ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ "ንቐታሊ ሰብኣየይ ይቕረ ኢለሉ፤ ደቅና ድማ ተመርዕዮም’

"ካብ ቁስልኻ ክትፍወስ ክተፍቅር ኣለካ’’ ኢላ ትኣምን፡ እታ ኣብ እዋን ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ንሰብኣያ ንዝቐተለ ሰብኣይ ይቕረ ዝበለት ሰበይቲ፡፡ ምሕረት እታ ኣዶ በዚ ኣየብቀዐን፤ ወዳ ንጓል ቀታሊ ሰብኣያ ክምርዖ ኣፍቂዳ፡፡

በርናደት ሙካካቤራ፡ ኣብቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1994 ን ኣስታት 100 መዓልቲታት ዝተፈጸመን ኣስታት 800 ሽሕ ህዝቢ ዝተፍጨፉሉን ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ ዝተቐያየሙ ማሕበረሰባት ንምትዕራቕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፡ መንገዲ ህይወታ ክተካፍል ጸኒሓ፡፡

‘‘ደቅና ምስቲ ዝተፈጸመ ተግባር ዘራኽብ የብሎምን፡፡ ተፋቒሮም፤ ሰባት ድማ ካብ ምፍቓር ማንም ደው ከብሎም ኣይግባእን’’ ትብል፡፡

ንሳን ሰብኣያን፡ ካብቶም ድሕሪ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝውለድ ፕረዚደንት ርዋንዳ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ 6 መጋቢት 1994 ተወቒዓ ምስወደቐት፡ ዒላማ ዝተገበሩ ዓሌት ቱትሲ እዮም ዝውለዱ፡፡

ድሕሪ ሰዓታት ንዓሰርተታት ዓመታት ጽልኢ ክስበኹ ዝጸንሑ ኣሻሓት ተወለድቲ ዓሌት ሁቱ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዓሌት ቱትሲ ጎረባብቶም ዝተዋደደ ቅትለት ጀሚሮም፡፡

ካብዚኦም ሓደ ስድርኡ ኣብ ምዕራባዊ ሩዋንዳ ጎረቤት በርናደት ዝነበሩ ግራቲየን ኒያሚናኒ እዩ፡፡ ኩሎም ሓረስቶት እዮም ነይሮም፡፡

እቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ደው ምስበለን ተቓለስቲ ጉጅለ ቱትሲ ስልጣን ምስሓዙን፡ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ዝነበሮም ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡

ግራቲየን እውን ተኣሲሩ፤ በቲ ጋካካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገበናት ናይቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝምርምር ቤት ፍርዲ እውን ተፈሪዱ፡፡

ኣብቲ ሰሙናዊ ዝካየድ ዝነበረ መጋባእያ፡ እቶም ማሕበረሰባት ነቶም ቀተልቲ ፊት ንፊት ክሙግትዎምን፡ ከሳስን ተኽሳስን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዘራረቡን መረዳእታ ከቕርቡን ዝፈቅድ እዩ ነይሩ፡፡

ኣብ 2004 ግራቲየን፡ ንሰብኣይ በርናደት ከመይ ከምዝቐተሎ ብምግላጽ ይቕረታ ሓቲትዋ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ይቕረ ይኹንካ በለቶ፡፡

እዚ ነቲ ክእሰሮ ዝነበረ ናይ 19 ዓመታት ማእሰርቲ ምሕረት ኣውሃቦ፤ ኣብ ክንድኡ ብናይ ክልተ ዓመት ናይ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ተቐጸዐ፡፡

‘ክሕግዝ ደልየ’

ቅድሚ ዕላዊ ይቕረታ ምሕታቱ ኣብ ቤት ማእሰር ኣብ ዝነበረሉ 10 ዓመታት፡ ስድርኡ ምስ በርናደትን ኣቡኡ እንትቕተል ወዲ 14 ዓመት ዝነበረ ወዳን ንምትዕራቕ ፈቲኖም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ጭፍጫፍ ጓል 9 ዓመት ዝነበረት ጓሉ ንግራቲየን ያንኩሪጀ፡፡ ናብ በርናደት እናኸደት ናይ ገዛ ዕዮታት ክትሕግዛ ጀሚራ፡፡

