ህይወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰሜን ኮርያ፡ ማህረምትን ግዱድ ምንጻል ጥንስን

ሊ ያንግ-ጆ፡ ናብቲ እትእሰረሉ ሸላ እናተፉሓኾት ምስ በጽሐት እግራ ኣጣሚራ፤ ኣእዳዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ብርካ ገይራ ኰፍ ክትብል ተኣዚዛ።

ከምዚ ኢላ ኣብ መዓልቲ ን12 ሰዓታት ክትጸንሕ ትግደድ፤ ፍሒት ክትብል ፈጺሙ ኣይፍቀደላን።

ኣብ ጎኒ እቲ ዘላትሉ ሸላ [ክፍሊ] ናብ ዘለው ሰባት ሕሹኽ እንተይላ ከቢድ መቕጻዕቲ ይወርዳ።

ማይ ብውሑዱ'ያ ትረክብ፤ እትበልዖ ንኡሽቶ መግቢ'ውን ይውሃባ።

ኣብቲ ግዜ፡ "ከም ሰብ ዘይኮነ ከም እንስሳ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ" ትብል።

ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከም ንቡር ዝወስዶን ዝገብሮን ብምግባራ፡ ንሰዓታት መርመራ ተገይሩላ፤ እንታይ ኣቢሳ እንተይልኩም፡ ካብ ሃገር ጥራይ እያ ወጺኣ።

ብ2007፡ ሃዲማ ካብታ ሃገር ወጺኣ፤ ግን ኣብ ቻይና ተታሒዛ ተመሊሳ።

ንሰለስተ ኣዋርሕ ፍርዲ እናተጸበየት ኣብ ጥቓ ዶብ ቻይና ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ኦንሶንግ ጸኒሓ።

ኣብቲ ዝተኣሰረትሉ ሸላ ኰፍ ኢላ እንከላ፡ ቋዕ፣ ቋዕ፣ ቋዕ ዝብል ድምጺ ጫማ ናይቶም ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝመላለሱ ዋርዲያታት እዩ ዝስማዕ።

እዚ ድምጺ ርሒቑ ምስ ከደ፡ ያንግ-ጆ ምስኣ ንዝተኣሰሩ ሰባት ክተዛርብ ዕድል ትረክብ።

ኣብኡ "ካልእ ናይ ምህዳም መደባት ነውጽእ፤ ምስ ደላሎ ንራኸበሉ ገዲ ንዘራረብ። እዚኦም ሚስጥራዊ ዝርርባት'ዮም" ትብል።

ቤት ማእሰርቲ፡ ሰባት ካብ ሰሜን ኮርያ ንከይወጽኡ ዝግትእሉ እኳ እንተኾነ፡ ንያንግ-ጆ ግን ጠጠው ዘብላ ኣይነበረን።

ሕጂ'ውን ካብ ሃገር ክወጽኡ ብምፍታኖም ጥራይ ፍርዲ ዝጽበዩ ብዙሓት ኣለው።

ያንገ-ጆ ዳግም እትሃድመሉ መገዲ ክትውጥን ምህላዋ ስለ ዝተሰምዐ ግን ካብ መቕጻዕቲ ኣይተረፈትን።

"እቶም ዋርድያ ናብቲ ሸላ ይመጽኡ እሞ፡ ኣእዳወይ ኣንጺፎም ይሃርሙኒ፤ ሕብሩ ክሳብ ዝቕይር ይቕጥቅጡኒ። ንብዓተይ ውሕጥ ኣቢለ ኣይነብዕን፤ ካብ ሰሜን ኮርያ ክንወጽእ ዝፈተንና ሰባት ከም ክሓድቲ'ዮም ዝርእዩና" ትብል።

ወሲኻ፡ "ኣብ ካልእ ክፍሊ ዘለው ሰባት ክህረሙ እንከለው'ውን ይስማዕ'ዩ፤ ኣነ ኣብ ቑጽሪ ሰለስተ ነይረ። ግን ኣብ ቁጽሪ 10 ዘሎ ሰብ ክውቃዕ እንከሎ ይስማዕ ነይሩ" ኢላ።

ስልታዊ መድቆስቲ

ያንግ-ጆ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ማእሰርተ ሰሜን ኮርያ ዝፍጸሙ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝምልከት ኮሪያ ፊዩቸር ንዘካየዶ መርመራ ቃሎም ዝሃቡ ልዕሊ 200 ሰባት እያ።

እዚ ንትርፊ ዘይተጣየሸ ትካል፡ ኣብ 148 መቕጽዒ ማእከላት፡ 597 ሰባት ኣብ ልዕሊ 785 እሱራት 5181 ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ወግዓዊ ገይሩ።

