ኣብ ፈለማ ናይ ሕጊ ስርሓ፡ ንቕትለት ኣቦኣ ፍትሒ ዘረጋገጸት ጓለንስተይቲ

ሻጉፍታ ታባሱማ ኣሕመድ፡ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ናይ ምዃን ድልየት ኣይነበራን፤ ብማዕዳ ወለዳ ግን ሕጊ ኣጽኒዓ።

ኣቦኣ ምስ ተቐትለ ግን፡ 'እቲ ትምህርቲ ሕጊ እንታይ ኢለዮ' ዝብል ዝነበረ ኣተሓሳስባኣ ተቐይሩ።

ቐተልቲ ኣቦኣ ከሲሳ ፍትሒ ንምርካብ 16 ዓመታት ወሲዱላ። ዛንታኣ ብኸምዚ ትነግር

ኣቦይ ዶክተር ጣህር ኣሕመድ ከም ዝተቐትለ ዝሰማዕኩሉ መዓልቲ፡ ብሩህ ዘይኰነ ዝኽሪ ኣለኒ።

እቲ ክፍሊ እዝክሮ'የ፤ ኣብኡ መን ከም ዝነበረ ግን ኣይዝክርን። ዓርቢ ነይሩ፤ ሰዓቱ ግን ኣይዝክሮን።

ተሌፎን ክትድውል እንከላ ምስምዐይ ይዝክር፤ ካብ ስድራና መን ከም ዘልዓላ ግን ትዝ ኣይብለንን።

ሓወይ እዩ ደዊሉ።

"ረኺቦምዎ ኣለው፤ ተቐቲሉ'ዩ።"

ሓወይ መን ከምኡ ኢሉ ከም ዝነገሮ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፣ ግን እቲ ኣነ ዝፈልጦ ህይወት ሽዑ'ዩ ኣብቂዑ።

ኣደይ፡ ብኡ ንብኡ ንብዓታ ክውሕዝ ጀሚሩ፤ ደሓር ኣስከሬን ኣቦይ ኣብ ውሽጢ መጠራቐሚ ማይ ገንኢ ከም ዝተረኸበ ክንገረና ንሰምዕ።

ኣቦይ፡ ኣብቲ ዩኒቨረሲቲ ፕሮፌሰር ክፍሊ ጂኦሎጅን ዕደናን እዩ ነይሩ።

ኣዝማድና፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንግላድሽ - ድሃካ - ኣብ ዝርከብ ገዛ እንዳ ሓወይ ተኣከቡ።

ንሱ ምሳና ኣይነበረን፤ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ መገዲ ሽዱሽተ ሰዓት ብመኪና ናብ ራጅሻሂ [ጥቓ ዶብ ባንግላድሽን ህንድን] ንኣቦይ ከናዲ ከይዱ ነይሩ።

ስድራቤትና፡ ንሓድሕዱ ክደማመጽ ኣይከኣለን፤ ኵሉ ይዛረብ።

ከመይ? ንምንታይ? መን ክቐትሎ ይኽእል?

እቲ፡ ዘመናዊ መኪና ኣክንዲ ምግዛእ ብእግሩ ወይ'ውን ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክኸይድ ዝመርጽ ምሁር፡ እቲ ብተማሃሮኡ ዝፍቀር ፕሮፌሰር፡ እቲ ኣብ ባንግላድሽ ብዙሕ ዘይተለምደ ግን ባዕሉ ዕዳጋ ዝኸይድን መግቢ ዝኽሽንን ኣቦይ፡ እቲ ቈልዓ 18 ዓመት ኮይነ ኢደይ ሒዙ መገዲ ዘሳገረኒ ኣቦይ . . .፣ መን'ዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቦኡ ክመውት ዝደሊ?

እዚ ሕቶ፡ ስድራቤተይ ምብህራር ዝጀመረሉ ሕቶታት'ዩ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ረቡዕ 1 ለካቲት 2006 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ] ኣቦይ ካብ ድሃካ ናብ ዩኒቨርሲቲ ራጅሻሂ ኣውቶቡስ ተሳፊሩ ከይዱ።

እቲ፡ ቈልዓ እናሃለኹ መንበሪ ስድራቤትና ዝነበረ ውዕውዕ ቀጽሪ ይፈትዎ'ዩ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝሃበና ንእሽቶ ገዛ ኢና ንነብር ነይርና፤ ኵሉ ነይርዎ።

ሓወይ ሳንዚድን ኣነን ንግሆ ናብ ቤት ትምህርቲ ብእግርና ንኸይድ። ኣጋ ምሸት ከኣ ምስ ቈልዑ መምሃራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ንጻወት።

