ንምንታይ'ዩ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ሰፊሑ?

ሰብ ሞያ ስርዓተ ጾታን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሞንጎ ዘልዕሉዎም መሰረታዊ ሕቶታት እቲ ሓደ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ክፍሊት ኣይረኽቡን ዝብል እዩ።

ክልቲኦም ጾታ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ተቖጺሮም እናሃለው ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ክፍሊት ዝረኽቡለን ሃገራት ብዙሓት እየን።

እዚ ኣፈላላይ ንክተርፍ ዝግበር ቃልሲ ቀሊል ኣይኮነን፤ እንተኾነ እንትርፎ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እዚ'ዩ ዝብሃል ለውጢ ከም ዘይመጽአ ሓደ መጽናዕቲ የመልክት።

ኢንስቲትዩት ፎር ፊስካል ስተዲስ (አይኤፍኤስ) ዝተባህለ ትካል ከም ዝብሎ እቲ ዝተሓተ ናይ ደሞዝ መጠን ሓፍ ምባሉ እቶት ትሑት መሃያ ዝረኽቡ ሰባት ክውስኽ ሓጊዙ'ዩ።

ይኹን'ምበር ኣፈላላይ ደሞዝ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ ዝምረቑ ሰባት ክመሓየሽ ኣይክኣለን።

ኣይኤፍኤስ ንዓባይ ብሪጣኒያ ከም ኣብነት ወሲዱ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ እቲ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ ብሰለስተ መዐቀኒታት ከም ዝመዘኖ ይጠቅስ። እዚኦም ስራሕ፣ ሰዓትን ናይ ደሞዝ ዓቐንን እዮም።

ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ሰራሕተኛታት ንላዕሊ ን50 ሰዓታት ከም ዝሰርሓ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣደታት ምስ ኾና እቲ ክፍሊትን ሰዓት ስራሕን እናሰፍሐ ይኸይድ።

እቲ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ'ኳ እንተዘይጸበበ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እናተምሃራ ብምምጽአን ለውጢ ተራእዩ እዩ።

ኣብ 2019 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ወዲ ተባዕታይ ሰራሕተኛ 40 ሚኢታዊት ዝንእስ እቶት ትረክብ ነይራ።

እዚ ኣብ 1990ታት ምስ ዝነበረ ኣፈላላይ ክነጻጸር እንከሎ ምምሕያሽ ምርኣዩ ዝክሓድ ኣይኮነን። ነዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ክፉታት ዝኾኑ ዕድላት ትምህርቲ ምህላዎም'ዩ።

ቅድሚ 25 ዓመታት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሰራሕተኛ ዲግሪ ናይ ምርካብ ዕድላ ጸቢብ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ለውጢ ኣሎ።

ካብዚ ብዝብገስ በዓልቲ ሞያ ስነ ቑጠባ ኣሊሰን ኣንድሪው ትምህርቲ ናይ ደሞዝ ኣፈላላይ ኣብ ምጽባብ ኣበርክቶ ገይሩ'ዩ ትብል።

ናይ ፖሊሲ ክፍተት

ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ምቕሎ ዕዮ ንክህሉ በብግዝኡ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት እንተተገብሩ'ውን እኹል ከም ዘይኮነ ተመራመርቲ ይገልጹ።

እዚ መጽናዕቲ እቶም ፖሊሲታት "ድኹም" ከምኡ'ውን "ባህላዊ ግደ ጾታ ዝኽተሉ" ይብሎም።

ደቂ ኣንስትዮ ሓላፍነተን "ቖልዓ ምዕባይ'ዩ" ዝብል ዝንቡዕ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ኣረኣእያ ሕብረተሰብ ንድሕሪት ከም ዝጎቶ'ውን ይገልጽ።

ኣብ ለንደን መምህር ስነ ቑጠባ ዝኾነት ዶክተር ግሬስ ሎርዳን እቲ ናይ ደሞዝ ኣፈላላይ ንዓመታት ክልወጥ ዘይምኽኣሉ ዘገርም ኣይኮነን ትብል።

"ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓደ ዓይነት ዲግሪ እንተሃለዎም'ውን ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓተ'ዩ ዝኽፈለን። መንግስቲ እዚ ንምልዋጥ ኣሰራርሓ ትካላት ክመሓየሽ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ" ትብል።

