እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ተመዛበልቲ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓስስብ ኩነታት ኣለዉ
ትካላት ረድኤት፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ይመፅእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሰክፈን ገሊፀን ኣለዋ።
ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም 'ዮም።
ናብዞም ተመዛበልቲ፡ መሰረታዊ ዝኾኑ ጠለባት ረድኤት ብግቡእ ከይበፅሖም ድማ እዚ ናይ ክረምቲ ወቕቲ ኣፀጋሚ ገይርዎ ኣሎ።
ብምኽንያት ዝናብ መገድታት ስለዝተበላሸዉ፡ ናብቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ናይ ረድኤት ናውቲ ንምብፃሕ ኣይተኽኣለን።
እዞም ተመዛበልቲ፡ ካብቲ ኣብ ተዳወብቲ ዞባታት ጌዲኦን ምዕራብ ጉጂን ዝተፈጠረ ዓሌታዊ ጎንፂ ሃዲሞም ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተዓቖቡ እዮም።
ናብቲ ኸባቢ በፂሑ ዝተመለሰ ጋጤጠኛ ቢቢሲ ኢማንዌል ኡጌንዛ፡ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከምዘለዉ ይገልፅ። ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ግዚያዊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተቐይሮም ከምዝረኣየ 'ውን ይዛረብ።
ሕፅረት ምግቢ ዘጥቀዖም ህፃናት፣ ጥኑሳትን ኣረጋውያንን ኣብ ንእሽቶን ንዝናብ ዝተቓለዐን ቦታ ሓቢሮም ክውዕሉን ክሓድሩን ግድን ኮይንዎም ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዳግም ኣብ ዝተልዓለ ጎንፂ፡ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይእመን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ንዘጋጠሙ ጎንፅታት ዝኾነነ እንትኾን፡ ከምዚ ዓይነት ጎንፅታት ኣብ ልዕሊ ዘቐፅሉ ድማ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቃል ኣትዩ'ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጎንፅን ድርቅን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት መረበቶም ገዲፎም ተመዛቢሎም።