ኣብቲ ቀጽሪ ዝነብር ኵሉ ንፈልጦ ኢና፤ እዚ ንዓና ውሑስን እንሕጐሰሉን ዓለምና ነይሩ።

ድሕሪኡ ግን፡ ኣነን ሓወይን ናብ ድሃካ መጺእና። ሳንዚድ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኵለመዳያዊ ዓለምለኻዊ ትካል ንግዲ ክኢላ ህዝባዊ ርክባት ኰይኑ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣቦይ፡ ዳርጋ መሲህ'ዩ ነይሩ፤ ማዕዳኡ ተቐቢለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕጊ ኣጽኒዐ። በዓልቲ ሞያ ሕጊ ክኸውን እየ ዝብል ግምት ኣይነበረንን።

ዲግሪ ተማሂረ፡ ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ክሰርሕ'የ ወይ'ውን ምህርቲ ክኸውን'የ ኢለ ይሓስብ ነይረ።

ኣቦይ ግን፡ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ፡ ንስድራና ዝሐሸ እንታይ ከም ዝዀነ ኣቐዲሙ ዝፈለጠ ይመስለኒ።

ብ2006'የ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትየ፤ ሽዑ ኣደይ ናብ ድሃካ መጺኣ ምሳይ ክትነብር ጀሚራ።

ኣብቲ ዝሞተሉ ሰሙን፡ ንሒደት መዓልታት ክበጽሐና ናብ ድሃካ መጺኡ ነይሩ። ረቡዕ ባሕቲ ለካቲት 2006 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኸኣ ናብ ራጅሻሂ ከይዱ።

ተሌፎን ደዊሉ፡ ብሰላም ምእታው ንኣደይ ነጊሩዋ'ዩ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከኣ መሊሱ ደዊሉ፤ ቅድሚ ሰዓት 9፡00 ናይ ምሸት'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሰዓታት ድቃሱ'ዩ ነይሩ ኢለ እግምት። ድሕሪኡ ዝተፈጥረ ዅሉ ካልእ ዛንታ እዩ።

ፖሊስ፡ ስረታት ኣቦይ ኣብ ለዓት በሪ መደቀሲ ክፍሉ ተንጠልጢሎም'ዮም ረኺቦምዎም።

ቅድሚ ሰዓት 10፡00 ምሸት ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ይሕብር።

ኣቦይ፡ ብዛዕባ መጻኢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ መሳርሕቱ ዶ/ር ሚያ መሓመድ ንምዝርራብ'ዩ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሱ።

ዶ/ር መሓመድ፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ቀረባ ፈታዊ ቤተሰብና ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ምስ ኣቦይ ዝነበሮም ርክብ እናሓርፈፈ መጺኡ።

ኣቦይ፡ ኣብ ብዙሓት ጽሑፋት ዶ/ር መሓመድ ስርቀተ-ሓሳብ [ፕላጅያሪዝም] ክረክብ ስለ ዝጀመረ፡ ነቲ ፋካሊቲ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ክፍሊ ትምህርቲ ነዚ ምጉት ዝኣልየሉ መገዲ ንምዝታይ ኣኼባ ጸዊዑ።

ኣቦይ ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተረኸበን። ተሌፎን ተደዊሉሉ'ውን ኣይመለሰን።

ወኪል ገዛ ጃሃንጊር ኣላም፡ ኣብቲ ግዜ ኣቦይ ኣብ ገዛ ከም ዘይነበረን ከም ዘይርኣዮን ገሊጹ'ዩ።

በዚ ዝተሻቐለት ኣደይ፡ ሓወይ ናብ ራጅሻሂ ከይዱ ድሃይ ክገብር ሰዲዳቶ። ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ብ3 ለካቲት 2006፡ ሓወይ ኣስከሬን ኣቦይ ኣብ ገደና እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ገንኢ ማይ ተደርብዩ ረኺብዎ።

ብድሕሪኡ መርመራ ቕትለት ኰይኑ።

ንዝተወሰነ ግዜ፡ ዓለም ኵሉ ጠመተኣ ኣብ ልዕሊ ስድራቤትና ኮነ። ሞት ኣቦይ፡ ዓቢይ ፍጻመ ኰይኑ፡ ሓቀኛ ሚስጢራዊ ገበን ቅትለት'ዩ።

መልክዑ ኣብ ተሌቪዥንን ጋዜጣታትን ክርአ ጀሚሩ፤ ዓለምለኻውን ከባብያውን ማዕከናት ዜና ብርክት ዝበሉ ሓበሬታታት እናምጽኣ፡ ጽቡቕ፡ ፍሉጥን ጥዕናኡ ዝተሓለወን ሰብኣይ ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ክመውት ኣይክእልን ይብላ።

ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ነይሮም።

ነዚ ዝተኸብረ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ መን ክቐትሎ ይኽእል? ውልቃዊ ቂም ድዩ? ኣኽረርቲ እስላም'ዶ ይዀኑ? እዚ ኣማውታ ብዛዕባ ህዝቢ ባንግላድሽ እንታይ'ዩ ዝንግር?