መራሒት እዚ መጽናዕቲ ሞኒካ ኮስታዲያዝ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝተማህራ እንተኾና'ውን ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናይ ክፍሊት ምምሕያሽ ኣይተርኣየን ትብል።

"ኣብ ምቑጻር ስራሕ፣ ሰዓትን ናይ ደሞዝ ዓቐንን ዘሎ ፍልልይ ኣይተቐየረን። ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለጸ እናተምሃራ ምምጽአን እቲ ፍልልይ ክፍሊት ከጽብቦ እዩ ኢልና ትጽቢት ክንገብር ኣይንኽእልን" ኢላ።

ቖልዑት ምሕብሓብን ናይ ገዛ ስራሕትን ሓዊሱ ካልኦት ብዘይኽፍሊት ዝስርሑ ስራሕቲ ዚያዳ ደቂ ኣንስትዮ'የን ዝዓምኦም።

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ብኽፍሊት ዝሰርሕኦም ስራሕቲ እንተወሰኹ'ውን ብዘይኽፍሊት ዝሰርሕኦም ግን ሕጂ'ውን ኣይነከዩን።

ሞኒካ ከም እትብሎ ኣባላት ሓደ ቤተ ሰብ ዝሕዙዎ ስራሕ ማዕረ ክፍሊት ንክህልዎ ዘገድዱ ፖሊሲታት ክወጽኡ ኣለዎም።

ተሞክሮ ስዊዘርላንድ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስዊዘርላንድ: ሰብ ሓዳር ቖልዓ ክወልዱ እንከለው ደቂ ተባዕትዮ ዕረፍቲ ንክረኽቡ ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቓ። እዚ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ'ዩ።

ቖልዑ ንምሕብሓብ ዝወጽእ ገንዘብ ካብ ምምዳብ ክሳብ ናይ ወሊድ ፍቓድ ዝብል ዝተመሓየሸ ሕጊ ዘውጽኣ ሃገራት ኣብ ደሞዝ ዘለወን ኣፈላላይ ጸቢብ ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክልቲኦም ደሞዝተኛታት ዝኾኑ መጻምዲ ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ኣታዊኦም ቖልዓ ንምዕባይ'ዩ ዝውዕል።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ብምኽንያት ፖሊሲ፣ ማሕበራውን ባህላውን መትከላት ዝስዓበ ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ፍቓድ ወሊድ ንደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝውሃብ ድማ ቖልዑ ንምሕብሓብ ዝወጽእ ወጻኢ ኣብ ልዕሊአን ይወድቕ። እዚ ድማ ናይ ክፍሊት ፍልልይ ክሰፍሕ ይገብር።

ዶክተር ግሬስ ሎርዳን ከም እትብሎ እዚ ንምጽባብ ስዊዘርላንድ ኣብነት እትኸውን ሃገር እያ።

ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ፍቓድ ወሊድ ክረኽቡ እንከለው ማሕበራዊ ኣረኣእያ ብምቕያር ብመንጽር ወጻኢታት'ውን ደጋፊ ምዃኑ ይእመነሉ።

እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተሰርሐ እኳ እንተኾነ እቲ ጸገም ግን ዓለማዊ እዩ። መንግስቲ ብሪጣኒያ ነቲ ኣፈላላይ ንምምሕያሽ ሓላፍነቱ ከም ዝፍጽም ኣፍሊጡ ኣሎ።

በዚ መሰረት ምቹእ ናይ ስራሕ ሰዓት ክህሉ ምግባር፣ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድ ወሊድ ክረኽቡ፣ ቖልዑ ንምሕብሓብ ዝውዕል ሓገዝ ምውሳኽን ብስራሕ ንዝጽመዱ ወለዲ ነጻ መጽንሒ ቖልዑት ምድላውን ዝብሉ ስጉምታት ወሲዳ።

መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ኣፈላላይ ብተዛማዲ እናጸበበ ምምጽኡ ይገልጽ። ኣብ 2010 ምስ ዝነበረ ብምውድዳር ድማ 1.9 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ሒዘን ኣለዋ።