እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን ፦ ሩስያ እንታይ ወተሃደራዊ ጌጋታት እያ ገይራ?
ሩስያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝዓበያን ዝሓየላን ወተሃደራዊ ዕጥቂ ዘለወን ሓይልታት እኳ እንተ ኰነት ፡ ኣብዚ ንዩክረይን ዝወረረትሉ እዋን ግን ሓይላ ኣይተራእየን።
ብዙሓት ተንተንቲ ሰራዊት ምዕራብ፡ በቲ ሓይልታታ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘርኣይዎ ገስጋስ ገሪምዎም ኣሎ። ሓደ ካብኣታቶም እውን "ዘሕዝን’ዩ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ ።
ሩስያ ወተሃደራዊ ዕቤታ ኣዝዩ ኣደናቒ እዩ ዝመስል፤ ይኹን እምበር ከምቲ ዝግመት ክግስግስ ኣይከኣለን፡፡ ምናልባት እውን ካብቲ ዛጊት ዝወረዶ ዕንወት ንክሓዊ ግዜ ከምዘድልዮ ይዛረቡ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኔቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሩስያውያን ዛጊት ሸቶታቶም ኣይወቕዑን ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ዝሓሰቡዎ ዝበጽሑዎ ኣይመስልን” ክብል ተዛሪቡ።
እሞ ደኣ እቲ ጌጋታት እንታይ እዩ? ብዛዕባ እቲ ሩስያ ዝገበረቶ ጌጋታት፡ ንላዕለዎት ወተሃደራውን ጸጥታውን ሰበ ስልጣን ምዕራብን ኣዘራሪበዮም ኣለኹ።
ግጉይ ግምታት
እቲ ሩስያ ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ጌጋ፡ ንሓይልን ተጻዋርነትን ሓይልታት ዩክረይን ኣትሒትካ ምርኣይ እዩ። ሩስያ፡ ንምክልኻል ዓመታዊ ልዕሊ 60 ቢልዮን ዶላር ባጀት ትጥቀም፤ ዩክረይን ግን ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ባጀት ጥራሕ እያ ትስልዕ። እቲ ገንዘብ ክነጻጸር እንከሎ ገፊሕ ፍልልይ ኣለዎ።
ሩስያን ብዙሓት ወተሃደራዊ ኪኢላታትን ንዓቕምን ዕጥቅን ሓይልታት ሩስያ ካብ መጠን ንላዕሊ አዕብዮም እዮም ክርእዩዎ ጸኒሖም። ፕረሲደንት ፑቲን ሰራዊቱን ዕጥቁ ንምዝማን ክሰርሕ ስለዝጸንሐ ንሱ ንባዕሉ እውን በቲ ናይ ምዝማን ኔትዎርክ ፕሮግራም ኣሚኑ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ብሪጣንያ፡ ሩስያ ኣብ ፈተነን ምድልዳል ኑክለየሳዊ ኣጽዋርን ከም ሃይፐርሶኒክ ዝኣመሰለ ሓደስቲ ኣጽዋር ኣብ ምምዕባል ከተውፍር ከምዝጸንሐት ገሊጹ።
ሩስያ ኣብ ዓለም ኣዝያ ዝማዕበለት T-14 ኣርማታ ዝተባህለት ታንክ ከምዝሰርሐት እዩ ዝንገር። ኣብ ምርኢት መዓልቲ ዓወት ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ እኳ እንተተራእየት ኣብዚ ውግእ ግን ኣይተሰለፈትን።
መብዛሕትኡ፡ እተን ሩስያ ኣብዚ ወራር ዘሰለፈተን ብዕድመ ዝደፍኣ ቲ-72 ዝዓይነተን ታንክታትን ወንጨፍቲ ሮኬታት መዳፍዕን እዩ።
ኣብቲ ወራር ዝጀመረሉ ሩስያ ኣብ ሓይሊ ኣየር ርኡይ ጽብለልታ ነይሩዋ። ኣብ ከባቢ ዶባት ኣብ ዝነበረ ወፍሪ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ንሓይሊ ኣየር ዩክረይን ብልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ይበልጾ ነይሩ።
ወተሃደራውያን ተንተንቲ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ልዑል ብልጫ ክህልዎ እዩ ዝብል ግምት ነይሩዎም ብግብሪ ግን ከምኡ ኣይኮነን።
ናይ ዩክረይን ጸረ ነፈርቲ ሓይልታት ንጸብለልታ ኣየር ሩስያ ኣምኪኑዎ እዩ።