‘‘ካልእ ዝሕግዛ ሰብ ስለዘይነበራን ኣቦይ ሰብኣያ ስለዝቐተለላን ንኣዶ ኣልፍረድ ኣብ ስራሕቲ ገዛን ማሕረስን እናኸድኩ ክሕግዛ ወሲነ’’ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

‘‘ኣልፍረድ፡ ኣነ ንኣዲኡ ኣብ ዝሕግዘሉ እዋን ዘፍቀረኒ ይመስለኒ፡፡’’

ናይታ ቆልዓ ውሳነ ንበርናደት ልባ ተንኪፍዋ፡፡

‘‘ኣቦኣ ሰብኣየይ ከምዝቐተሎ ተረዲኣ ሓጊዛትኒ፤ ወደይ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ ማንም ሰብ ከምዘይብለይ ተረዲኣ ሓጊዛትኒ፡፡’’

‘‘ልባን ጠባያን ፈትየዮ፤ ነዚ ድማ እየ ሰበይቲ ወደይ ክትከውን ዘይተቓወምኩ፡፡’’

ንግራትየን ግን ቀሊል ኣይነበረን፤ ሕቶ መርዓ ምስቀረበሉ ተጠራጢሩ ነይሩ፡፡

‘‘ብዙሕ ዝተቐየመ ቤተሰብ ከመይን ንምንታይን ንጓለይ ደልዩ እናበለ ደጋጊሙ ይሓትት ነይሩ’’ ትብል ጓሉ ያንኩሪጀ፡፡

ኣብ መወዳእታ ግን ኣሚኑ ተቐቢሉን ጓሉ መሪቑ ሂቡን፡፡

‘‘ኣቦኣ ብዝፈጸሞ ነገር ንሰበይቲ ወደይ ዝቕየመሉ ምኽንያት የብለይን’’ ትብል በርናደት፡፡

‘‘ካብ ማንም ንላዕሊ ስለእትርደአኒ እታ ዝበለጸት ሰበይቲ ወዲ ክተከውን ከምእትኽእል ተሰሚዑኒ፡፡ ንወደይ ከኣ ክምርዐዋ ኣእሚነዮ፡፡’’

እቶም መጻምድቲ ኣብ 2008 ኣብ ሓደ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ተመርዕዮም፡፡

‘‘ዕርቂ እንተዘይሃልዩ ቁርባን የለን’

እታ ቤተ ክርስትያን ማሕበረሰባት ክተዓረቑ መሪሕ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ እያ፡፡

ሰባት ድማ ነቲ ናይ ዕርቂ መደብ ከምዝተቐበልዎ፡ ኣባ ንጎቦካ ቲዮገን ይገልጹ፡፡ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ተመሳሳሊ ስራሕቲ ሰሪሐን እየን፡፡

እተን ኣብያተ ክርስትያናት ሰባት ሓቢርካ ካብ ምንባር ወጻኢ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ተረዲአን እየን ነቲ ምንቅስቓስ ዝገብራ፡፡

ኣባ ንጎቦካ ከምዝገልጽዎ፡ ብዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝኽሰሱ ሰባት ምስ ስድራ ግዳይ ክሳብ ዘይተዓረቑ ክቖርቡ ኣይፍቀደሎምን፡፡

እቲ ናይ መወዳእታ ዕርቂ እቲ ተኸሳስን ከሳስን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓደ ደው ኢሎም እዩ ዝፍጸም፡፡

‘‘ እቲ ተበዳሊ ከም ምልክት ይቕረታ ኣእዳዉ ናብቲ ተኸሳሲ ይዝርግሕ’’ ይብሉ ኣባ፡፡

ግራቲየን ምስሞተ ድሕሪ መዓልቲታት፡ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ዘኽብሩ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም፡፡

ኣብዚ መድረኽ እያ በርናደት፡ ወዳ ንጓል ቀታሊ ኣቡኡ ከምዝተመርዐወ ገሊጻ፡፡

‘‘ሰበይቲ ወደይ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ፤ ሰብኣየይ ምስሞተ ንሳ እንተዘይትሕግዘኒ ከመይ ብህይወት ክጸንሕ ይኽእል ነይረ እውን ኣይፈልጥን’’ ኢላ በርናደት፡፡

ፍቕሪ ኣልፈረድን ያኩሪንጀን ካልኦት ሰባት ይቕረ ክበሃሃሉ ጸቕጢ ክፈጥር ከኣ ትጽቢታ ምዃኑ ኣካፊላ፡፡