እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ህላዌኣ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ኒኩሌር ክጥቀም እየ ምባላ 'ሓደገኛ' ምዃኑ ኣመሪካ ገሊጻ
ሩስያ ህላዌኣ ከቢድ ስግኣት ድሕነት እንተተፈጢሩ ኣጽዋር ኲናት ኒኩሌር ክትጥቀም ከም እትኽእል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዲመትሪ ፑስኮቭ ትማሊ ተዛሪቡ።
እቲ ወሃቢ ቃል ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕተት ፕሬዝደንት ፑቲን ኣጽዋር ኲናት ኒኩሌር ንምጥቃም ኣብ ግምት ከእትዎ ይኽእል'ዶ? ዝብል ሕቶ ቐሪብሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ስግኣት ህልወ" እንተገጢሙዋ ክትጥቀሞ እያ ክብል ተዛሪቡ።
ነዚ ስዒቡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ኣጽዋር ኒኩሌር ከም ዘይትጥቀም መረጋገጺ ዘይምሃባ ጌጋ እዩ ክብል ኮኒኑ።
ሩስያ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሓ እትውንን ሃገር እያ። ድሕሪ ምጅማር ኲናት ዩክሬን ድማ ፕሬዝደንት ፑቲን ኣጽዋር ኑኩሌር እታ ሃገር ኣብ ተጠንቀቕ ክኾኑ ከም ዝኣዘዘ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ሩስያ ምጥቃም ኣጽዋር ኒኩሌር ዝምልከት ዝሃበቶ ርኢይቶ "ሓደገኛ" እዩ ኢሉ።
"እዚ ሓላፍነት ካብ ዝስምዖ ወናኒ ሓይሊ ኒኩሌር ትጽቢት ዝግበር ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣመሪካ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ሞስኮ ይከታተሎ ምህላው ገሊጹ።
ሓላፊ ምክልኻል ኣመሪካ ነበር ሊዮን ፓኔታ ብወገኑ ንርኢይቶ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ክነቅፍ እንከሎ "ሩስያ ኣብዚ ኲናት ንኡሽቶ ዓቐን ዘለዎ ኣጽዋር ኒኩሌር ንምጥቃም ምኽንያት ክእልሽ ምርኣይ ሓደገኛ ካብ ምዃኑ ወጻእ ካልእ ኣይርኣየንን" ኢሉ።
ሩስያ ሓቀኛ ዘይኮነ ዓብዪ ስግኣት ኣንጸላልዩኒ ኣሎ እንተይላ ኒኩሌር ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ከም እትኽእል'ውን ተዛሪቡ።
"እዚ ክፍጠር ይኽእል'ዶ ዝብል ኣይፈልጥን። [እንተኾይኑ ግን] ፑቲን ኣመሪካ እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ክትህብ ከም እትኽእልን ንርእሱ ንምትራፍ ምኽኣሉን ክሓስበሉ ይግባእ" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ሩስያ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ግቡእ ዘይኮነ" ስጉምትን "ዘይሕጋዊ እገዳን" ኣንቢረን እየን ብምባል ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣን ሃገሩ ሓይሊ ኒኩሌር 'ብዝተፈለየ ኩነታት ድልዊ' ክኸውን ትእዛዝ ሂቡ እዩ።