ሞስኮ፡ ፍሉይ ሓይልታት ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ እዩ ዝብል ግምት እውን ነይሩዋ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምዕራባውያን፡ ሩስያ ከም ስፐትዝናታዝ ቪዲፒን ዝኣመሰሉ ፈኰስቲ ርእሰ ኵናት ብረትን ኣጋር ሰራዊትን ብምውፋር ነቶም ሒደት ተኸላኸልቲ [ዩክረናውያን] ኣጥፊኣ ክትውድኦ እያ ሓሲባ።
እንተኾነ፡ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት መዓልታት፡ ሄሊኮፕተራታ ካብ ኪየቭ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሆስቶሜል ከጥቅዓን ኣየር ወለድን ናውትን ዕጥቅን ከምጽኣ ምስ ፈተና መከላኸሊ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ኣየስረሐንን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
በንጻሩ ሩስያ ንኩሉ ኣጽዋራታን ዘድልያ ነገራት ብመገድታት ኸተጐዓዕዝ ተገዲዳ። እዚ ከኣ፡ ነዊሕ ምጭንናቕ ትራፊክን ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዝጥዕሞም ሓናቒ ቦታ ብምድባይ ብቐሊሉ ንከጥቅዑ ዕድል ሂቡዎም። ኣብ ርእሲኡ እቲ ገሊኡ ከቢድ ኣጽዋር ካብ መገዲ ስሒቱ ወጺኡ። በዚ ከኣ እቲ ቃፍላይ ኣብ መገዲ ተገቲሩ ተሪፉ።
በዚ ከኣ እቲ ብሰሜን ዝኣተወ ነዊሕ ቃፍላይ ኣጽዋር ሩስያ ብሳተላይት ክረአ እንከሎ ገና ንኪቭ ከኽብባ ኣይከኣለን።
ገና ኣይዓጸዎን ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለታት ዘምጸአ እቲ ብደቡብ ዝመጽአ ሓይሊ ኰይኑ፡ ንዕጥቅን ሎጂስቲክን መስመራት ባቡር እዩ ተጠቒሙ።
ጸሓፊ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ በን ዋላስ ሓይልታት ፕረዚደንት ፑቲን ከም ዝሓሰቡዎ ኣይኮነሎምን ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። [ሓይልታቱ] "ተዓጊቶም እዮም ዘለዉ ፡ ገስጋሶም ዝሑል እዩ ብዙሕ ጕድኣት እውን የጋጥሞም ኣሎ" ኢሉ።
ክሳራን ውድቀት ሞራልን
ሩስያ ኣብዚ ወራር ኣስታት 190,000 ወተሃደራት እያ ኣሰሊፋ ነይራ። መብዛሕትኦም ከኣ ኣብቲ ውግእ ክሳተፉ ድሉዋት እዮም። እንተኾነ ዛጊት ኣስታት 10% ካብቲ ሓይሊ ጉድኣት በጺሑዎ ኣሎ።
ብወገን ሩስያን ዩክሬንን ንዘጋጠመ ክሳራን ዕንወትን ብዝምልከት ዘተኣማምን ኣሃዛት የለን። ዩክረይን፡ 14,000 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝቐተለት እያ ትዛረብ ኣመሪካ ግን ፍርቂ እቲ ቝጽሪ ክኸውን ከምዝኽእል ትግምት።
ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን፡ ኣብ ሰራዊት ሩስያ ናይ ሞራል ውድቀት ከምዘሎ ይዛረቡ። ካልእ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት እቲ ናይ ወራር ትእዛዝ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ቤላሩስን ሩስያን ንሰሙናት ዝኣክል ኣብ ውርጪ በረድ ብድኻምን ጥሜትን ከምዝተሃስዩ ይዛረቡ።
ሩስያ ነቲ ዘጋጠማ ጸገማት ንምሽፋን ካብ ምብራቕ ሩስያን ኣርሜንያን ከይተረፈ ካብ ዑቑር ሰራዊታ ከተንቀሳቕስ ተገዲዳ ኣላ።
ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሶርያ ኮነ ካብ ጉጅለ ዋግነር ዝመጹ ብገንዘብ ዝዕሰቡ ተዋጋእቲ ክኣትው ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት የብሎምን። ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኔቶ ፡ እዚ ናይ ምጭንናቕ ምልክት እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ናውትን ሎጂስቲካዊ ቀረብን
