለኹ።