ቅልውላው ኢትዮጵያ: ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝበዝሐ ተመዛበልቲ ዘለውን ሃገራት ኮይና

ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዓለም ካብተን ዝበዝሐ ተመዛበልቲ ዘለውን ሃገራት ከምዝኾነት ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ንውሽጣዊ ምፍንቓል ዝከታተል ትካል (IDMC) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር 4.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉ ገሊጹ።

እቲ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጎንፅታትን ሓድሽ ማዕበል ዓመጻን 59.1 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ እቲ ትካል ዘውፅኦ ፀብፃብ ይሕብር።

ኣስታት 5 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ዘመዝገበት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ካብ ዝተመዝገቡ ተፈናቐልቲ እቲ ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ።

እቲ ብቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (ኖርዌጅያን ረፍዪጂ ካውንስል) እተመስረተ ትካል ምክትታል ተፈናቐልቲ ዓለም፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣፍጋኒስታንን ምያንማርን ካብተን ኣብ 2021 ዝለዓለ ቝጽሪ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዝተራእየለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሱ'ሎ።

እቲ ፀብፃብ ኣስዕቡ ከም ዝሕብሮ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ቁፅሪ ተመዛበልቲ፡ ብልዕሊ 4 ሚልዮን ዝኸውን ወሲኹ'ሎ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ን18 ወርሒ እተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ዝገበረ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ ።

ቍፅሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ብልክዕ ዘይፍለጥ እኳ እንተዀነ እቲ ውግእ ግና ሃስያን ግፍዕን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገር ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ዓመጻ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ይገብር ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ክልል ኦሮሚያ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሓርነት ሕዝቢ ኦሮሞ (ኦ. ኤል. ኤፍ.) ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሞት ሰላማውያን ሰባት ከየስዕብን ነታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶን ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።