እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንግስትን ልኡል ፊሊፕን፡ ንነዊሕ ዝዘለቐ ንጉሳዊ ፍቕሪ
ንልዕሊ ሸውዓተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ሓዳር፡ ልኡል ፊሊፕ ኣብ ኣገዳሲ ሃገራዊ ኣጋጣሚታት ደጋፊ ንግስቲ ክኸውን እንከሎ፤ ብብሕቲ ድማ ዝያዳ ካልእ ሰብ ኣጸቢቑ ዝፈለጣ ንሱ እዩ ነይሩ።
ሓደ ውልቃዊ ጸሓፊ ሓደ እዋን ከምዚ ክብል ጽሒፉ፡ “ኣብ ዓለም ንንግስቲ ከም ካልእ ሰብ ዝርእያ እንኮ ሰብኣይ ልኡል ፊሊፕ እዩ”።
ኣብ ፍቕሪ ዝተሰረተ ሓዳር እዩ ነይሩ። ንሓድሕዶም ተሓራርዮም።
ኣብ 1939 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ዳርትማውዝ ክራኸቡ እንከለው፡ ንፈለማ ዝተርኣኣዩሉ ኣጋጣሚ እኳ እንተዘይነበረ፡ እቲ ናይ ሓባር ህይወት ይጅምር ምንባሩ፡ እቲ ሽዑ ዝተወስደ ስእሊ የመላኽት።
እቲ ብዛዕባ ጸወታታት ክርኬትን ቴኒስን ዝዋዘ ዝነበረ ሰሓቢ ወዲ 18 ዓመት ሕጹይ መኮነን፡ ኣብ የዒንቲ ጓል 13 ዓመት ልእልቲ ኤልሳቤጥ ኣቓልቦ ረኸበ።
እቲ ሌላኦም ምስግዜ ናብ ምሕዝነት በሪኹ፡ ደብዳበታት ክለዋወጡን ኣብቲ እዋን ኲናት፡ ስሕት ኢሎም ክበጻጽሑን ጀመሩ።
እቲ ልኡል ኣብ ኣገልግሎት ንጉሳዊ ሓይሊባሕሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እታ ልእልቲ ስእሉ ኣብ ክፍላ ሰቒላ ነይራ።
ንእስነት እቲ ልኡል ኣብ ሓደ ቦታ ዝረግአ ኣይነበረን። ኣብ ግሪኽ ተወሊዱ ግና ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ተሰዲዱ። ነጻ፡ ከም ብሓድሽ ጀማርን ጽኑዕን ክኸውን ነይርዎ።
ልእልቲ ዝበዝሕ እዋን፡ ካብቲ ክዉን ዓለም ተዓቝባ፡ ኣብ ርሻናት ቤተንግስነት እያ ነይራ። ብባህሪኣ ሃንደራእ ኢላ ዘይትዛረብ፡ ሓፋርን መስተውዓሊትን’ያ። ንሓድሕዶም ዝማላልኡ እዮም።
ወዲወዶም ዝኾነ ልኡል ዊልያም ብዛዕባ ርክቦም ክገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ “ዝብሎምን ዝገብሮምን ነገራት የስሕቓ እዩ። እቲ ንህይወት ዝርእየሉ መገዲ’ውን ካብ ናታ ዝተፈለየ’ዩ። ስለዚ ክልቲኦም ብሉጻት መጻምድቲ እዮም”።
‘ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍቕሪ’
ወላ’ኳ ሓሳባቱ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣተንቢሁ እንተነበረ፡ ክሳዕ መበል 21 ዕለተ ልደት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ማለት 1947፡ ሕጸኦም ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተገለጸን።
ልኡል ፊሊፕ፡ ናይ ወላዲቱ ልእልቲ ኣሊስ ናይ ግሪኽ ካብ ዝነበረ ዘውዲ ፕላቲነምን ኣልማዝን ብምጥቃም ናይ ሕጸኦም ቀለቤት ኣዳለወ።
ልኡል ፊሊፕ ቀቅድሚ ምምርዓዎም ናብ ወላዲታ፡ ናብ ንግስቲ ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ ነታ ልእልቲ “ብምልኣትን ብዘይተጕላባን ከም ዘፍቕራ” ገሊጹ።
