እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ካሊፋ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ዓሪፉ
ሓደ ካብ ሃብታማት ነገስታት ዓለም ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካሊፋ ቢን ዛየድ ኣል-ናህያን ኣብ መበል 73 ዓመቱ ዓሪፉ።
ሸኽ ካሊፋ፡ ካብ 2004 ጀሚሩ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ዝነበረ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ 2014 ብወቕዒ ድሕሪ ምጥቅዑ ስማዊ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ብኣቦ ሓዉ፡ መሓመድ ቢን ዛየድ ኣል-ናህያን ንንጥፈታት እታ ሃገር ክከታተል ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ብኣል-ናህያን ዝፍለጥንግስነታዊ ቤተሰብ፡ 150 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ከምዝውንን ይንገረሉ።
ሸኽ ካሊፋ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣሚር ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ርእሰከተማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቡ-ድሃቢ እውን እዩ።
እታ ሃገር ብሸውዓተ ኢማራት (ንግስነታት) ዝቖመት ኮይና፡ ነፍሲ ወከፈን ብሓደ ብትውልዲ ስልጣን ዝተረከበ ኣሚር ዝምርሓ'የን።
ሞት ናይቲ ፕረዚደንት ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት (ዋም) እዩ ብወግዒ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ፕረዚደንት፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ን40 መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ሓዘን እዋን ብምእዋጅ፡ ባንዴራ እታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክትስቀል ኣዚዙ'ሎ። ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ድማ፡ መንግስታውን ብሕታውን ስራሕ ደው ክብል ተወሲኑ'ሎ።
ፕረዚደንት ካሊፋ፡ ኣብ ሕዳር 2004 ንኣቡኡ ብምትካእ'ዩ መበል 16 መራሒ ኣቡ ድሃቢ ኮይኑ።
ኣብ ቀዳሞት 10 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ፡ ንቅርጺታት ፈደራላዊ መንግስትን ናይታ ንሱ ዝመርሓ ኣቡ ድሃቢን ከምዘመሓየሾ ይግለጽ።
ብሕማም ወቕዒ (ስትሮክ) ድሕሪ ምጥቅዑ ግን፡ ዋላ'ኳ መምርሒታት ይህብ እንተነበረ፡ ናብ ህዝቢ ኣይተቐልቀለን።
ብመሰረት ቅዋም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ መራሒ ዱባይ ዝኾነ ምክትል ፕረደዚንት ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል-ማክቱም ግዝያዊ ፕረዚደንት ብምዃን መዝነት ክርከብ'ዩ።
ብመራሕቲ ሸውዓቲአን ኢማራት ዝቖመ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ተጋቢኡ ሓድሽ ፕረዚደንት ክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ።