እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳይሬክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ነበር ኣይተ ጌታቸዉ ኣሰፋ ኣበይ'ዮም ዘለዉ?
ዳይሬክተር ሃገራዊ መረዳእታን ደህንነትን ነበር ኣይተ ጌታቸዉ ኣሰፋ፡ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዝወጽኦም ካብ ሃገር ከምዝወፅኡን ገለ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብዚ ሰሙን ክጽብጽባ ቐንየን።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሔርን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓቲትናያ።
ወይዘሮ ፈትለወርቅ፡ "ከም ግንባር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንፈልጦ ነገር የለን። ናብዚ ግንባር ዝመፀ ደብዳበ'ውን የለን" ኢለን።
ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ፡ እቲ ዉድብ ኸይፈለጠ ኽሲ ክምስረት ይኽእል'ዶ ንዝብል ሕቶ፡ "ምይይጥ ዘድልዮ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ፖለቲካዊ ገምጋም ይግበር 'ምበር ኽሲ ዝምልከት ናይ መንግስቲ ስራሕ'ዩ" ዝብል ምላሽ ሂበን።
ይኹን'ምበር፡ ጉዳይ ኣይተ ጌታቸዉ ኣብ ገምጋም'ዉን ከምዘይተልዓለ ሓቢረን።
ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ኣይተ ጌታቸዉ ኣሰፋ፡ ሕዚ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ከምዘይተረኸቡ'ዉን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገሊፀን።
ኣይተ ጌታቸዉ ኣሰፋ ኣብቲ ኣኼባ ዘይምርካቦም፡ ምስቲ ናይ ማእሰርቲ ደብዳበ ወጺኡዎ ዝበሃል ዜና ዝተሓሓዝ ድዩ ኢልና ዝሓተትናየን ወይዘሮ ፈትለወርቅ፡ "ሓደ ሰብ ኣብ ኣኼባ ብናይ ዉልቂ ጉዳይ ንኸይርከብ ይኽእል'ዩ። ኣብ ኣኼባ ኩሉ ሰብ ይርከብ'ዩ ማለት አይኮነን። ናቱ ካብ ኣኼባ ምትራፍ ድማ ምስዚ ዘይክተሓሓዝ ይኽእል'ዩ። ብስራሕ ክኸዉን ይክእል ዘይመጽአ" ይብላ።
ንመወዳእታ ግዘ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ መዓዝ ከምዝረኣየኦም ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበለን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝረኸበኦም አረጋጊፀን።።
ብካልእ ወገን፡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ጉዳይ ኣይተ ጌታቸዉ ኣሰፋ ርኢይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።