እዚ መረዳእታ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ተሓተትቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ክሕግዝ ይኸውን'ዩ ብዝብል ተስፋ ኣብ ማዕከን መአከቢ ሓበሬታ ክኽዘኑ ተገይሩ'ዩ።

ሰሜን ኮርያ ንዝቐርበላ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወትሩ ትነጽጎ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ንዝኽእል ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ወኪል እኳ እንተረኸቦ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

ኣብ ሴኡል ሓጋዚት ዳይሬክተር ኮሪያ ፊዩቸር ሱዮን ዮ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ስርዓት ቤት ማእሰርቲን ምስኡ ዝተሓሓዝ ግህሰትን "ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ 25 ሚሊዮን ህዝቢ ንምድቋስ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ኣብ ኩሎም ዘካየድናዮም ቃለ መጠይቓት እዚ፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወት ዘሕደሮ ጽልዋ ክንዕዘብ ክኢልና ኢና። ሓንቲ፡ ሓድሽ ዝተወልደ ዕሸል ክቕተል እንከሎ ምርኣያ እናበኸየት ነጊራትና እያ" ኢላ።

ብዙሓት ክስታት ግህሰት

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዓለም ዝተነጸለት ሃገር ኮይና እያ።

ንሰለስተ ወለዶታት ብስድራ ኪም ትምራሕ ኣላ። ዜጋታት እታ ሃገር ክኣ ነቲ ስድራን ንፕሬዝደንት ኪም ጆንግ-ኡንን ሙሉእ ውፍይነት ከርእዩ ትጽቢት ይግበሮም።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ዶባትን ጽንኩር ሓለዋ ክህሉ ገይሩ እዩ።

ናይ ወጻኢ ፊልምን ድራማታትን ሓዊሱ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘለው ምዕባለታት ክፈልጥ ዝፈተነ ሰብ ከቢድ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ተደንጊጉ።

እቶም ዝፍጸሙ ግህሰታት ዝምልከት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኡ ሰባት ብዝህቡዎም ምስክርነታት ይረጋገጹ'ዮም።

ካብዚኦም፡ ብዙሓት ክስታት ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ዓይነታት ጾታዊ ግህሰትን ይቐርቡ። ግዱድ ምንጻል ጥንሲ ክገብራ ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ግዳያት ይዛረባ።

ሓንቲ ምስክር ዓይኒ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማእከል ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰ ጾር እናሃለወት እቲ ጥንሲ ክትንጽሎ ከም ዝተገደደት ተዛሪባ።

እቲ ቈልዓ ብህይወት እኳ እንተተረፈ ናብ ማይ ዝሓዘ ገንኢ ከም ዘእተውዎ ሓቢራ።

ኣብዚ መርሸንቲ'ውን ከም ዝፍጸም ዝገለጹ ሓሙሽተ ጉዳያት ኣለው።

ንፍትሒ ሓደ ስጉሚ

ያንግ-ጆ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ተኣሲራ።

"ፍርደይ ክሳብ ዝውድእ ብህይወት ክተርፍ ድየ ዝብል ስግኣት ነይሩኒ" ኢላ።

ሳሮም'ውን፡ ብ2007 ኣብ መዳጎኒ ማእከል ኦንሶንግ ተኣሲራ ነይራ፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እታ ሃገር ዘጋጥም ማህረምቲ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ።

"ብዕንጸይቲ ይሃርሙኻ፤ ጠጠው ኢልካ ኣቲኻ እናተፍሓኩዃ ትወጽእ። ናብ ካልኦት ዝተሃረሙ ሰባት ገጸይ መሊሰ ክርእይ ኣይክእልን፤ ምኽንያቱ እቲ በሰላ ክትርእዮ እዮም ዝገብሩኻ። በዚ መንፈስኻ ይቐትሉዎ" ትብል።

ወሲኻ፡ "መገዲ እንተሃልዩ፡ ክቕጽዑ'የ ዝደሊ" ብምባል ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጥሙዋ ዝነበሩ ነገራት ካብ ሕልንኣ ከም ዘይወጽኡ ትዛረብ።

ሕጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓድሽ ህይወት ጀሚራ ኣላ።

እዞም ጉዳያት ናብ ፍርዲ ምውሳድ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል፤ ግን ድማ እቲ መርመራ ክኢላታት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሳቲፉ ኣሎ።

እቲ መረዳእታ ድማ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቕቡልነት ዘለዎን ብቐሊሉ ዝርከብን ኮይኑ ተዳልዩ ኣሎ።

ሳሮምን ያንግ-ጆን እዚ እቲ ዝምነይኦ ፍትሒንምርካብ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዝወስድ ክኸውን ተስፋ ኣለወን።