እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወራር ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ኣጠቓቕማ ፌስቡክ እገዳ ኣንቢራ
ሩስያ ኣብ ዩክረይን ወራር ትፍጽመሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሞስኮ ዝድገፉ ናይ ዜና ማእከናት ብዝሓዞ መርገጺ ምኽንያት ኣገልግሎት እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መላእ ሩስያ ድሩት ኮይኑ ምህላው ተፈሊጡ።
ተቖጻጻሪ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ሩስያ ሮስኮምናድዞር፡ እቲ መድረኽ ማሕበራዊ ሚድያ “ምሚያ ዘካይድን መሰልን ናጽነትን ሩስያውያን ዝግህስ’ዩ” ኢሉ።
ፌስቡክ ብወገኑ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሩስያ ዝመሓደሩ ማዕኸናት ዜና ዘቃልሕዎም ሓበሬታታት ትሕዝትኦም ምፍታሽን ምጽራይን ከምዘየቋርጾ ኣፍሊጡ።
እዚ ውሳነ ዝተሰምዐ ሩስያ ንዩክረይን ምስወረረት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ።
እንተኾነ እቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝተነበረ እገዳ ክሳዕ ክንደይ ከምዝኾነን ብወናኒ ፌስቡክ ዝመሓደሩ ከም እኒ ዋትስኣፕ፣ ሜሰንጀርን ኢንስታግራምን ዝኣመሰሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብቲ’ኸ ይትንክፎም ዶ ይኸውን? ዝብል ንጹር ኣይኮነን።
ተቖጻጻሪ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ሩስያ፡ ፌስቡክ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ብመንግስቲ ዝመሓደሩ ትካላት ሚድያ ዘንበሮ እገዳ ንኸልዕሎ ሓቲቱ። እንተኾነ ሜታ ንሕቶ መንግስቲ “ዕሽሽ” ከምዝበሎ ሓቢሩ።
ምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ሜታ፡ ኒክ ክሌግ ብግዲኡ “ሰበ ስልጣናት ሩስያ ብማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ዝፍነዉ ትሕዝቶታት ሻራዊ ብዘይኮነ መገዲ እንካይዶ ስራሕቲ ምርመራ ደው ክነብሎ ኣዚዞሙና ንሕና ግን ቅቡል ኣይገበርናዮን” ኢሉ።
ሩስያውያን ማሕበራዊ መራኸብታት ሜታ ምጥቃሞም ክቕጽልዎ ድልየት ሜታ ከምዝኾነ ግን እቲ ምክትል ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
ዜጋታት ሩስያ ሓሳባቶም ንምግላጽን ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ዝወስዶም ውዳበታት ንምፍጣርን መተግበሪታት ሜታ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ዝገለጸ ኒክ፡ ሜታ እዞም ዜጋታት ሓሳባቶም ምግላጾም ክቕጽልዎ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሩስያ ዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ነቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተገበረ ወራር “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ዝብል ስያመ ሂቦም ሰራዊት ሩስያ ናብ ዩክረይን ምጽግዑ እወንታዊ ምስሊ ኣትሒዞሞ እዮም።
ሜታ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ኣመልኪቶም ዝወጽኡ ሓበሬታታት ንምቁጽጻር ዘኽእሎ ፍሉይ ጉጅለ ዕዮ ከምዘዳለወ ሓቢሩ።
ሩስያ ምስ ፌስቡክ ዝወዳደሩ ቪኬን ኦድኖክላስኒኪን ዝተብሃሉ ማሕበራዊ መራኸብታት’ኳ እንተሃልውዋ ኣብታ ሃገር ሜታ ዘመሓድሮም ፌስቡክን ኢንስታግራምን ብዙሕ ተጠቃሚ ኣለዎም።
ሴናተር ኣመሪካ ማርክ ዋርነር ትማሊ ዓርቢ፡ ዩቱብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብታትን ኣብ ዝህብዎም ኣጎልግሎታት ዝጽሓፉ ነገራት ንረብሓ ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ይውዕሉ ከምዘየለዉ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከምዘለዎም ጠቒሱ።
ሜታ ግጉያት ሓበሬታ ንምጽራይ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝተፈላለዩ ጸቕጥታት ክግበረሉ ጸኒሑ’ሎ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ሮይተርስ ሓዊስካ ምስ ካልኦት ካብቲ ትካል ወጻእ ዝኾኑ መርመርቲ ሓበሬታ ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።
መንግስቲ ሩስያ ኣብ ጉዳይ ወራር ዩክረይን ብዝምልከት “ስኑዕ ሓበሬታ” ኢላ ኣብ ልዕሊ ዝሰየመቶም ጸብጻባት ደው ከብሉ ብምፍርራሕ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዘካይዶ ጸቕጢ ወሲኹ።
ትዊትር ብወገኑ ዘጣየሾም ጉጅለታት ድሕነት “መጋገይትን ስኑዓትን ዝኾኑ ሓበሬታታት ንምጉላህ ዝግበሩ ዘለዉ ፈተነታት ይከላኸሉ ኣለዉ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።