እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ንሕሱም ጥሜት ተቓሊዖም -ኦክስፋም
ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ዝፈጠሮ ወሰኽ ዋጋን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 28 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከም ዘንጸላለዎም ኦክስፋም ኣፍሊጡ፡፡
ሃገራት ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ 40 ዓመታት ዘይተርኣየ ደርቂ ከም ዘጋጠመን ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ደቡብ ሱዳን እውን ብዕልቕልቕ ከም ዝተጠቕዐት ኣፍሊጡ፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦኡ ናብ ኲናት ዩክረይን ከም ዝዞረ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ዕሽሽ ክበሃል ይገብሮ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቅልውላው ዝሃቦ ምላሽ ‘‘ብዘሕዝን ኩነታት’’ ካብቲ ትጽቢት ዝተገበሮ ንታሕቲ ከም ዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ንምሕጋዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ጻውዒት ሰብኣዊ ሓገዝ 3 ምኢታዊት ጥራሕ ከም ዝቐረበ ኣፍሊጡ፡፡
ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ከም ዘሎ ዝሓበረት ፈጻሚት ስራሕ ኦክስፋም ጋብሪኤላ ቡቸር ‘‘ዋላ ኣብዚ ወርሒ ዝናብ እንተኣርከበ፡ ሎሚ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዳኣ ዘይተወሲዱ ሙሉእ ሕውየት ዳርጋ ዘይከኣል እዩ’’ ኢላ፡፡
‘‘ጎንጺ ዩክረይን ኣብ ዓለም ለኻዊ ስርዓት መግቢ ዘውርዶ ሳዕቤን፡ ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ዝበጽሕ እዩ፡፡ ድኻታትን ተቓላዕትን ህዝቢታት ግና ካብቶም ብቕልጡፍን ብኸቢድን ዝጉድኡ እዮም’’ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ፡፡
መግለጺ ኦክስፋም ከም ዝሕብሮ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 9 ሚኢታዊት ስርናይ ካብ ሩስያን ዩክሬን እየን ዝገዝኣ ነይረን፡፡
ሕጽረት ምግብን ማይን ኣብ ልዕሊ ከብቱ ጸቕጢ ይፈጥር ከም ዘሎ ሓደ ሓረስታይ ይገልጽ፡፡
ኣብ ግዝኣት ዋጂር ኬንያ ዝነብር እዚ ኣሕመድ ማሕሙድ ዑመር ዝተባህለ ሓረስታይ ‘‘ብሰንኪ ድርቂ ኣእዱግና ሃሊቖም እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ጋሪ ንምጉታት ድኹማት እዮም’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
‘‘ብዛዕባ ስድራይ ዝበልዕዎ፤ ቀጻሊ እንበልዖ ምግቢ ካበይ ክመጽእ ይኸውን? ንመዓልቲ ሓንቲ ጀሪካን ማይ ክንረክብ'ዶ ንኸውን? እናበልኩ ይሓስብ’’ ክብል ይቕጽል፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘጋጠመ ሓያል ድርቂ ብኣሻሓት ዝቑጸራ እንስሳት ከም ዝቐተለ ዝተገለጸ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ገይሩ እዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ ንዩክሬን ካብ ትወርረ ጀሚሩ፡ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዋጋታት ምግብን ፀዓትን ኣዝዩ ገዚፍ ወሰኽ ኣጋጢሙ ኣሎ።
ማእከል ምርምር ኣመሪካ (Center for Global Development) ዝተባህለ ሙሁራት፡ ምንሃር እዚ ዋጋታት ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ናብ "ሕሱም ድኽነት" ከጥሕሎም ከም ዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቶም ሙሁራት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሕርሻዊ ንግዲ ዝነበራ ዕዙዝ ግደ ድማ ብንፁር ዘቐመጠ ኮይኑ ናብ መላእ ዓለም ካብ ዝቐርብ ስርናይ እቲ 29 ሚእታዊት ብሩስያን ዩክሬንን ዝቐርብ ምንባሩ ኣፍሊጡ እዩ።