ጀበና፡ 65 ሽሕ ኢትዮ-ኤርትራውያን ዘፋቐረ 'ኣፕሊኬሽን ፍቕሪ'

እቲ ቀደም ቀደም ሕጹያት ኣብ መዓልቲ መርዕኦም'ዮም እዮም ዝላለዩ ይብሃል ነበረ።

እንተ ሎሚ ግን መርዓ ብ'ደብል ኪሊክ' ኮይኑ'ሎ፤ ነጨ በረርነት ብ 'ሲንግል ክሊክ' እትገላገለሉ ዘበን።

እንታይ ይፍለጥ ናይ ጽባሕ መናብርትና ኣብ ናይ ቴሌፎናትና መተግበሪ [ኣፕ] እኮ ሒዝናዮም ንዘውር ንህሉ ንኸውን። መን ይፈልጥ? ብርግጽ ጀበና ይፈልጥ'ዩ።

ጀበና ናይ ፍቑራት መሳለጢ መተግበሪ'ዩ።

ቆላሕትኡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ 'ድያስፖራ' ሓበሻ ድኣ ይኹን እምበር ቀንዲ ስርሑ መጻምዲ ምልላይን ምርኻብን ከምኡ'ውን ክሳብ ሓዳር ክገብሩ ምግባር'ዩ።

ብመገዲ ጀበና ተፋሊጦም ሓዳር ዝገበሩ ብዙሓት እዮም።

ስለ ምንታይ ሓበሻ ጥራይ?

ኣብዚ ዘበን ናይ ፍቕሪ መተግበሪ 'ኣፕስ' ናይ ብዋዛ ኣይኮኑን፤ ቢልዮን ዶላራት ዘንቀሳቕሱ ስራሕቲ እዮም።

ኣብዚ ኣመና ዝፍለጡ መተግበሪታት ቲንደርን ቡምብልን ኮይኖም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዓማዊል ከም ዘለውዎም ይግለጽ።

ኣብ ቁጽሪ ዓማዊል ተባዕታይን ኣነስታይን ጾታን ተመጣጣኒ እዩ።

ቡምብል ካብ ቲንደር ዝፈልዮ ነገር እንተሎ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ቀዳምነት ዕድል ስለ ዝህብ'ዩ።

ምኽንያቱ ኣብ መተግበሪ ቡምብል ደቂ ኣንስትዮ እየን ኣቐዲመን ከም ዝፈትዋ ክገልጻ ዘፍቀድለን።

ኣብ ናይ ጀበና መተግበሪ'ኸ? "ሓበሻ ጓል ኣነስተይቲ ኣቐዲማ ፍቕራ ኣይትገልጽን" ዝበሃል ባህሊ ኣሎ'ዶ ተሪፉ?

ጀበና ካብ ቲንደር እንታይ ይፈልዮ?

ጀበና ካብ ዝፈጠሩ ሰባት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ሄኖክ ወልደሚካኤል፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ናይ ሕጸ መተግበሪታት ንዝተፈላለየ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም እንተይኮኑስ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ።

ካብዚኣቶም ቀጺሎም ዝመጽኡ መተግበሪታት ግን ዝተፈለየ መልክዕ እንዳሓዙ ከም ዝመጽኡ ዝገልጽ ሄኖክ፡ ንኣብነት ናይ ክርስትያን ናይ እስላም እንዳተባህለ ካልኦት ሓደሽቲ መተግበሪታት ተፈጢሮም ይብል።

ጀበና ድማ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ማእኸል ገይሩ ዝሰርሕ መሳሰይ ሓዳር እዩ።

እዚ መተግበሪ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝሞቦቆሎም ኣርባዕተ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሰባት እዩ ተፈጢሩ።

ካብቶም ጀበና ንኽፍጠር ገልዒ ዘቐበሉ ሓደ ሄኖክ ወልደሚካኤል እዩ።

ንሱ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየን ናብርኡ ኣብ ኒውዮርክ ዝገበረን እዩ፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ ሲቲ ድማ ብኮምፒዩተር ሳይንስ ተማሂሩ።

"ዝገርመካ ነገር ኣብዚ ዓዲ [ኣመሪካ] ምስ ሓበሻ ጓል ኣነስተይቲ ንኽትፋለጥ ኣብ መርዓ ወይ ካልእ መጸዋዕታ ክትርከብ ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ኣበይ ክትራኸብ ትኽእል?" ህይወት ኣብዚ ዓዲ ጉያ እዩ ይብል።