ኣብ ማእከል እዚ ዋዕዋዕ፡ ንሓወይን ኣደይን ይፈርሓሎም ነይረ። ብኡ ንብኡ ናብ ተግባር'ዮም ኣትዮም።

ኣደይን ሓወይን ምስ ፖሊስ ክተሓጋገዙ ጀሚሮም፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ዝርዝር ጥርጡራት የስፍሩ።

ኣብ ውሽጢ ሰሙናት፡ ዶ/ር ሚያ መሓመድ - እቲ ኣቦይ ብስርቀት-ሓሳብ ዝኸሰሶ መሓዛኡ፣ ኣመሓዳሪ ገዛ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጃሃንጊር ኣላምን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን [ሓውን ዛማን ሓዊሱ] ብቅትለት ኣቦይ ተጠርጢሮም ተኣሲሮም።

ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ጃሃንጊር ኣላምን ኣዝማዱን ዶ/ር መሓመድ ኣቦይ ንምቕታል ከም ዘእመኖምን ብገንዘብ፣ ኮምፒዩተርን ስራሕን ከም ዝደለሎምን ተኣሚኖም። ንሱ ግን ነቶም ክስታት ነጺጉ።

ብ2008፡ እቶም ኣርባዕተ ገበነኛታት ተባሂሎም ንሕልፈት ተፈሪዶም፤ እቶም ክልተ ግን ተፈቲሖም።

እቲ ጉዳይ በዚ ከብቅዕ ምተገብኦ፤ ግን ኣየብቅዐን።

እቶም ኣርባዕተ፡ ይግባይ ኢሎም እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባንግላድሽ ተመሪሑ።

ኣደይን ሓወይን ፍትሒ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን እዮም ዝብሉ ዘለው።

ብኣንጻሩ፡ ኣነ ጥቕሚ ዘይብላ ሰብ መሲሉ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ክመሓላለፍ እንከሎ፡ ኣነ ኣብ ህይወተይ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ርግጸኛ ኣይነበርኩን።

ብ2011፡ ጉዳይ ቅትለት ኣቦይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ በጺሑ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ዶ/ር ሚያ መሓመድ ብዋሕስ ክወጽእ ፈቒዱ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ክሳብ ዝውዳእ ከኣ ብዋሕስ ተፈቲሑ። ንሱ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሰብ ሞያ ሕጊ ቘጺሩ፣ እቲ ጉዳይ ፍርዲ እናተሓላለኸ መጺኡ።

ሃንደበት፡ ኣብ ህይወተይ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ በሪሁለይ። ሞያይ ተጠቒመ ቀተልቲ ኣቦይ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ኣለኒ።

ምስ ቤተሰበይ ኰይነ ሕጋዊ ሰነዳት ክትርጉም እኽእል። ነቶም ፖሊስ ይፈልጦም'የ፣ ንኣቦይ ይፈልጦ'የ፣ ነቶም ክልተ ተኸሰስቲ'ውን ይፈልጦም'የ። ስለዚ፡ ኣቦይ ፍትሒ ክረኽበሉ ዝኽእል ነገር ክገብር ይኽእል እየ።

ብ2012'የ ብሕጊ ተመሪቐ፤ ብቐጥታ ነቶም ዓቀብቲ ሕጊ ክሕግዞም ጀሚረ።

ኣብ ባንግላድሽ፡ ንጉዳያት ገበን ዝከታተላ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበራን። ስለዚ ናተይ ኣበርክቶ ንምርኣይ ተቐቢሎምኒ።

ኵሉ ግዜይ ኣብዚ ከሕልፎ ጀሚረ፤ ካልኦት ጉዳያት ኣወንዚፈ፡ ምሉእ ትኹረተይ ኣብ ጉዳይ ኣቦይ ገይረዮ።

ብ2013፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓደ ውሳነ በጺሑ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ሚያ መሓመድን ጃሃንጊር ኣላምን ዝተመሓላለፈ ውሳነ መቕጻዕቲ ሞት ከጽንዖ እንከሎ፡ ናይቶም ክልተ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየር ገይሩ።

ዳኛ፡ ኣብ ቅትለት ኣቦይ ተሓባባቢሮም እምበር ቀንዲ ኣወሃሃድቲ እቲ ቅትለት ዶ/ር መሓመድን ኣላምን'ዮም ኢሉ ወሲኑ።

እዚ ጉዳይ ግን፡ በዚ ኣይተወድአን።

እቲ ኣመሓደሪ መንበሪ ገዛውትን ኣዝማዱን ተናዚዞም፤ ኵሎም ዶ/ር ሚያ ከም ዝኸፈሎን ንሱ ከም ዝበገሶን ገሊጾም።

ይዅን'ምበር፡ ጠበቓታት ዶክተር ሚያ ናብቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝዓበየ ቤት ፍርዲ [ሰበር] ይግባይ ኢሎም።

