ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት ብዝተፈጸመ 'ዓሌታዊ' ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ብዝተኸፍተ ተዅሲ ዓሰርተ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ እቲ መጥቃዕቲ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ገበን ጽልኣት'ዩ ክብል ፖሊስ መርመራ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተባህለ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ፤ ፖሊስ ግን መንነት'ቲ ውልቀሰብ ወግዓዊ ኣይገበረን።

እቲ ጥርጡር ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ጻዕቂ ተገልገልቲ ዝነበሮ ማእከል ዕዳጋ ምስ ኣተወ'ዩ ተዅሲ ከፊቱ።

እቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ብኢንተርነት ብቐጥታ ንምትሕልላፍ ድማ ካሜራ ከም ዝተጠቕመ ፖሊስ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ መጥቃዕቲ "ፉንፉን" ብምባል ኮኒንዎ'ሎ።

ኤፍቢኣይ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ፡ "ናዕባዊ ኣኽራርነት" ክብል ገሊጹዎ።

"እዚ መጥቃዕቲ ገበን ጽልኣትን ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዝተመስረተ ኣኽራርነትን'ዩ ብዝብል ንምርምሮ ኣለና፡" ብምባል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኤፍቢኣይ ቡፋሎ እስቲፋኖ ቤሌንግያ ተዛሪቡ።

እቲ ጥርጡር ኣብታ ከተማ ጸለምቲ ብብዝሒ ናብ ዝርከብሉ ከባቢ ንምብጻሕ፡ ነዊሕ ሰዓታት መኪና ከም ዝዘወረ ተሓቢሩ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ቡፋሎ ጆሴፍ ግራማሊያ 13 ሰባት ብጥይት ከም ዝተሃረሙን መብዛሕትኦም ጸለምቲ ከም ዝዀኑን ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽነር ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብግቡእ ዓጢቝ ነይሩ፤ ዕጥቂ መከላኸሊ ሰብነት፡ መከላኸሊ ርእሲ - ሀልመትን'ውን ነይርዎ። እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብቐጥታ ንምርኣይ ድማ ካሜራ ሒዙ ነይሩ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ማእከል ዕዳጋ ዝሰርሑን በቲ መጥቃዕቲ ሓደጋ ዝወረዶም ሰለስተ ሰባት ድማ፡ ንህይወቶም ዘስግእ ጉድኣት ከም ዘይብሎም ተገሊጹ።

ዋርድያ እቲ ሱፐር ማርኬት ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ክትኩስ'ኳ እንተፈተነ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ውልቀሰብ ብገበን ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት ከም ዝተኸሰሰን፡ ተወሰኽቲ ክስታት ክቐርብሉ ከም ዝኽእሉን ድማ ሰብ ሞያ ሕጊ ገሊጾም።

ከንቲባ ቡፋሎ ቢሮን ብራውን፡ "እዚ ዝዀነ ሕብረተሰብ ከጋጥሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝኸፍአ ሓደጋ'ዩ፣ ኵላትና ተጐዲእና ኢና። እንተዀነ እዚ ጽልኣት ዘለዎ ውልቀሰብ ንሕብረተሰብናን ሃገርናን ክኸፋፍል ኣይኽአልን፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።