ኣቦኣ ብምሕያሩ-ንሳ ሕጊ ከተጽንዕ ከይዳ

ቴና ብሪስኮ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ቅድሚ ምምራቓ፡ ኣቦኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትቕበሎ ምስ ከደት እያ ንፈለማ እዋን ርእያቶ።

በርናርድ ብሪስኮ፡ ኮኬይን ብምሻጥ ብገበን ተኸሲሱ ብ2001 ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ን20 ዓመታት ተፈሪዱ። ሽዑ ጓሉ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት እያ ነይራ።

ብሪስኮ፡ ሕጂ ወዲ 53 ዓመት'ዩ። ብመሰረት እቲ ብ1994 ኣብ ኣመሪካ ዝተኣታተወ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝደጋገም ገበናት ደያኑ ናይ ዕድመ-ልክዕ ፍርዲ ክህቡ ስልጣን ዝህብ "three-strikes law" ዝፍለጥ ሕጊ መሰረት፡ ነዊሕ ፍርዲ እዩ ተዋሂብዎ።

እዚ፡ ብ2018 ብደረጃ ሃገር ክቕየር እንከሎ፡ ብዙሓት ግዝኣታት ኣመሪካ ግን ክሳዕ ሕጂ ይጥቀማሉ ኣለዋ።

ቅድሚኡ'ውን ምስ ሓሽሽ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ስለ ዝነበርዎ፡ ብሪስኮ፡ ዕድመ ልክዕ ብተወሳኺ 240 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።

ስለዝዀነ ኣቦኣ፡ "ብቐጥታ ኣብ ኢንዲያና ናብ ዝርከብ ብሉጽ መሳለጥያታት ናብ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ" ከም ዝተወስደ ጓል 24 ዓመት ቴሳ ተዘክሮኣ ትገልጽ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኣቦኣ ዝተዋህበ ከቢድ ፍርዲ'ዩ እምበኣር ብገለ ሸነኹ ሕጊ ከተጽንዕ ደሪኽዋ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ እቲ ምስኡ ዝጸንበለቶ ስርዓተ ምረቓኣ [ብዓውደ-ሕጊ] ስምዒት ንቡርነት ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ።

"ንመጀመርታ ግዜ ኣቦይ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተቐበልኩሉ ግዜ'ዩ፣ ንሱ'ውን ንመጀመርታ ግዜ እዩ፡ ጓሉ ኣብ እትዝውራ መኪና ተሰቒሉ፣ በዚ ኸኣ ምስጋናይ ልዑል'ዩ፡" ኢላ።

መመረቕታ ውላድ፡ "ኣቦ ፈጺሙ ክርስዖ ዘይክእል" ኣጋጣሚ ከም ዝዀነ ብሪስኮ ይዛረብ።

ቴና፡ ኣቦኣ ክእሰር እንከሎ ህጻን ስለ ዝነበረት፡ "ናጻ ኰይኑ'ውን ኣይትዝክሮን።" ስድራኣ ግን ናበይ ከም ዝተወስደ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ይፈልጡ ነይሮም።

ኣደኣ ድማ፡ ኣቦን ጓልን በብግዜኡ ከም ዝራኸቡ ምግባር ናተይ ኢላ ሒዛቶ ስለ ዝነበረት፡ ካብ ምብጻሕ በዂሮም ኣይፈልጡን።

"ወትሩ ይጽሕፈሉ ነይረ፣ ኣደይ ድማ ቴሌፎን ክድውል እንከሎ ተልዕሎ፣ ናብኡ ንልእኮም ዝነበርና ወረቓቕቲ ኵሎም ይበጽሑዎ ነይሮም፡" ትብል።

ይዅን'ምበር፡ ቈልዓ እንከላ፡ ኣቦኣ ኣበይ ከም ዘሎ ብዙሕ ኣይትዛረብን ነይራ።

"ሰርሓተኛ ህንጻ እዩ ኢለ ክዛረብ እዝክር። እዚ ንሰባት ክሕስዎም ኢለ ዝኸድክዎ መገዲ ስለ ዝዀነ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕፍር። እዚ ኸኣ ሰባት ነጸብራቕ መንነተይ ገይሮም ክርእዩዎ ይኽእሉ'ዮም፡" ትብል።

ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ኰነት ግን፡ ኣረኣእያኣ ተቐይሩ፤ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣቦኣ፡ "ፍትሓዊ ኣይኰነን፡" ኢላ ዝሓሰበቶ ክትግንዘብን ታሪኹ ክተካፍል "ክትህንጠ" ጀሚራ።

ኣብቲ ግዜ፡ ብ2012 ኣብ ኣሜሪካ ብጉዳይ ትራቮን ማርቲን ብዙሕ ይዝረብ ነይሩ፤ እዚ ዝዀነ ዓይነት ዕጥቂ ዘይሓዘ ኮተቴ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ዓሌታውነት ሓያል ክትዕ ኣልዒሉ ነይሩ።

ቴና ብሪስኮ ድማ፡ "ከም ትግባረ ሕጊ፡ ስርዓት ፍትሕን ስርዓተ ቤት ፍርድን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ነገራት ብኸመይ ንሓድሕዶም ከም ዝተኣሳሰሩ" ንኽትርኢ ስለ ዘኽኣላ፡ ብዛዕባኡ ዝያዳ ክትመሃር ጥሙሕ ከም ዝሓደራ ትዛረብ።

'ሃገራዊ ማሕበር ምዕባለ ዘይጽዓዱ ህዝብታት'፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ሓሙሽተ ዕጽፊ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን ከም ዝሕየሩ የረድእ።

ኣብ ካሊፎርኒያ ዝተረኽበ መረዳእታ'ውን፡ ኣብታ ግዝኣት ጸለምቲ ካብቶም ጸዓዱ ብዝተፈለየ ብሕጊ 'three-strikes' 12 ግዜ ከም ዝእሰሩ የመልክት።

እዚ ዘይምዕሩይነት፡ ብዛዕባ "ዕረያ ፍትሓዊ ኣወሃህባ ፍርዲ" ክግበር ድልየት ከም ዘሕደረላ እትገልጽ ቴና፡ "ናይ ኣቦይ ዝተፈለየ ኣይኰነን፤ ካልኦት ብዙሓት'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ኣለው፡" ትብል።

ኣብ መወዳእታ ካብ ዩኒቨርሰቲ ሃዋርድ - ብታሪኽ ኣብ ዋሽንግተን ፍሉጥ ኮሌጅ ጸለምቲ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ- ብሕጊ ክትምረቕ እንከላ፡ ኣቦኣ ምስኣ ክጽንብል በቒዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዝእሰር 20 ዓመት ክመልኦ እንከሎ ፈደራላዊ ኣገልግሎት ምክልኻል ዊስኮንሲን፡ ብሪስኮ ንኽፍታሕ እማመ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ሞዴል ተሃዳስን ኣቦን ተባሂሉ ከም ዝተናእደ ጓሉ ትዛረብ። ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሎም ዓመታት፡ ብኣማኢት ሞያ ፕሮግራማት ሰልጢኑን ትምህርቲ ቀሲሙን'ዩ።

እቲ ብ2001 ክእሰር ዝፈረደሉ ዳኛ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ንኽፍታሕ ፍርዱ ሂቡ።

"ኣብ ህይወተይ ምትዕርራይ ገይረ፣ ካልኦት መንእሰያት ኣብቲ ኣነን ካልኦት ከማይ ዝኣመሰሉን ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ንኸይወድቁ ክከላኸል ጻዕሪ ክገብር ኣለኒ ኣብ ዝብል ዝተፈለየ መገዲ'የ ነይረ፡" ይብል ብሪስኮ።

ጓሉ ድማ፡ ሕጂ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ዝርከብ ትካል ሕጊ ስራሕ ረኺባ ኣላ።

ሰባት ብዘይፍትሓዊ ፍርዲ ንኸይእሰሩ ኣብ ምቅላስ ክትሕግዝ ከም እትደሊ'ውን ገሊጻ።