ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝሓዙዋ ከተማ ዩክሬን ኬርሶን፡ ዝተሸበሩ ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ

ወደባዊት ከተማ ዩክሬን ኬርሶን ሓይልታት ሩስያ ካብ ዝሕዙዋ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ኮይኑዋ ኣሎ።

ኣብ'ዛ ከተማ ዝርከቡ ኣስታት 100 ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ድማ ካብታ ከተማ ንምውጻእ ሓገዝ ንክግበረሎም ይምሕጸኑ ኣለው።

ንመዓልታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነጹ መጽንሒ ቦታታት ተሓቢኦም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እዚኦም እንትርፎ ዛሕሊ መውዓዪ ወይ ሙቐት ዘይብሎምን መድሃኒት ብቐረባ ንምርካብ ኣጸጋሚ ዝኾኑን እዮም።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ተመሃሮ ይንገላትዑ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ። ሓደ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ተመሃራይ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ "ዘሰንብድ" ድምጺ ተኹሲ ከም ዝስምዖም ተዛሪቡ።

ድምጺ ቦንባን ወተሃደራዊ ነፈርትን እውን ይርብሾም ኣሎ።

እቶም ተመሃሮ ዝሰምዑዎ ድምጺ ሓይልታት ሩስያ ንከባቢታት ደቡብ ምዕራብ ዩክሬን ንምቁጽጻር ዝገብሩዎ ውግእ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምስፋሕ ሩስያ ዝቃወሙ ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ይትኩሱ ኣለው።

መንግስቲ ናይጄሪያ ግዜ ከይወሰደ ካብታ ሃገር ንከውጽኦም ናይጄሪያውያን ተመሃሮ ይሓቱ ኣለው።

ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ተመሃሪ "በጃኹም ካብዚ ኣውጽኡና ኢልና ንልምን ኣለና። ዘለናሉ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ" ክብል ብስልኪ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ናይጄሪያ ተመሃርኡ ንምውጻእ ጻዕሪ ይገብር ምህላው ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም ተመሃሮ ብሸነኽ ሩስያ ንክወጽኡ ነፈርቲ ይዳለዋ ከም ዘለዋ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ሩስያ ተዛሪቡ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ክሳብ ሕጂ እቶም ተመሃሮ ኣይወጽኡን። ብተወሳኺ ናብ ሩስያ ምኻድ የስግኦም እዩ።

ዘገታታት ካሜሩን፣ ጋና፣ ግብጺ፣ ቱኒዝያን ሞሮኮን ዝኾኑ ተመሃሮ'ውን ኣብታ ከተማ ይነብሩ'ዮም።

ኣብቲ ዝመሃርሉ ዩኒቨርሲቲ ውሑድ መግቢ እኳ እንተሃለወ ዝነበረ ትሕዝቶ ይውዳእ ከም ዘሎ ግን ይዛረቡ። ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ መግቢ ድማ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ይገልጹ።

ሓንቲ ተመሃሪት "እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሕጂ መግቢ የቕርበልና ስለ ዘሎ ብንጽጽር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኢና ዘለና" ኢላ።

ካልእ ተመሃሪ ድማ ነታ ከተማ ዝተቖጻጸሩ ሰራዊት ሩስያ ኣሕምልቲ፣ ሩዝ፣ ፓስታን ማይን ኣብ ህንጻታት መንግስትን ባቡርን የቕርቡሎም ከም ዘለው ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ ዩክሬናውያን መግቢ ክትቕበል እንተርእዮምኻ ምስ ሩስያ ትተሓባበር ምህላውኻ ስለ ዝቖጽሩዎ የስግእ እዩ።

"ዩክሬናውያን ሃገሮም ንምድሓን እናሞቱ ንሕና ከመይ ኢልና ናይ ሩስያ ሓገዝ ንቕበል? እዚ መግቢ ተቐበሉ ዝብሉና ሰባት እንሞተሉ መዓልቲ'ዮም ዘስልጡዎ ዘለው" ኢሉ እቲ ተመሃሪ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት መግብን ማይን የብጽሑ እኳ እንተሃለው፡ እዚ ክሳብ መዓዝ ከም ዝጸንሕ ኣይፍለጥን፤ ከቢድ ሕጽረት ማይ እውን ኣሎ።

እታ ወደባዊት ከተማ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ሩስያ ካብ ሞንጎ ዝወደቓ ናይ መጀመርታ ከተማታት ሓንቲ እያ።

ሓይልታት ሩስያ ነታ ከተማ ካብ ዝቆጻጸሩዋ ኣትሒዙ ግን ነበርቲ ተቓውሞ የካይዱ ኣለው።

"ናብዚ ሃገር ንትምህርቲ ኢና መጺእና። ሕጂ ግን ኣብ ኲናት ወዲቕና ኣለና። ዩክሬናውያን ኢዶም ከም ዘይህቡ ነጊሮምና እዮም። እታ ከተማን መላእ ሃገሮምን ከውሕሱ'ዮም ዝደልዩ" ክብል ሓደ ተመሃሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወተሃደራት ሩስያ መግቢ ናብታ ከተማ ንከይኣቱ ከም ዝኸልከሉ'ውን ገሊጹ።

ዕላማ ሩስያ፡ ሓይልታት ዩክሬን ናብታ ከተማ መግቢ ንምእታው ብዝብል ናብ ውግእ ከይኣትው ምግባር እዩ።

ሓንቲ ተመሃሪት "መዓልታዊ ቤተሰበይ ይድውሉ'ዮም፤ ግን ዋላ ሓደ ጽቡቕ ዜና ስለ ዘይብለይ ቴሌፎን ኣልዒለ ከዛርቦም የስግኣኒ'ዩ። ኣብ ቀረባ እንወጽእ እውን ኣይመስለንን" ኢላ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣዲኣ መዓልታዊ እናበኸየት ከም እትጽል'ውን ገሊጻ።

'ክትኩሱ ትእዛዝ ይወሃቦም'

እቶም ተመሃሮ ብጉጅለ ኮይኖም ጥራይ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ'ዩ።

ካብቲ ቀጽሪ ክወጽኡ እንከለው ድማ፡ እቶም ተመሃሮ ሰላመውያን ሰባት ምዃኖም ንሓይልታት ሩስያ ንምርኣይ ኣብ መንኮቦም ጻዕዳ ጨርቂ ክኣስሩ ከም ዘለዎም ተነጊሩዎም ኣሎ።

ሓይልታት ሩስያ፡ ካብ 'መስመር' ዝወጽአ ሰብ እንተርእዮም ንክትኩሱ መምርሒ ከም ዝተዋህቦም ሓደ ተመሃሪ ገሊጹ።

ኣብ ዩክሬን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያንን ኤዥያውያንን ተመሃሮ ይነብሩ ነይሮም።

መብዛሕትኦም ካብታ ሃገር ክወጽኡ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ትምህርቶም ቐጺሎም ኣለው።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ዩክሬን ኬርሶን ዝርከቡ ተመሃሮ ግን ኣብ መጻብብ እዮም ዘለው።

ገሊኦም ጨኪኖም ብታክሲ ክወጽኡ ፈቲኖም።

"ካብታ ከተማ ንምውጻእ ዝፍትኑ ተመሃሮ ህይወቶም ንሓደጋ እዮም ዘቃልዑ። ወተሃደራት ሩስያ እቶም ተመሃሮ ንክምለሱ ብትሕትና ይዛረቡ'ዮም። ገሊኦም ግን ብጭካነ ይትኩሱ" ክትብል ሓንቲ ተመሃሪት ንቢቢሲ ገሊጻ።