እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፑቲን፡ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኣፍሪቃውያን ተቓለስቲ ኣሰልጢኑ ድዩ?
ቭላድሚር ፑቲን ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ተቓለስቲ ናጽነት የስልጥን ከምዝነበረ ብዝገልጽ ጽሑፍ ዝተሰነየት ጻዕዳን ጸሊምን ፎቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክትዘዋወር ቀንያ ኣላ፡፡
ገሊኦም ድማ ኣብቲ ሩስያ ንዩክረይን ወሪራ እተካይዶ ዘላ ኲናት ሃገራት ኣፍሪቃ ንሩስያ ክሕግዛ ከምዘለወን ከም ምኽንያት ክወስዱዋ ተራእዮም፡፡
እቲ ኣዘራራቢ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ኡጋንዳ ዝኾነ ወዲ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ እውን ነታ ፎቶ ኣብ ትዊተር ለጢፍዋ እዩ፡፡
እንተኾነ እታ ስእሊ ፑቲን ናብ ኣፍሪቃ መጺኡ ዝተስኣላ ኣይኮነትን፤ እታ ፎቶ ተወሲዳትሉ ዝተባህለ እዋን እውን ልክዕ ኣይኮነን፡፡
ፑቲን አብ ታንዛንያ ኣይነበረን
እታ ፎቶ ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚምባብወ ምስተለጠፈት ብዙሕ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቐባቢልዋ ነይሩ፡፡
እቲ ልጣፍ እታ ፎቶ ኣብ 1973 ቭላድሚር ፑቲን ንተዋጋእቲ ምንቅስቓስ ናጽነት ደቡብ ኣፍሪቃ ከሰልጥን ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝነበረ ወታሃራዊ መሰልጠኒ ኣብ ዝነበረሉ ዝተወሰደት ከምዝኾነት ይገልጽ፡፡
ብተወሳኺ ኣብቲ ፎቶ ዳሕራይ መራሒ ሞዛምቢክ ዝኾነ ሳሞራ ማቸልን ፕረዚደንት ዚምባብወ ኢመርሰን ምናንጋግዋን ከምዘለዉ ይጠቅስ፡፡
‘‘ፑቲን ንተቓለስቲ ናጽነት እናዓለመ ካብ 1973 ክሳብ 1977 ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ታንዛንያ ጸኒሑ’’ ይብል እቲ መርበብ ሓበሬታ፡፡
ኮይኑ ግና ኣብ 1952 ዝተወለደ ፑቲን ኣብ 1970ታት ኣብ ኣፍሪቃ ምንባሩ ዝሕብሩ ናይ ሩስያ ይኹኑ ናይ ኣፍሪቃ መዛግብቲ የለዉን፡፡
ኣብ ድህረ ገጽ ክረምሊን ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ፑቲን ኣብቲ እዋን ኣብ ለኒንግራድ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ከምዝነበረን ኣብ 1975 ከምዝተመረቐን እዩ ዝገልጽ፡፡
ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሞዛምቢክ ዝተቐመጠ ጋዜጠኛ ፓወል ፋውቬት ‘‘እቲ ሓበሬታ ዘስሕቕ እዩ’’ ክብል ይገልጾ፡፡
ንሱ እቲ ኣብ ታንዛንያ ንተቓለስቲ ሓርነት ሞዛምቢክ ዝተውሃበ ስልጠና ‘‘ብቻይናውያን ዓለምቲ እምበር ብናይ ሶቭየት ኣይነበረን’’ ይብል፡፡
ምናንጋግዋ እውን ኣብቲ እዋን ኣብ ታንዛንያ ዝህልወሉ ዕድል ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ካብ 1965 ጀሚሩ ንዓሰርተ ዓመታት በቲ ውሑዳት ጸዓዱ ዝመርሕዎ ዝነበረ ናይቲ እዋን መንግስቲ ደቡብ ሮዲዝያ ተኣሲሩ ስለዝነበረ እዩ፡፡
ምብጻሕ ሩስያዊ ጉጅለ ናብ ሞዛምቢክ ኣብ 1980ታት
ዚምባብያዊ ጸሓፊ ሬናቶ ማቱሴ፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ነታ ፎቶ ዝተጠቐመላ ኮይኑ፡ እታ ስእሊ ፕረዚደንት ማሸልን ወታሃደራዊ ኣማኸርቲ ሶብየት ሕብረትን ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ኣብ ዝነበረ ወታሃደራዊ ማእከል ምብጻሕ እንተካይዱ ዝተወሰደት ከምዝኾነት ኣስፊሩ እዩ፡፡
ኮኑይ ግና እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ወታሃደር፡ ቭላድሚር ፑቲን ከምዘይኮነ ይገልጽ፡፡
ፑቲን ካብ 1985 ክሳብ 1990፡ ናይ ኬጂቢ ሰላሊ ኮይኑ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ይሰርሕ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ታሕተዋይ መኮነን ነይሩ ክኸውን ስለዝኽእል ድማ ኣባል ናይ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ልኡኽ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝጸበበ እዩ፡፡
ኣብ ቤት መንግስቲ ከረምሊን ይኹን ንታሪኽ ህይወቱ ኣመልኪቶም ኣብ ዝተጽሓፉ ጽሑፋት እውን ኣብ ሞዛምቢክ ምብጻሕ ብዛዕባ ምክያዱ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን፡፡
ጋዜጠኛን ምሁር ታሪኽን ጆዜ ሚልሃዘስ፡ እቲ ኣብቲ ፎቶ ዘሎ ሰብኣይ ካልእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘገልግል ዝነበረ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሶቭየት ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ፡፡
‘‘ብዛዕባ ምምስሳሎም እንተኾይኑ፡ ናይ ኣጋጣሚ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል’’ ኢሉ፡፡
ኣብ 1980ታት ናይ ሩስያን ፑርቱጋልን ቋንቋታት መተርጎሚ ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ዮርክ ፕሮፌሰር ዝኾነን ጆርጂ ደርሉጒያን እውን፡ ነቲ ኣብቲ ፎቶ ዘሎ ሰብኣይ ፑቲን እዩ ዝብል ሓሳብ ‘‘ላግጺ’’ ይብሎ፡፡
እቲ ሰብኣይ ወድይዎ ዘሎ ጫማ ናይ ወታሃደር ከምዝኾነ እዩ ዘመልክት ዝብል እዚ ፕሮፌሰር፡ ፑቲን ግና ናይ ስለያ ሰብ ምንባሩ ይጠቅስ፡፡ መልክዑ እውን እንተኾነ ብዕድመ ዝደፍአ ፑቲን እዩ ዝመስል ይብል፡፡
ሓንቲ ነጥቢ ንምውሳኽ፡ እቲ ኣብ ፎቶ ዝረኣይ ፑቲን መሰል ምስጢራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ሰዓት ገይሩ ይረኣይ፡፡ ብውሑዱ ኣብዚ እዋን እንተርእይና ፑቲን ኣዘውቲሩ ኣብ የማናይ ኢዱ እዩ ሰዓት ዝኣስር፡፡