እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዘይውዓልዎ ገበን ን24 ዓመታት ዝተኣስሩ ኣሕዋት 3.8 ሚልዮን ዶላር ተኻሒሶም
ክልተ ብጌጋ ን24 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣሕዋት፡ ነፍሲ ወከፎም 1.9 ሚልዮን ዶላር ተኻሒሶም።
ነበርቲ ከተማ ባልቲሞር ዝኾኑ፡ ኤሪክ ሲሞንስን ከነት ማክፈርሰንን፡ ኣብ ግንቦት 2019 ጉዳዮም ዳግማይ ተራእዩ፡ ናይ ኣኽባር ሕጊ ጌጋታት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምርግጋጹ'ዮም ተፈቲሖም።
ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ትካላት ፖሊስን ስርዓተ ገበናዊ ሕግታት ምምሕያሻት ክግበረሉ ኣለዎ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ካሕሳ ዝወሃብ ዘሎ።
እቶም ክልተ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን ደቂ-ተባዕትዮ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት እንከለዉ'ዮም ተኣሲሮም።
ኣብ 1994፡ ኣብ ክፍለሃገር ሜሪላንድ ክልቲኦም ንሓደ ወዲ 20 ዓመት ቀቲልኩም ተባሂሎም ድሕሪ ምኽሳሶም፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ምዃኖም ፈሪዱ።
ነቲ ጉዳይ ዳግማይ ክረአ ዝደረኸ ሓደ 'ኢኖሰንት ፕሮጀክት' ዝተባህለ ማሕበር፡ ፖሊስ ንሓደ ውዲ 13 ዓመት ኣንጻር እቶም ኣሕዋት ክምስክር ጸቕጢ ጌሮምሉ ነይሮም ይብል። ፖሊስ፡ ምትሕብባር እንተ ኣብዩ ብቕትለት ክኽሰስ ምዃኑ ኣፈራሪሖሞ ነይሮም ድማ ይብል።
ሓንቲ፡ ኣብ ካልእ ጉዳይ ብፖሊስ ዝተኸፍለት ምስክር ድማ፡ ነቲ ቅትለት ብመስኮት ፡ ካብ 45 ሜትሮ ርሕቀት ብዓይና ከም ዝራኣየቶ መስኪራ ነይራ።
ኣኽባር ሕጊ ባልቲሞር፡ ማርሊን ሞስቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ 24 ዓመት ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ኣብታ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመላ ምሸት፡ ማክፈርሰን ኣብ ሓደ ድግስ (ፓርቲ) ከምዝነበረን፡ ሓዉ ሲሞንስ ድማ ኣብ ገዝኡ ደቂሱ ከም ዝነበረን ገሊጹ ነይሩ።
ግብረመልሲ ናይቶም ኣሕዋት ከመይ ነበረ?
ወዲ 49 ሲሞንስ፡ ዋላ'ኳ ካብ ቦርድ ህዝባዊ ስርሓት ገንዘብ ምርካቡ ጽቡቕ እንተኾነ፡ ነቲ ዝኸሰሮ ግዜ ዝመልስ ዝኾነ ዋጋ ከምዘየለ ተዛሪቡ።
"ኣደይ ኣብ 2009 ሞይታ፡ ክረኽባ ኣይክእልን'የ" ክብል ዋሽንግተን ፖስት ንዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ።
"ገንዘብ ነቲ ዝተረገጽክዎ ከመልሶ ኣይክልን'ዩ፡ [ሓለውቲ] ክሃርሙኒን ኣብ ጉድጓድ ክድርብዩኒን። ነዚ ገንዘብ ከዐርዮ ኣይክእልን'ዩ።
"መዓልታዊ ካብ ድቃሰይ ተሲአ፡ ሓቂ'ድዩ እብል" ብምባል፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ካብ ድቃሱ ምስተበራበረ፡ ኣብ ገዝኡ ዝነበረ ኮይኑ ይስምዖ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ኣብ 2010፡ ዝፈተኖ ይግባይ ዘይምዕዋቱ፡ "ሂወተይ ኣሰር ጠፊኡ ነይሩ" ይብል።
"ብኣይ ወገን፡ ድሕሪኡ ብሂወት ክበራበር ድልየት ኣይነበረንን። ኣምላኽ'ዩ ኣብ ኣካላተይ ኡፍ ኢሉለይ።"
ማሕበር 'ኢኖሰንት ፕሮጀክት' ከም ዝሕብሮ፡ ኣብታ ክፍለሃገር 30 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ጉዳዮም ተራእዩ ዝተፈትሑ ኣለዉ።
ክልቲኦም ኣሕዋት 9ይን 10ይን ካብቶም ብጌጋ ተኣሲሮም፡ ንጹሃት ኮይኖም ምስተፈትሑ ብገንዘብ ዝተኻሕሱ እዮም።