ኲናት ዩክረይን: ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ንሩስያ ደገፉ ዝገለጸ ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ነቒፉ

ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ዝኾነ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ምድጋፉ ኮኒኖም።

ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ዩጋንዳ ሌተናል ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

"ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ" ድማ ኢሉ ነይሩ።

ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መግለጺ ናይቲ ጀነራል "ዘይቅቡል'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

ዩጋንዳ ብወግዒ ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ እንተገሊጻ፡ ብንጹር ዘይጠቐሶ ሳዕቤን ክገጥማ ምዃኑ እቲ ኣውሮጳዊ ዲፕሎማት ዲዮንዝ ሆቸል ኣሚቱ።

"ነዚ መግለጺ ንኹንኖ። [እቲ ኩነታት] ተኣፋፊ ምዃኑ ክርድእዎ ንጽበ። ሃገራት ናይዚ ዞባ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን መሻርኽቲ ሃገራትን ብምውጋን፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ንዝኹንን እማመ ሕቡራት ክድግፋ ትጽቢት ንገብር" ድማ ኢሉ።

ጀነራል ሙሁዚ፡ ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ "ኣብ 1962 ሶቭየት ሕብረት ኣብ ኵባ ኑክሌር ዝለጎሙ ሚሳይላት ምስ ኣጻወደት ምዕራባውያን ብሰንኩ ንዓለም ከባርዕዋ ተቐሪቦም ነይሮም። ሕጂ ድማ ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ተመሳሳሊ ነገር ምስ ገበረ ሩስያ ካልእ ክትገብር ይጽበዩዋ" ብምባል ደገፉ ንሩስያ ኣነጺሩ።

ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሒመቲ) ብወገኑ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ደገፉ ዝገለጸ ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ወተሃደራዊ መራሒ ምዃኑ ይግለጽ።

እንተኾነ ግን፡ እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ጸቕጢ ዘጋጥማ ዘሎ ሱዳን እቲ ኲናት ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከም እትድግፍ ገሊጻ'ላ።

ዞባዊ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢኮዋስ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኮኒኑ'ሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ክወጽእ ጸዊዓ።