ኒውዮርክ፡ ቀታሊ፡ ኰነ ኢሉ ንጸለምቲ ከም ዝሃደነ ተገሊጹ

ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሱፐር ማርኬት፡ ጥይት ተኲሱ ዓሰርተ ሰባት ዝቐተለ ጥርጡር፡ ዝበዝሑ ጸለምቲ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ኮነ ኢሉ ዝፈጸሞ ምዃኑ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ወዲ 18 ዓመት ጥርጡር ፓይቶን ጌንድሮን ነዚ መጥቃዕቲ ንምፍጻም 320 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዙ ከም ዝመጽአ ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዝተመስረተ ኣኽራሪ መጥቃዕቲ ብዝብል ብገበን ይምርምሮ ኣሎ።

ከንቲባ ከተማ ቡፋሎ ቢርዮን ብራውን እቲ ጥርጡር "ክንዲ ዝኽኣሎ መጠን፡ ህይወት ብዙሓት ጸለምቲ ከጥፍእ" መጺኡ ክብል ከሲሱ።

እንተዀነ፡ ኣብ ራዳር ሰብ መዚ እናሃለወ እዚ መጥቃዕቲ ብኸመይ ክፍጽሞ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ይልዓል ኣሎ።

ጌንድሮን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝመሃረሉ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም'የ ዝብል ምፍርራሕ ገይሩ ምንባሩ ሰብ መዚ ምኽባር ሕጊ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ተዛሪቦም።

ድሕሪኡ ሕክምና ኣእምሮ ከም ዝተገብረሉ ተገሊጹ።

ንርእሱ፡ ፋሺሽትን ልዕልነት ጸዓዱ ዘለዎን ምዃኑ ዝገለጸሉ በዓል 180 ገጽ ሰነድ ድማ ተረኺቡ ኣሎ።

ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ "ዳህሳስ" ገይሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ዓቃቢት ሕጊ ኒውዮርክ ላቲሺያ ጄምስ፡ "እዚ ክስተት፡ ጽልኢ መዓልታዊ ቀለቡ ብዝዀነ ሓደ ጽሉል ውልቀሰብ'ዩ ተፈጺሙ፡" ኢላ።

ካብቶም ኣብቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝወረዶም 13 ሰባት፡ እቶም 11 ጸለምቲ ከም ዝዀኑ ፖሊስ ክገልጽ እንከሎ፡ ዋርድያ እቲ ሱፐር ማርኬት ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ክትኩስ'ኳ እንተፈተነ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ብኢንተርነት ብቐጥታ ንምትሕልላፍ ድማ ካሜራ ተጠቒሙ ነይሩ።

እቲ ውልቀሰብ ብገበን ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት ከም ዝተኸሰሰን፡ ተወሰኽቲ ክስታት ክቐርብሉ ከም ዝኽእሉን ድማ ሰብ ሞያ ሕጊ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ከም ዝዀነ ይግለጽ ኣሎ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ'ውን፡ ኣብ ኦርጋን ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ሓሙሽተ ከም ዝቘሰሉን ተገሊጹ።

በዚ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ምምሕዳር ከባቢ ሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ብብረት ብዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት [ነብሰ ቕትለትን ኣብ ልዕሊ እኩብ ሰባት ዝፍጸሙን ወሲኽካ] ኣብ ዓመት 40 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።