ነቶም ሰነዳት ኣዕሚቐ ክምርምር፡ ወረቓቕቲ ከዳሉ፡ ሰሌዳታት ግዜ ከወሃህድ፡ ምስ ጠበቓታት ክዘራረብን መንፈስ ኣደይን ሓወይን ከትብዕን ጀሚረ።

ብዙሕ ለይቲ፡ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ብዙሓት ረመዳናት . . . ኵሎም ብጸሎት ይሓልፉ፤ ኣቦይ ፍትሕን ዕረፍትን ክረክብ ኣለዎ ዝብል ዕላማና'ውን ኣጽኒዕና።

ሕጂ፡ ዓቢይ ዕላማ ዝተሰከመት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኰይነ ኣለኹ። ሕጂ ጓል 30 ዓመት ስለ ዝዀንኩ፡ እታ ብ2006 ኵሉ ነገር ተወዲኡ ኢላ ተስፋ ዝቘረጸት ሰብ የላን።

ፍትሒ ክንረክብ ሸሞንተ ዓመታት ወሲዱልና።

ሚያ መሓመድ ሓያል መርበብን ገንዘብን ዘለዎ ሰብ'ዩ። ዘማኡ ኣብ ባንግላድሽ ጸላዊ ፖለቲከኛ እዩ።

ብዙሕ ሓበሬታ ዝህቦ ሓደ ዓቢይ ጕጅለ ሰብ ሞያ ሕግን ኣለዎ። እዞም ጠበቓታት፡ ኣብ ቅትለት ኣቦይ ኢድ የብሉን ኢሎም ይምጉቱ።

ንሱን ኣቦይን ናይ ቀረባ መሓዙት ከም ዝዀኑን ዝኾነ ዓይነት ነገራዊ መረዳእታ ከም ዘይተረኸበን እውን ይዛረቡ።

እንተዀነ፡ እቲ በቶም ካልኦት ሰለስተ ተኸሰስቲ ዝወሃብ ዘሎ ምስክርነትን ድሕሪኡ ዘርኣዮ ባህርን ካብ ሓደ ንስድራቤትና ቀረባ ዝዀነ ሰብ እትጽበዮ ኣይነበረን።

ዶ/ር ሚያ፡ ንብዙሕ ዓመታት እናመጽአ ዝሓተናን ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ኣቦይ ዘይተረኽበ እንኮ ሰራሕተኛ እቲ ፋካሊቲ እዩ። ኣብ እዋን ሓዘንና'ውን ኣይፈተነን።

ክሳብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ኣቦይ መዕለቢ ኣይሃበን።

ብዳኛ ሓሰን ፎኤዝ ስዲቅ ዝተመርሑ ዳያኑ፡ ዶ/ር ሚያ መሓመድ ሙሕየዲን ብቕትለት ኣቦይ ገበነኛ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ብ5 ሚያዝያ 2022'ዮም ብሞት ክቕጻዕ ዝፈረድዎ።

ድሕሪኡ፡ ንቤተሰበይ ወኪለ መግለጺ ኣውጺአ። በቲ ውሳነ ሕጕሳት ኢና ኢለ፤ "ሕጕሳት" ዝብል ቃል ግን ትኽክል ብዛዕባ ምዃኑ ርግጸኛ ኣይኮንኩን።

ነቶም ዝሓለፉ 16 ዓመታት ዝገልጸሉ ቃል የብለይን፤ ክትግምቶ ዘይትኽእል ስቓይ'ዩ ነይሩ።

ሓሓሊፈ፡ ኣማውታ ኣቦይ እናሓሰብኩ፡ እምበርከ ሰላም ክረክብ ድየ ዝብል የተሓሳስበኒ።

ሰባት፡ ሕጂ ሃዲእኪ ናብራኺ መስረቲ ይብሉኒ፤ ምናልባት፡ ቀተልቲ ኣቦይ ምስ ኮኑ።

ኣቦይ፡ ዓለመይ'ዩ ነይሩ፤ ብሉጽ፡ ምቕሉልን ለባምን ሰብኣይ'ዩ ነይሩ።

ዶ/ር ሚያ፡ ዝገበሮ ክትሓስቦ ዘጸግም'ዩ፤ ግን ከኣ ንፍትሒ ዝገብሮ ቃልሲ ክቐጽሎ'የ።

ጽቡቕ ህይወት እውን ክነብር'የ።