ኣቶ ሙስጠፋ ሞሐመድ ዑመር ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኮይኑ

ኣቶ ሙስጠፋ ሞሐመድ ዑመር ጊዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ።

ኣቶ ሙስጦፋ መሓመድ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኾይኑ ክሽየም፡ ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢ ሶማሌ (ሶህዴፓ) ከምዝመረጾ፡ ሪፖርተር ቢቢሲ ሶማል ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ሙስጦፋ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልልን ምኽትል ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢ ሶማሌ (ሶህዴፓ)ን ኮይኑ'ዩ ክሰርሕ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ሚኒስትር ኣሕመድ ሸዴ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኮይኑ ከምዝተሸመ ዝዝከር'ዩ።

ኣቶ ሙስጦፋ፡ ፕረዘዲንት እቲ ክልል ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም'ዩ ክብል ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምልዓሉ ንመራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝሃቦ መብርሂ መዘራረቢ ብዙሃት ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ኣብዚ እዋን ኣቶ ኣብዲ፡ ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኣቶ ጌታቸዉ ኣሰፋ ዝምልከት ዝሃቦ ርኢይቶ ብዙሓት ኣዘራሪቡ ነይሩ። "ጌታቸዉ ግዕዙይ፣ ሰራቕን ርእሱ ዝፈቱን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ነዚ ርኢይቶ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኮይኑ ንዝተሸመ ዓርሱ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኢሉ ንዝጽዉእ ዝነበረ ኣቶ ሙስጦፋ ኣዘራሪብናዮ ነይርና።

ኣቶ ሙስጦፋ፡ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ከምዚ ዓይነት ርኢይቶ ክህብ ዝደለየ "ኣካል እቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለዉጢ ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለዝደሊ'ዩ። ኣቶ ጌታቸዉን ካልኦት ዉልቀ ሰባትን ዝፍጽሙዎ ዝነበረ ምቅላዕ "ተኣማንነት ከትርፈለይ'ዩ" ዝብል ስልሒት ሒዙ ዝገበሮ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝለዓል ክልተ ሰሙን ሓሊፉ ኣሎ።

ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ካብ ሓላፍነት ስርሑ ምስተልዓለ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣቶ ኣሕመድ ኣብዲ ሼክ መሓመድ (ኤልካስ) ፕረዝደንት ኮይኑ ተሸይሙ ነይሩ።