እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣይቕንን’ዩ' ተባሂሉ ዝነበረ ሓዳር ብሪጣንያውያን ን81 ዓመት ዘሊቑ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሎንደን ኣስታት 80 ኪ.ሜትሮ ሪሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሚልተን ኬይንስ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ሮንን ጆይስ ቦንድን ሓዳር ዝገበረሉ መበል 81 ዓመት ጽምብል ኣኽቢሮም።
እቲ ንልዕሊ 80 ዓመታት ዝዘለቐ ሓዳር ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሕጽኖት ግዜ “እዚ ሓዳር ኣይቕንን’ዩ” ተባሂሉ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ደቆም ገሊጾም። እንተኾነ ከምቲ ሰባት ዝበልዎ እንተይኮነስ ፍቕሮም ኣመና እናጉሃረ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓዳር ጸኒዖም ይርከቡ።
እቶም ደቂ 100ን 102ን ሰብ ጸጋ ዕድመ ኣብ ከተማ ሚልተን ኬይንስ ናይ ጥሮተኛታት መንበሪ ዝቕመጡ ኮይኖም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ነዊሕ እዋን ብሓዳር ዝጸንዑ ሰባት ከምዝኾኑ እዩ ዝእመን።
እቶም ሰብ ሓዳር ቅድሚ 81 ዓመታት ኣብ 1941 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ደቡባዊ ምብራቕ በኪንግሃምሻየር እዮም ተመርዕዮም።
ጓሎም ኢሊን “ኣብ ግዜ መርዕኦም እዚ ሓዳር ብዙሕ ዝቕኒ ኣይመስልን ተባሂሉ ነይሩ። እቶም ከምኡ ዝበሉ ሰባት ግን ከመይ ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም” ክትብል ተገሪማ ትሓትት።
እቶም ሰብ ሓዳር ዝሓለፈ ዓመት መበል 80 ዓመት ጽምብል ሓዳሮም ኣብ ዘኽበርሉ እዋን ንግስቲ ኤልሳቤት “እንኳዕ ሓጎሰኩም” ዝብል መልእኽቲ ጽሒፋትሎም ነይራ።
ንሳቶም ፈለማ ምስተረኣኣዩ ኣብ ፍቕሪ ከምዝወደቑን ነንሓድሕዶም ተመሳሳሊ ስምዒት ከምዘለዎምን እዮም ዝኣምኑ።
“ኣብ ምሕዝነትና ሓላፊ የለን። ክልቴና ኣብ ሂብካ ምቕባል ኢና እንኣምን” ክብላ ወይዘሮ ጆይስ ተዛሪበን።
“ሓዳርና ን81 ዓመታት ክዘልቕ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ናብዚ ኣገራሚ ዓወት ብምብጻሕና ዕድለኛታት ከምዝኾንና ንፈልጥ ኢና። ዘሕጉስ እዩ ከኣ” ድማ ኢለን።
“ሓሓሊፉ ህይወት ከቢድ ይኸውን’ዩ፣ እንተኾነ ግን ብሓንሳብ ክንሰግሮ ጻዕሪ ንገብር። ነንሓድሕድና ድማ ንተሓላሎ” ዝበሉ ድማ ኣቶ ሮን እዮም።
እቶም ሰብ ሓዳር ኢሊንን ቢልን ዝበሃሉ ውሉድ ዘለዎም ኮይኖም ኣብዚ እዋን 3 ደቂ ደቆም፣ 6 ደቂ ደቂ ደቆም ከምኡ እውን ሓደ ወዲ ደቂ ደቂ ደቆም ንምርኣይ በቒዖም ኣለዉ።
ካብ 2013 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ጀሚሮም ናብ ናይ ጥሮታ መንደር ዝተዛወሩ ኮይኖም፡ እቶም ሰብኣይ ክሳብ ብጥሮታ ዝወጽኡ ሰራሕተኛ ጋራዥ እዮም ነይሮም። እተን ሰበይቲ ከኣ ኩዊንስዌይ ኣብ ዝተብሃለ ትካል ይሰርሓ ከምዝነበራ ተገሊጹ።
ጓሎም “ንኻልኦት መርኣያ ዝኾኑ ሰብ ሓዳር” ከምዝኾኑ ትዛረብ። “ንሰባት ብፍቕሪ ዝቕበሉን ፈቃራትን እዮም” ዝብል ርእይቶ ኣለዋ።
ድሕሪ ናይ 81 ዓመታት ሓዳር’ውን እንተኾነ ንሓድሕዶም ከምዝፋተዉን ከምዝተሓለለዩን ንኽትፈልጥ ምስኦም ቅሩብ ግዜ ኮፍ ምባል እኹል እዩ” ኢላ።