ካብቶም ሄኖክ ዝጠቐሶም መጸዋዕታት ወጻኢ ምናልባት ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኣብ ዝሰናድኡ ናይ ስፖርት ጽምብላት ኢኻ ተራኺብካ ክትፋለጥ እትኽእል።

ኣብ 2019 ወርሒ ጥቅምቲ ብትዊተርን ኢንስተግራምን ዝፋለጡ ሰባት [ሓበሻ] የዋግዑ።

"ኩስቶ ምስ ኩስቶ እንተመርዓናዮም እኮ ከመይ ዝበለ ሓዳር ምገበሩ" እንዳበሉ ነንሓድሕዶም ኣብ ርእይቶ መውሃቢ ይመላለሱ።

ገለ ካብቶም ርእይቶ ዝሃቡ ግን ከም ብዋዛ "ሓበሻ ዝፋቐርሉ መተግበሪ 'ኣፕ' እንተዝህሉ ግን ጽቡቕ ዶ ኣይምኾነን?" ዝብል ሓሳብ ሸው ኣቢላቶም።

ሄኖክን መሻርኽቱን ነዚ ርእይቶ ኣቕሊሎም ኣይርኣይዎን። ዘይንፍትኖ ኢሎም ከኣ ወጢሮም ሓዝዋቶ።

እንተኾነ ግን ኣርባዕቲኦም ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ስለ ዝውዕሉ ኢሂን ምሂን መበሊ ግዜ ኣይረኸቡን።

ቀውዒ 2020 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀበና ኣብ ናይ ኣፕል ቆፎ መተግበሪታት ብጥንቃቐ ኣእትዮሞ።

ብ200 ወለንተኛታት ከኣ ናይ ፈተነ ስራሕ ተጀሚሩ። ኣብ ወርሒ ማዝያ 2020 ስርሑ ብወግዒ ጀሚሩ።

ኮሮናቫይረስ ክጅምር እንከሎ ጀበና ስርሑ ጀሚሩ።

"ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ሽዑ እዋን ኮነ ኢልና ዘፋለጥናዮም'ዩ ዝመስሎም፤ እንተኾነ ግን ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ'ዩ ነይሩ" ይብል ሄኖክ።

ብርግጽ ኣብ ግዜ ለበዳ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ሓፍ ከም ዝበለ ዝከሓድ ኣይኮነን። ጀበና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 65 ሽሕ ዓማዊል ኣለውዎ።

ኣስታት 160 ሽሕ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንጀበና ናይ መፋለጥን መጸናንዕን ዓውዲ ገይረምዋቶ ኣለው።

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ናይ ፍቕሪ መልእኽትታት ክለዋወጡ ገይሩ'ሎ።

ፍቕሪ ኣብ ጀበና ብኸመይ'ዩ ዝጉህር?

ጀበና ካብ ፕለይስቶር ወይ ከዓ ኣፕል ስቶር ናይ ቴሌፎን መተግበሪ ብቐሊሉ ክተውርዶ እትኽእል መተግበሪ'ዩ።

ዓማዊል ሓቃዊ ኣስማቶምን ስእሎምን ይጥቅዕሉ። ናይ ሓሶት መንነት ሒዝካ ምቕራብ ካብ ኣባልነት ዘስጉግ ተግባር እዩ።

ከምቲ 'ፈረስ የብጽሕ እምበር ኣይዋጋእን' ዝበሃል ጀበና'ውን 'ፍቕረይ ፍቕርኻ' ክትገልጽ ዕድል ይህበካ እምበር ሕጽይቲ ወይ ሕጹይ ኣየውህበካን።

ካብኡ ንድሓር ምሉእ ኣባል ኮይንካ ከከም ናይ ፍቕሪ ምርጫኻ "ምጭውቲ፣ ጠፍናቕ፣ ወዛም፣ ነዋሕ፣ ሓጻር፣ ቀጣን ዶ ረጓድ" እንዳበልካ ሃሰስ ምባል'ዩ ዝኸውን።

ሓንቲ ጽብቕቲ ወዛም ጓል ሄዋን ሓደ ቀልባ ዝወሰደ ጎበዝ ናይ ፍትወት ምልክት እንተሂባቶ እሞ ንሱ'ውን ፍትው እንተኣቢልዋ ጥጅእ ፍቕሪ ተሰሪቱ ኣሎ ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ጀበና ንድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ብዝሓለወ መገዲ ከም ዝተሰርሐ ዝገለጸ ሄኖክ ንደቂ ኣንስትዮ ዘይእንዱብ ቃላት ዝጽሕፍን ዘይግቡእ ስእልታት ዝልእኽን "ፈጺምና ኣይንዕገሶን" ኢና ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሕግን ስሪትን ዘይኽተሉ ሰባት ዘየላጢ ስጉምቲ ከም ዝወሰድ'ውን ሄኖክ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓለም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ ቲንደርን ቡምብልን ኣብ ስራሕቶም 'ጂኦግራፊ' ከም ሓደ ረቛሒ ገይሮም ይሰርሑ።

