እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ዩክረይን፡ ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ጸግዒ ሩስያ ወሲዳ?
ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ዝነበረ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝዘተየ ህጹጽ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈላለየ መርገጺ ክወስዱ ተገዲዶም እዮም።
እቲ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ መጋባእያ፡ ሩስያ ንዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ሓይልታታ ብህጹጽ ካብ ዩክሬን ከተወጽእ ዝጽውዕ'ዩ።
ነቲ ውሳነ ደጊፈን ዘድመጻ 141 ሃገራት ዓለም ክኾና እንከለዋ፡ 5 ተቓዊመን፡ ገለ ድምጸ-ተዓቅቦ ገይረን፡ ከሊአን ድማ መርገጺአን ኣየነጸራን።
ካብ ሃገራት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኤርትራ ንበይና'ያ ጸግዒ ሩስያ ብምውሳድ፡ ኣንጻር እቲ ውሳነ ኣድሚጻ።
ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 28 ነቲ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ 17 ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን።
መርገጺ ኤርትራ
ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዋላ'ኳ ኤርትራ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገራት ክኽበር ትደሊ እንተኾነት ዲፕሎማስያዊ ዕድል ክዕጾ የብሉን ዝብል መርገጺ ከም ዘለዋ የነጽር።
"ኤርትራ ዝሃበቶ ድምጺ መርኣያ ናይቲ ንሰላም ዘለዋ ነቕ ዘይብል መርገጺ እዩ። ዝወሰደቶ መርገጺ ኣንጻር [ነቲ ጉዳይ] ዓለምለኻዊ መልክዕ ክህልዎ ምግባር ምርስሳን በይናዊ እገዳታት ምንባርን'ዩ" ክብል ወኪል ኤርትራ ነቲ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ ተዛሪቡ።
"ኤርትራ ንልኡላውነት፣ መሬታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን [ሃገራት] ከምቲ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ዝተደንገጉ ዘይቅየሩ መትከላት ምዃኖም ኣርጊጻ ትኣምን። ዘላቒ ሰላም ዓለም ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ኩሉ ከኽብሮ ዘለዎ'ዩ" ክብል ምክትል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣማኑኤል ጆርጆ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ዩክሬንን ሩስያን ዝቕጽል ዘሎ ዝርርብ ነቲ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ ድማ ሃገሩ "ንኹሉ ዓይነት ዘይሕጋውን ዘይሃናጽን በይናዊ እገዳታት ትቃዎሞ እያ" ኢሉ።
ክልቲኦም ወገናት "ንዘለዎም ፍልልያት ብምፍታሕ ንረብሓታቶምን ስክፍታታቶምን ዘውሕስ ውጽኢት" ዘለዎ ፍታሕ ክረኽቡ ኤርትራ ተስፋ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።
ዝተፈላለያ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ማእለያ ዘይብሉ ቁጠባዊ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢረን ኣለዋ።
ንቁጠባ ሩስያ ባይታ ክዘብጥ ንምግባር ድማ ተወሳኺ ማዕቀባት ንምግባር ይሰርሓ ከም ዘለዋ ኣጠንቂቐን።
ወኪል ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኣፍሪቃውያን ኣብ ዩክረይን ከም ዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ስደተኛታት ውሑስ መውጽኢ ክረኽቡ'ውን ተማሕጺኑ።
ድምጸን ዘይሃባ ሃገራት ኣፍሪቃ
ካብተን ድምጸ-ተዓቅቦ ዝገበራ ሃገራት፡ ብዕሱባትን ወተሃደራትን ሩስያ ዝድገፋ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ማሊን ይጥቀሳ።
ዩጋንዳ፡ ኣደመንበር ማሕበር ጸግዒ ዘይብለን ሃገራት (Non-Aligned Movement) ክትከውን ትዳሎ ስለ ዘላ "ዘይወገናውነት" ዝብል መርገጺ ተኸቲላ'ላ።
እቲ 120 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበር፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ናይቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቬትን ዝነበረ ደምበታት ጸግዒ ንዘይምውሳድ ዝቖመ'ዩ።
ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዝኾነ ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ዩጋንዳ ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
"ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ" ድማ ኢሉ ነይሩ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ መግለጺ ናይቲ ጀነራል "ዘይቅቡል'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ ነይሩ።
ካልእ ድምጸ-ተዓቅቦ ዝገበረት ኣገዳሲት ኣፍሪቃዊት ሃገር ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ።
ኣምባሳደር ሕረብት ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ስለ ምንታይ ነቲ መርገጺ ከም ዝወሰደት ኣብ ትዊተር ንዘቕረቦ ሕቶ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ክላይሰን ሞንየላ እቲ ሕብረት ድርብ መዐየሪ ይጥቀም ኣሎ ክብል መልሲ ሂብሉ።
ንኹነታት ፍልስጤም፣ የመን፣ ሶርያ፣ ሊብያን ሶማልያን ብምጥቃስ ድማ እቲ ሕብረት ንኻልኦት ወረርቲ'ውን ክኹንን ኣለዎ ኢሉ።
መርገጺአን ዘየነጸራ
ሸሞንተ ሃገራት ኣፍረቃ ምሉእ ብምሉእ ዝኾነ ድምጺ ካብ ምሃብ ተሓዪበን ኣለዋ።
ክልተ ካብአን፡ ቡርኪና-ፋሶን ጒኒን ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኸስተለን እየን።
እታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ'ውን ድምጻ ክትህብ ኣይደለየትን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኩሎም ወገናት ቅልውላዉ ዩክረይን ክሃድኡ ንጽውዕ" ኢሉ።
"ከም ማሕበረሰብ ዓለም ዝሓለፍናዮ ዘሕዝን ታሪኽ፡ ምስቲ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ዘርኣናዮ ዝላን ምዕባለን ንዓለምለኻዊ ዝምድናታትናን ዲፕሎማስን ዝመርሕ ኣገባብ ዝሕብር'ዩ።
"ዓለምለኻዊ ስኒት ክንፈጥር እናኸኣልና፡ ዲፕሎማሲ ምፍሻሉ ጠንቂ ምፍንቓል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባትን ምንዋጽ ዓለምን ክኸውን የብሉን" ክብል ገሊጹ።
ነቲ ውሳነ ዝደገፋ
ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ 28 ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ ንወተሃደራዊ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኮኒነን ኣለዋ።
ካብአን፡ ዓበይቲ ሃገራት ናይጀርያን ግብጽን፡ ከምኡ'ውን ኬንያ፣ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ጂቡቲን ሶማልያን ይጥቀሳ።
መብዛሕትአን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ጽቡቕ ርክብ ዘለውን'የን።