ኲናት ዩክሬን፡ ሓሙሽተ ብድሆታት ባይደን ኣብ ኣውሮጳ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ምዕራብን ሎሚ ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝምልከት ክዘራረቡ እዮም።

እዚ ኣኼባ መራሕቲ ኔቶ፣ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኤውሮጳን ዘካይዱዎ ኮይኑ፡ ፕሬዝደንት ባይደን ኣብ ሰለስቲኦም ክሳተፍ እዩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ጥምረት ምክልኻል ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ- ኔቶ -ሓድሽ ናይ ዕላማ ስምዒት ከሕድር ገይሩ'ዩ።

ብተወሳኺ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሩስያ ዘለዎ ርክብ ክበትኽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን ምስ ኣመሪካ ካልኦት ርክባት ንምፍጣርን ንምጥንኻርን ክሰርሕ ይርኣይ ኣሎ።

ፕሬዝደንት የክሬን ቮሎድሚር ዜለንስኪ ኣብ ኣኼባታት ኔቶን መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ብማንዛ ክሳተፍ እዩ።

30 ፕሬዝደንታትን ቀዳማይ ሚኒስትራትን ኔቶ ንዩክሬን ኣብ ዝህቡዎ ሓገዝን ሓድሽ ምውፋር ሰራዊትን ክሰማምዑ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ እቲ ጥምረት ብቐጥታ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ኢዱ ከም ዘይሓውስ ግልጺ ገይሩ'ዩ።

ጆ ባይደን ግን ኣብዚ ናይ ኤውሮጳ ጉዕዝኡ፡ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ሓሙሽተ ቀንዲ ብድሆታት ኣለው።

ጽኑዕ ሓድነት ምርግጋጽ

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅመር ንደሓር ዛጊድ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ መፈለምታ፡ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ኣውሮጳ ንቕድሚት ክትስጉም ከም እትኽእል ኣርእያ እያ።

ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ማሕለኻታት ድማ ዋላ ንግዚኡ ይምሰል 'ምበር ዝተኣለዩ ይመስሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ኲናት ወዓል ሕደር ብዝበለ ቁጸሪ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምስምማዕ በርቲዑ ናይ ምምጻእ ተኽእሉኡ ዓቢ እዩ።

ባይደን፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ምድንፋዕ ግዝያዊ ዘይኮነስ ነቲ ኣፍጢጡ ዝመጽእ ዘሎ ብድሆ ብሕታዊ ፍታሕ ከም ዝኾነ ንመሓዝቱ ከእምኖም ክኽእል ኣለዎ።

ከቢድ ቅልውላው ስደተኛታት

ዛጊድ፡ ነቲ ካብ ኲናት ዩክረይን ዝፈስስ ዘሎ ስደተኛ ፖላንድ እያ ተሰኺማቶ እትርከብ።

ዶባታታ ንሚልዮናት ስደተኛታት ክፉት ምግባራ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘስዕቦ ጽልዋ ቀሊል ኣይኸውንን

ድሮ'ኳ ጸቕጢ ክፈጥረላ ጀሚሩ ኣሎ።

ምናልባት ጉዳይ ስደተኛታት ብውሕሉል ኣገባብ እንተዘይተታሒዙ፡ ነታ ሃገር ናብ ማሕበራዊ ቅልውልው ክወስዳ ይኽእል፤ ቁጠባዊ ዘይምርጋግእን'ውን ከስዕበላ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

እታ ሃገር ኣባል- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኮይና ክትቅጽል ከም እትኽእል ምርግጋጽ ድማ፡ ንኣመሪካ ዘሻቕላ ጉዳይ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ፍታሕ

ኣመሪካ ኣብ ኲናት ዩክሬን፡ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ዘመናዊ ሚሳይላትን ወተሃደራዊ ስርዓት ምክልኻልን ክተቕርብ ምዃና ገሊጻ'ኳ እንተበረ ዛጊድ ኣፋዊ መጽበዓ ኮይኑ ዝተረፈ ይመስል።

ብፍላይ እቲ ዘመናዊ ዝበሃል መቃወሚ ኣየር [ኣንጻር ነፈርቲ ውግእ] እንተሰዲዳ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ብኸመይ ምላሽ ትህብ ዝብል ንኣመሪካ የሻቕላ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ገዘፍቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን ምግዓዝ ብዘይካ ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣውሮጳ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ፍኖተ-ካርታ እገዳ

ኣዝዮም ከበድቲ ዝበሃሉ ካብ ኣመሪካን ፈተውታ ሃገራት ኣውሮጳን ዝተነብሩ እገዳታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ወራር ኣብ ምቕልባስ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረዩን ምባል ይከኣል።

እቲ ወራር ጠጠው ምባል ኣይተኽኣለን።

እቲ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ፡ ቀስ ብቐስ ጽልዋ ከሕድርን ንሩስያ ከዳኽማን ግን ትጽቢት ይግበር።

ሳዕቤን እቶም እገዳታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሓየለ ዝሓድር ከም ዝኾነ እዩ ዝእመን።

እንተኾነ፡ ኣመሪካ ነተን መሓዙት ሃገራት ኣእሚንካ፡ ነዚ ወራር ብቕልጡፍ ኣብ ምክልኻል ከምኡ'ውን ካልእ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ተጠቒምካ ንሩስያ ኣብ ምቕጻዕ ጸቕጢ ዘሎ ይመስል።

ጉዳይ ቻይና

ኣመሪካ ኮነ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ቻይና ንርእሳ ካብ ሩስያ ክተርሕቕ ንምእማን ካልእ ዝተዋደደ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

እንተተኻኢሉ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኸፍተ ወራር ካብ ልቢ ክትኩንኖ ምእማን የድሊ።

ቻይና ንሩስያ ብቕሉዕ ክትሕግዝ እንተፈቲና ግና፡ ኣብ ልዕሊኣ ክንበር ዝኽእል እገዳ ድሮ'ኳ ቁጠባኣ ክጻወሮ ከም ዘይኽእል የርኢ ኣሎ።

እንተኾነ ሩስያ፡ ኣብ መጻኢ ዓለማዊ ቁጠባዊ ጉባኤ ጉጅለ-20 ክትሳተፍ ኣለዋ ኢላ ቅዋም ምሓዛ፡ ዛጊድ መርገጺ ቻይና ከም ዘይነጸረ ዘመልክት እዩ።

እዚ ብዙሕ ሓበራዊ ድኻም ዝሓትት ከም ዝኸውን'ውን የመልክት።