እዚ ግን ንሓበሻ ብዙሕ ዝጠቅም ከም ዘይኮነ ሄኖክ ይገልጽ።

ንኣብነት ይብል ሄኖክ "ኣነ ኣብ ኒውዮርክ እየ ዝቕመጥ፤ ቲንደር ወይ'ውን በምብል ክጥቀም እንተደልየ ኣብ ዙርያይ 5፣ 10 ወይ ከዓ 15 ማይል ራድየስ ራሕቒ ዘለዉ ሰባት'ዩ ዘራኽበኒ" ኢሉ።

"ጀበና ግን ብኸምኡ ኣይኮነን ዝሰርሕ። ማንሃታን ምስ ዘላ ሓበሻ ኣራኽበኒ እንተዝብሎ ሓበሻ ናይ ምርካብ ዕድለይ ዝመንመነ እዩ" ይብል።

ሄኖክን መሓዙቱን ሓደ ሜላ ሓሲቦም። ንሱ'ውን ጀበና ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብብዝሒ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ፈልዩ ከም ዝእልሽ ኣኽኢሎሞ።

"ሓበሻ ተኣኪቦም ዝነብርሎም ከባቢታን ግዝኣታትን ኣበይ ከባቢ ከም ዝኾኑ መጽናዕቲ ኣካይድና። ካብኡ ንድሓር ከስተም ማፕ ኣዳሊና። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ዲሲ፣ ሜሪላንድን ቨርጅንያን ማእኸል ሓበሻ ኮይነን ተሓርየን" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መተግበሪ ካብ ኣመሪካ ወጻእ ኣብ ዩኬ፣ ስዊድንን ኖርወይንን ብዝነብሩ ሓበሻ ተመራጺ ከም ዝኾነ ሄኖክ ሓቢሩ።

ብቴሌፎን ሕጺይትኻ ምሕንቃቕ ባህልና ድዩ?

እዚ ጉዳይ ንእቶም ጀበና ዝፈጠሩ ሰባት እንከይተረፈ ዘጨነቐ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ሓበሻ ጥብቕ ዝበለ ባህሊ እዩ ዘለዎ።

ሄኖክ ፈለማ እቲ ስራሕ ክጅምርዎ እንከለዉ ከመይ ኣቢሉ ንወለዱ ከም ዝነገሮም ይዝክር።

"ሰባት ዝፋለጥሉ መተግበሪ እየ ፈጢረ ምስ በልኩዎም ተሓጕሶም" ዝበለ ሄኖክ "ንሕና ጀበና ዝፈጠርና ንቅውም ነገር እዩ" ኢሉ።

ብርግጽ ብመገዲ ጀበና ኣቢሎም ቅውም ነገር ዝገበሩ ሰባት ኣይተሰኣኑን።

"ሓንቲ ቆልዓ 'ዘምዘም እበሃል ሓዳር እገብር ኣለኹ። ሰብኣየይ ብናይ ጀበና መተግበሪ 'ኣፕ' እየ ረኺበዮ' ምስ በለትኒ ተገሪመ። እዚ ዘይእመን ነገር እዩ። ኣብ ቀጻሊ ዝውለዱ ቆልዑት ወለዶም ብናይ ጀበና መተግበሪ ከም ዝተላለዩ ምስዝ ፈልጡ ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ስራሕ ይግረም" ክብል ሄኖክ ተዛሪቡ።

ጀበና ንላግጺ እንተይኮነስ ንቅውም ነገር'ዩ ተፈጢሩ ዝበለ ሄኖክ፡ ብመገዲ ጀበና ኣቢሎም መርዓን ደርዓን ካብ ዝገበሩ ሰባት ሓደ መርዕኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዲሲ ከም ዝገበረ ነጊሩና።

ካልኦት ብጀበና መተግበሪ ኣፕ ተላልዮም ሓዳሮም ዝገበሩ ሰባት ብዙሓት ከምዝኾኑን መልእኽቲ ከም ዝልእኩሎምን ዝገለጸ ሄኖክ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ገለ ገሊኡ መርዓ እንከይተረፈ መጸዋዕታ ከም ዝግበረሉ ሓቢሩ።