እቶም ተጻመድቲ 2000 ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣበይ ቃልኪዳን ፈጺሞም። እቲ እዋን፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ምዝዛሙ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጥራይን እታ ሃገር ጌና ካብቲ ቅልውላው ትወጸሉን ግዜ ብምንባሩ መርዐዖም ሳሕቲ ዝርአ ናይ ጽምብል ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ዊንስተን ቸርቺል “ኣብ እንጓዓዞ ሓያል ጎደና ዝተራእየ ሕብራዊ ማሕታ” ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት በኹሪ ወዶም ቻርልስ ክውለድ እንከሎ፡ ብድሕሪኡ ኣን ስዒባ። ልኡል ፊሊፕ ኣብቲ ዝነበሮ ሓይሊ ባሕሪ ብቕልጡፍ ማዕርግ ወሲኹ። ናብርኦም ድማ ኣብቲ ንሱ ተመዲቡሉ ዝነበረ ማልታ ገበሩ።
ኣብ 1952 ንጉስ ጆርጅ ራብዓይ ምስ ሞተ ኩሉ ነገራት ተቐያዪሩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ጓል 25 ዓመት ልኡል ፊሊፕ ድማ ወዲ 30 ዓመት ነበሩ። እታ ልእልቲ ተረካቢት ንግስነት ምንባራ ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ ክሳዕ ክንድኡ ቀልጢፉ ክመጾም ግና ኣይተጸበይዎን።
እቲ መስፍን ኣብቲ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሮ ራእይ ክጥንጥን ተገዲዱ። ሓደ መራኽብ ዝእዝዝ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሃንደበት ናብ ናይ ምትሕግጋዝ መዝነት ክወርድ ቀሊል ኣይኮነን።
ብዘይካ’ዚ ኣብ 1950ታት ምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ሰበይቱ ብመዝነት ዝትሕት ሰብኣይ ሳሕቲ ዝርአ እዩ ነይሩ። እታ ኣደ ቆልዑት ዝነበረት ንግስቲ’ውን እቲ መዝነት ዝጠልቦ ቀዳምነት ክትህብ ተገዲዳ እያ።
‘ድርብ ተግባር’
ዝምድናኦም ብሰንኪ ሃንደበታዊ ምቅይያር መዝነታት ተሃስዩ እንተነይሩ፡ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ኣይነበረን።
እቲ መስፍን ርእሲ እታ ስድራ ናይ ምዃን ተርኡ ብምፍጻም፡ እታ ንግስቲ፡ ከም ርእሰብሄር፡ መዝነታ ዝጠልቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክትዋጻእ ኣኽኢልዋ እዩ። ነቲ ካልእ ዓለም ንሳ እያ ሓለቓ- ብውልቂ ግና በንጻሩ እዩ። ኣብ 1960 ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ከም ዘርእዮ፡ ንሱ ባርቢኪው ከዳልው እንከሎ ምሕጻብ ኣቕሑት ናታ ግደ እዩ።
ምብጻሕ ናብ ሃገራት፡ መኽፈቲ ኣኼባ ፓርላማን ካልእ ጽምብላትን ዝኣመሰሉ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ህሞት የሰንያ።
እቲ ዝምድና ብሉጽ ክኸውን ዝኸኣለ በበይኖም ግዜ የሕልፉ ብምንባሮም ምዃኑ ይንገር። ሓደ እዋን እቲ መስፍን ባዕሉ “ምስጢር ሕጉስ ሓዳር ዝተፈላለየ ድልየታት ምህላው እዩ” ኢሉ።
ብስሩዕ ይራኸቡ እኳ እንተነበሩ ኣብ በበይኑ ስፍራ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ግና ክልቲኦም ኣብ ግምቢ ዊንድሶር ክጥርነፉን ዝከታተልዎም ሰባት ክፍለዩን ተወሲኑ። ካብ መጋቢት 2020 ንደሓር ብምኽንያት እቲ ለበዳ፡ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ከሕልፉ ክኢሎም።
ንልዕሊ 70 ዓመታት ናይ ሓድሕዶም ኮይኖም ብሓባር ዘሕለፍዎ ግዜ ፍሉይ እዩ። በዚ ድማ ሕልፈት ልኡል ፊሊፕ ንንግስቲ ዘሕደሮ ጓሒ ከቢድ እዩ።
ወላ’ኳ ምርኡይን ቅሉዕን እንተዘይነበረ ዛንታ ንጉሳዊ ፍቕሮም ብቀጻልነቱ ክዝከር እዩ።