ወራር ዩክሬን፡ ገበን ኲናት እንታይ'ዩ? ፑቲን ብገበን ኲናት ክኽሰስ ይኽእል'ዶ?

ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ሩስያ ኣብ ከተማ ማሪንፖል ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ናይ ወሊድን ህጻናትን ሆስፒታል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ "ገበን ኲናት'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

ከምኡ ዘይክመስል ይኽእል'ዩ፤ ግን ድማ ከምቲ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዝብሎ "ዋላ'ውን ኲናት ሕግታት ኣለዎ" እዩ።

እዚኦም ኣብቶም ኣብ ስምምዓት ጀኔቫ ዝሰፈሩን ካልኦት ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ስምምዓትን ዝርከቡ'ዮም።

ገበን ኲናት እንታይ'ዩ?

ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ይኹን ንህልውንኦም ኣገደስቲ ዝኾኑ ትሕተ ቕርጺ ኮነ ኢልካ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ኣይትኽእልን።

ገለ ኣጽዋር ክኣ ከቢድ ስቓይን መከራን ስለ ዘስዕቡ ኣብ ኲናት ከይውዕሉ ዝተኸልከሉ'ዮም። እዚኦም ከም ኣንጻር ሰብ ዝቕበሩ ቦንባ፣ ኬሚካላዊ ወይ ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር'ዮም።

ወተሃደራት ሓዊሱ ዝሓመሙን ዝቖሰሉን ሰባት ክኣ ክንክን ይግብኦም።

ካልኦት ሕጋጋት ድማ ኮነ ኢልካ ዝኾነ ጉጅለ ሰባት ክተጥፍእ ምስቓይን ምጽናት ዓሌት ምፍጻምን ይኽልክሉ።

ከም ቕትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ጃምላዊ ቕትለትን ዝበሉ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ይብሃሉ።

ኣብ ዩክሬን ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናት እንታይ'ዮም?

ዩክሬን፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ናይ ወሊድን ህጻናትን ሆስፒታል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ገበን ኲናት'ዩ ትብል።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለው 17 ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ቖሲሎም።

ወተሃደራት ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝሃድሙ ዝነበሩ ዩክሬናውያን ሲቪሊያን'ውን ኣጥቂዖም'ዮም ዝብሉ ጸብጻባት ኣለው።

ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ከተማ ሃርኪቭ'ውን ብሚሳይልን ሮኬትን መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ መረዳእታታት ኣለው።

ሩስያ ትኹን ዩክሬን እዞም ኣጽዋራት ኣብ ውግእ ከይውዕሉ ዝኽልክል ስምምዕ ኣይፈረማን፤ ግን ድማ እዞም ፍጻመታት ከም ገበን ኲናት ክውሰዱ ይኽእሉ'ዮም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣኒያ ሩስያ ኦክስጅን ብምምጣጥ ዓብዪ ሓደጋ ዝፈጥሩ ቦንባታት 'ቴርሞባሪክ' ተጠቒማ'ያ ይብል።

እዚኦም ዝተኸልከሉ እኳ እንተዘይኮኑ ኮነ ኢልካ ኣብ ጥቓ ሲቪላውያን ዘለውሉ ቦታ ምጥቃም ግን ሕጋገ ኲናት ምጥሓስ ክኸውን ይኽእል።

ብዙሓት ክኢላታት እቲ ሩስያ ዝፈጸመቶ ወራር ንርእሱ ኣብ ትሕቲ ክልሰ ሓሳብ ተጻባኢ ኲናት ዝተፈጸመ ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ይካትዑ።

ጥርጡራት እዚ ገበን ብኸመይ'ዮም ዝኽሰሱ?

ዝኾነ ሃገር ገበናት ኲናት ክትምርምር ግዴታ ኣለዋ። እዚ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ክፈላለ ይኽእል።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ፖሊስ ኣብ ዩክሬን ተፈጺሞም ክኾኑ ብዛዕባ ዝኽእሉ ገበናት መረዳእታ ኣብ ምእካብ ንክሕግዙ ድልየት ኣርእዮም ኣለው።

ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ ድሕሪ ምፍርራስ ዩጎዝላቪያ ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ዝርእዩ ተኸታታሊ መስርሓት ፍርዲ ነይሮም'ዮም።

ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ጥራይ ኣኽረርቲ ሁቱ ን800 ሽሕ ሰባት ዝቐተልሉ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ዘቕርብ ኣካል'ውን ተጣይሹ'ዩ።

ሕጂ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን [ኣይሲሲ] ከምኡን ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ [ኣይሲጄ] ሕግታት ኲናት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ኣለዎም።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ

እዚ ቤት ፍርዲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ንዝፍጠር ጎንጺ ይርኢ፤ ውልቀሰባት ግን ክኸስስ ኣይኽእልን።

ዩክሬይን ኣንጻር እቲ ሩስያ ዝፈጸመቶ ወራር ዝምልከት ክሲ ናብዚ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባ ኣላ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እንተፈሪዱ ውሳነ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣብ ኢድ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይወድቕ ማለት'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ ሩስያ ሓንቲ ካብ ቐወምቲ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ስለ ዘለዋ፡ ዝኾነ ምኽረ ሓሳብ እገዳ ክግበሮ ድምጺ ክትህብ ትኽእል እያ።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን

ኣይሲሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ሓንቲ ሃገር ዘይቐረቡ ብገበን ኲናት ዝሕተቱ ውልቀሰባት ናብ ፍርዲ የቕርብን ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት የጻርን።

እዚ፡ ነቲ ቀንዲ ብህይወት ዝተረፉ መራሕቲ ናዚ ተሓተትቲ ዝገበረ ኑረምበርግ ዝተክአ ዘመናዊ ቤት ፍርዲ እዩ።

ኑረምበርግ፡ ሃገራት ዓለምለኻዊ ሕጊ ንከኽብራ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከቑማ ኣለወን ዝብል መትከል ኣለዎ።

ዓለምለኸ ቤት ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዩክሬን ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ክኸስስ ይኽእል'ዶ?

ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ብሪጣኒያዊ በዓል ሞያ ሕጊ ካሪም ክሃን ኣብ ዩክሬይን ገበናት ኲናት ተፈጺሞም እዮም ኢልካ ንምእማን ዘኽእሉ ምኽንያታዊ ድርኺታት ኣለው ይብል።

ካብዚ ብዝብገስ ምጽራይ ንከካይድ ፍቓድ 39 ሃገራት ኣለዎ'ዩ።

መርመርቲ: ሩስያ ንክሬሚያ ካብ ዩክሬይን ቅድሚ ምጉባጣ ቅድሚ 2013 ዘሎ ኣትሒዙ ኣብ ሕሉፍን ሕጅን ዝተፈጸሙ ክስታት ክርእዩ'ዮም።

ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት መረዳእታ እንተተረኺቡ፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ነቶም ጥርጡራት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ናይ ማእሰርቲ ደብዳበ ክወጽእ ንዳያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ክሓትት እዩ።

እዚ ኣብ ሄግ ዝጋባእ እዩ።

ኣብዚ ክበጽሕ እንከሎ'ዩ ስልጣን እቲ ቤት ፍርዲ ድሩት ምዃኑ ዝርኣይ።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ባዕሉ ፖሊስ የብሉን። ጥርጡራት ንክኣስር ሓገዝ ፖሊስ እተን ሃገራት እዩ ዝሓትት።

ሩስያ ግን ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ኣይኮነትን፤ ብ2016 ካብቲ ቤት ፍርዲ ወጺኣ። ስለዚ ፕሬዝደንት ፑቲን ዋላ ሓደ ጥርጡር ኣየረክብን።

ሓደ ጥርጡር ካብ ካልእ ሃገር እንተኸይዱ ምናልባት ክእሰር ይኽእል'ዩ።

ፕሬዝደንት ፑቲን ይኹን ካልኦት መራሕቲ ክኽሰሱ ይኽእሉ'ዶ?

ኣብ ክንዲ'ቲ ወተሃደራት ክትኩሱ ትእዛዝ ዝሃበ መራሒ ነቲ ገበን ኲናት ዝፈጸመ ወተሃደር ምሕታት እቲ ዝቐለለ'ዩ።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ግን "ሓያል መጥቃዕቲ ኲናት" ብምኽፋት ክሲ ክምስርት ይክእል።

እዚ፡ ካብቲ ዓርስኻ ንምክልኻል ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወጻእ ገበን ዘይምኽኑይ ወራር ወይ ጎንጺ እዩ ዝብሃል።

እዚ፡ ድሕሪ'ቲ ብሞስኮ ዝተላእኸ ዳኛ መራሕቲ ናዚ "ገበን ኣንጻር ሰላም" ብምፍጻም ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም ምባሉ ኣብ ኑረምበርግ ዝተጀመረ'ዩ።

እቲ ጸገም ግን፡ ክኢላ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ፊሊፒ ሳንድስ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን መራሕቲ ሩስያ እዚ መጥቃዕቲ ብምኽፋቶም ክኸሶም ኣይኽእልን ይብል።

ናይዚ ምኽንያት ድማ እታ ሃገር ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ዘይምዃና'ዩ።

ብሓሳብ ደረጃ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ መጥቃዕቲ ክምርምሮ ክሓትት ይኽእል።

ግን፡ ሩስያ ቀዋሚት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ስለ ዝኾነት ኣንጻር እዚ ክተድምጽ ትኽእል እያ።

ስለዚ ውልቀሰባት ተሓተትቲ ክኾኑሉ ዝኽእሉ ካልእ መገዲ ኣሎ'ዶ?

ውጽኢታውነት ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበንን ካልኦት ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ብተግባር ዝሰርሕሉ ኣገባብ ብመሰረት እቶም ስምምዓት ዘይኮነ ብቐንዱ ፖለቲካን ዲፕሎማስን እዩ።

ፕሮፌሰር ሳንድን ካልኦት ክኢላታትን ከም ዝብሉዎ ድማ ልክዕ ኑረምበርግ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ዲፕሎማስን ዓለምለኻዊ ስምምዕን ዝተሞርኮሰ'ዩ።

መራሕቲ ዓለም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተፈጸመ ገበን መጥቃዕቲ ንምሕታት መጋብኣያ ከቑሙ ይጽውዑ።