እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክሬን፡ 'ወደይ ንጽባሕ ክኾነና እናበለ መግቢ ይሓብእ'
ኣብታ ብወተሃደራት ሩስያ ተኸርዲና ዘላ ዩክሬናዊት ከተማ ማሪዩፑል ዝርከቡ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ዝስተ ማይን ነዳድን የብሎምን።
ሓገዝ ንምብጻሕን ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ንምውጻእን ኮሪደር ንምኽፋት ዝተደገበሩ ተደጋጋሚ ጻዕርታት'ውን ፈሺሎም እዮም።
እቶም ዕድል ቀኒዑዎም ካብታ ከተማ ዝወጽኡ ክኣ፡ ስቓዮም ብኡ ኣየብቅዐን፤ ብፍላይ ንደቆም።
እዞም ሰባት፡ ካብታ ዝነብሩላ ከተማ ምስ ወጽኡ መጀመርታ ዝገበርዎ ነገር ማይ፣ ሕብስትን ግዕዝም መሳሊ ዝተጠቕለለ ስጋን እዮም ገዚኦም።
ናዲያ ዴንሴንኮን ደቃን፡ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ውሽጢ እታ ዝተኸርደነት፣ ብተዳጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ከተማ፡ ብሰንኪ ደብዳብ ከቢድ ብረት መሳኹቱ ኣብ ዝዓነወ ገዝኣ ንሰለስተ ሳምንታት ጸኒሓ።
ሽዑ ውሑድ መግቢ እኳ እንተነበረን ዝስተ ማይ ግን ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይነበረን።
ናዲያ፡ ምስ'ቶም 14 ከምኡ'ውን 5 ዓመት ዝገበሩ ኣወዳትን 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓላን ብተዛማዲ ውሑስና ናብ እትረኽበሉ ቦታ ምስ በጽሐት፡ "ዕሹግ ማይ ምስ ረኸብና ኣዚና ተሓጒስና፤ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ወዲእናዮ" ትብል።
"እቲ ኲናት ክጅምር እንከሎ፡ ንኡሽቶ ወደይ 'ኣደይ፡ ሕብስቲ ምደለኹ' ኢሉኒ" ኢላ።
ኣብ ውሽጢ ማርዩፑል፡ ንመዓልታት ድልዱል መናድቕ ኣብ ዘለዎ መተሓላለፊ'ዮም ተጸጊዖም ኣሕሊፎምዎ፤ ለይቲ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት።
ሓሓሊፉ ካብ ቐረባ፣ ሓሓሊፉ ድማ ካብ ርሑቕ ብዝስማዕ ደብዳባት ክድቅሱ ኣይኽእሉን ነይሮም።
"ገሃነም'ዩ፤ ገሃነም። ንጉሆ ብህይወት ከም እንተርፍ ከይፈለጥና ኢና ንነብር ነይርና" ትብል ጓል 39 ዓመት ናዲያ።
ማሪዩፑል፡ ሩስያ ንዩክሬን ካብ እትወራ ኣትሒዙ ብእትፍጽሞም ዘላ መጥቃዕታት እቲ ዝኸፍአ ሓደጋታት ርኢያ እያ።
ነታ ከተማ ዝኸበቡዋ ወተሃደራት ብዘይምሕረት ብኣየር፣ ብምድርን ብባሕርን ብዝፍጽሙዎ ዘለው መጥቃዕቲ፡ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም'ዮም።
ጎደናታት፣ ህንጻታት መብዛሕትኦም ዓንዮም።
"ከቢድ ደብዳብ'ዩ ዝፍጸመና ነይሩ። ዝኾነ ነገር ኣይግድሶምን . . . ወደይ ብተደጋጋሚ 'እዚ እንታይ'ዩ?' እናበለ ይሓተኒ። 'ኣጂኻ ዝወደይ፡ ኣይትጨነቐ። ስቕ ኢሉ ርችት'ዩ' ይብሎ" ትብል ናዲያ።
ናዲያ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ነበርቲ እታ ዝርካቦም ንምክፋል ኣብ ጎደና ወጺኦም መግቢ ይሰርሑ ነይሮም።
"ካብ ኣብ ውሽጢ ገዛ: ኣብ ደገ ይውዒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ደገ ነሕልፎ ነይርና" ኢላ።
ካብታ ከተማ ንክወጽኡ ክልተ መዓልቲ ምስ ተረፎም ግን ዋላ ሓደ ዝብላዕ ኣይነበሮምን።
"ገንዘብ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ፡ ኣብታ ከተማ መግቢ ዝብሃል ኣይነበረን" ትብል።
"ካብታ ከተማ ምስ ወጻእና ሓደ ሕማቕ ነገር ርኢና" ዝበለት ናዲያ፡ እቲ ደብዳባት ይቕጽል ስለ ዝነበረ ሓንቲ መኪና ከም ዝተሃረመት ትገልጽ።
እቲ መራሒ መኪና፡ ካብታ ከተማ ስድርኡ ከውጽእ ዝጽዕር ዝነበረ ወተሃደር ኮይኑ ርእሱ ተሃሪሙ። ንሳን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን ናብ ሓደ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐ ገዛ ድሕሪ ምውሳድ፡ ሓንቲ፡ ሓኪም ዘይኮነት መንእሰይ፡ ናይ ሕክምና ዘይኮነ መርፍእን ፈትልን ተጠቂማ ሰፊያትሉ።
"እዚ ኹሉ ሓሊፍና ምስ መጻእና፡ ወደይ 'ክቐትሉና ድዮም ደልዮም?' ኢሉ ሓቲቱኒ። እንታይ ክብሎ? ኣይፈልጥን" ትብል።
ድሕሪ መዓልታት ብ17 መጋቢት ካብታ ከተማ ክትወጽእ ክኢላ። ብሰንኪ ብዝሒ መካይንን ምጭንናቕ መገድን ናብ ሊቪቭ ንክትበጽሕ ሓሙሽተ መዓልታት ወሲዱላ። ግን ኣብኡ'ውን ሩስያ መጥቃዕቲ ትፍጽም እያ ዘላ።
ኣብዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ምህላዋ ካብ ዘርእዩ ነገራት እቲ ሓደ ንመዓልታት ክቕጽል ዝኽእል ድምጺ ደብዳብ ኣየር እዩ።
"ኣብዚ ድሓን ኢና፤ መግቢ'ውን ክንገዝእ ንኽእል። ወደይ ግን ሕጂ'ውን መግቢ፣ ካራመላ ይሓብእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እቲ ዝዓረፍናሉ ገዛ'ዩ ዝሓብኦ" ኢላ።
ንምንታይ? ኢላ ክትሓቶ እንከላ 'ጽባሕ ዝበልዖ ንክህልወኒ' ይብላ።
ናዲያ፡ ደቃ እቲ ዝሓለፉዎ ክሰግሩዎ'ዮም ኢላ ተስፋ ትገብር። እታ ሕውስቲ ዝነበረት ጓላ ግን ክሳብ ሕጂ ምስ ሰባት ክትቀራረብ ከም ዘይክኣለት ገሊጻ።
ሓደ መዓልቲ ናብ ማሪዩፑል ክትምለስ እያ ትደሊ።
"ከተማና ኣዕኒዮምዋ'ዮም፤ ዝተረፈ ነገር የለን . . . እናዓምበበት፣ እናዓበየት ዝነበረት ከተማ እያ" ኢላ።