እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ኲናት ዩክረይን ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ከስዕብ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ
ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዓለምለኻዊ ሕጽረት መግቢ ከጋጥም'ዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬስ፡ እቲ ኲናት ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት፡ ኣብ ድኻ ሃገራት ዘጋጠመ ሕጽረት ውሕስና መግቢ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ደይቡ ኣሎ ኢሉ።
ወሲኹ፡ ምህርቲ ሰደድ ዩክረይን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ እንተዘይተመሊሱ፡ ዓለም ንዓመታት ክዘልቕ ዝኽእል ዓጸቦ ከጋጥማ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ልዑል መጠን ዘይቲ ሱፍ ከምኡ'ውን ከም ስርናይን ዕፉንን ዝበሉ ምህርታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ሰደድ ዝግበረሎም ዝነበሩ ወደባት ዩክረይን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣገልግሎት ይህቡ የለውን።
እዚ ድማ፡ ዓለምለኻዊ ቀረባት ክንኪ ከምኡ'ውን ዋጋታት ሓለኽቲ ክንህር ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ከም ዝብሎ፡ ዓለምለኻዊ ዋጋ መግቢ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጽር እንከሎ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ'ዩ።
ኣንቶኒዮ ጉተረስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ፡ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጥን ለበዳ ኮቪድን ተወሲኽዎ፡ "ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ንሕጽረት ውሕስና መግብን ንእኡ ስዒቦም ዝመጽኡ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ፣ ጥምየትን ዓጸቦን ከቃልዕ" ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ብሓባር እንተሰሪሕና፡ ሕጂ ኣብ ዓለም እኹል መግቢ ኣሎ'ዩ። እዚ ጸገም ሎሚ እንተዘይፈቲሕናዮ ግን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዓለምለኻዊ ሕጽረት መግቢ ክንርኢ ኢና" ኢሉ።
ፍርያት መግቢ ዩክረይን እንከየወሃሃድኻ ውጽኢታዊ ፍታሕ ቅልውላው መግቢ ምምጻእ ኣይክኣልን ክብል ዘጠንቀቐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እቶም ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርቡ ሩስያን ቤላሩስን ዘፍርይኦም ድኹዒታት'ውን ኣብ ግምት ክኣትው ከም ዘለዎም ሓቢሩ።
ምህርታት ሰደድ ናብ ንቡር ቦታኦም ንምምላስ ምስ ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ'ውን ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን "ጽዑቕ ርክብ" ከም ዝነበሮ'ውን ገሊጹ።
ወሲኹ፡ "እቲ ዝተሓላለኸ ጸገማት ድሕነት፡ ቁጠባን ፋይናንሳዊ ጉዳያትን ሰናይ ፍቓድ ኩሉ ወገን ይደሊ'ዩ" ኢሉ።
ባንኪ ዓለም፡ ጸገም ውሕስና መግቢ ንምፍታሕ ንዝሕግዙ ፕሮጀክታት ዝውዕል ተወሳኺ ሓገዝ 12 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝገብር ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ።
ሩስያን ዩክረይንን 30 ሚኢታዊት ቀረብ ስርናይ ዓለም ዘፍርያ ኮይነን፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ዩክረይን ወርሓዊ 4.5 ሚሊየን ቶን ፍርያት ሕርሻ ሰደድ ትገብር ነይራ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ ግን፡ ምህርቲ ሰደድ ተዀሊፉ ዋጋታት ንሂሮም። ብቐዳም ህንዲ ሰደድ እትገብሮ ስርናይ ጠጠው ድሕሪ ምባላ'ውን ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩክረይን ካብቲ ሕሉፍ ዘመነ ምህርቲ ዝተኣከበ ኣስታት 20 ሚሊዮን ቶን እኽሊ ምህላው ብምሕባር፡ እዚ ናብ ዕዳጋ ክዝርጋሕ እንተኽኢሉ እቲ ጸቕጢ ከፍኩሶ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ቅድሚ ወራር ሩስያ'ውን እንተኾነ ቑጽሪ ብሕጽረት ውሕስነት መግቢ ዝጥቅዑ ሰባት ይውስኽ'ኳ እንተነበረ፡ ሩስያ ግን እቲ ኩነታት ክጋደድ ትገብር ኣላ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ጀርመን ከሲሱ።
"ሩስያ ናይ እኽሊ ኲናት ከፊታ ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ተስዕብ ኣላ። እዚ ኽኣ ሚሊዮናት [ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን] ንሓደጋ ጥምየት ተንጸላልዮም ኣብ ዘለውሉ ግዜ'ያ ትገብሮ ዘላ" ኢሉ።