ሩስያ መሰረታዊ ነገራት ከተቕርብ ኣይከኣለትን ዘላ። ወተሃደራዊ ሞያውያን ብዛዕባ ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ከጽንዑ እንከለዉ፡ እቶም ተልመዴን ግን ብዛዕባ ስልቲ ኵናት ይዛረቡ ዝብል ናይ ቀደም ወተሃደራዊ ኣበሃህላ ኣሎ። ሩስያ ንሎጂስቲካዊ ቀረብ እኹል ግምት ከም ዘይሃበት ዘርኢ መርትዖ ኣሎ።
መዳፍዕ ዝጻዓና መካይን ሕጽረት ነዳዲ ከምኡ እውን ዋሕዲ መግብን ተተኳስን ኣጋጢሙ ኣሎ።
ጉዕዞ ክቕጽላ ዘይከኣላ መካይንን ተሽከርከርትን ብትራክተራት ዩክረይን ተሳሒበን ይውሰዳ ኣለዋ።
ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን እውን ሩስያ ናይ ገለ ብረት ተተኮስቲ ሕጽረታት ኣጋጢሙዋ ከምዝኸውን ይኣምኑ።
ገለ ብረት ገለ ምፍንታት ትወድቕ ከም ዘላ ይኣምኑ። ድሮ ካብ 850 ክሳብ 900 ዝኸውን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ብቐረባ ክትካእ ዘይክእል ናይ ተመራሒን ክሩዝ ሚሳይላት ቦምባታት ተተኵሲ ከምዘሎ ይኣምኑ።
በዚ ከኣ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ሩስያ ንገለ ካብቲ ኣጋጢሙዋ ሎ ሕጽረት ተተኮስቲ ንምምላእ ናይ ቻይና ሓገዝ ሓቲታ ከምዘላ ኣጠንቂቖም ኣለዉ ።
ብኣሜሪካ ዝተኣወጀ ናይ ምክልኻል ደገፍ ነቲ ናይ ስዊችብደ "ካሚካዘ" ሰርሰርቲ ከጠቓልል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ።
ብኣንጻሩ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ብቐጻሊ ወተሃደራዊ ሓገዝ የውሕዛላ ስለዘለዋ ሞራላ ክብ ኢሉ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ምክልኻል ዝውዕል ተወሳኺ 800 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ ።
ብዘይካዚ ፡ ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርትን ሚሳይላት፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዊችብላድ፡"ካሚካዘ" ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብ መሬት ንዘለዉ ዒላማታት እትወቅዕ፡ ናእሽቱ ተተኳሲ ዝዓጠቐት ንእሽቶ ዓይነት ድሮናት ከምዘጠቓልል ተፈሊጡ ኣሎ።
ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን፡ ፕረዚደንት ፑቲን "ብጭካነ ብዕጽፍን” መጥቃዕቱ ክቕጽል ከም ዝኽእል የጠንቅቑ። ንከተማታት ዩክረይን "ንነዊሕ እዋን" ክድብድብ ዝኽእል እኹል ሓይሊ ብረት ከም ዘለዎ እውን ይዛረቡ ።
ሓደ ናይ ስለያ በዓል ስልጣን፡ ንፕረዚደንት ፑቲን እዚ ዝተገልጸ ዕንቅፋት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንድሕሪት ኣይክምለስን እዩ። ካልኦት ሰበስልጣን እውን ሩስያ ንዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ክትስዕራ ከም እትኽእል
እቲ ብዓል ስልጣን፡ ሓይልታት ዩክረይን ሓያል ተቓውሞ እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ንሳቶም እውን፡ "ኣብ መወዳእታስ ብተተኮስትን ብቝጽሪን" እውን ክደኽሙ ከምዝኽእሉን እኹል ደገፍ ክግበረሎም ከምዝግባእን ሓቢሩ። ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ እዩ ።