ኣድሪው ክዋሞ፡ ብጾታዊ ትንኮያ ዝተኸሰሰ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ

ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ምስ ወጽአ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ንሱ ግን እዚ ንዓይ ንምእላይ ዝተገብረ'ዩ ብምባል "ሕጂ ዝሓሸ ዝብሎ እልይ ምባል'ዩ" ብምባል ሕጂ'ውን እቲ ክሲ ከም ዘይቕበሎ ተዛሪቡ።

መስርሕ ምልቃቕ ስልጣን እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ግብራዊ ክኸውን እዩ።

ኬቲ ሆቹል ድማ ጊዝያዊት ኣመሓዳሪት እታ ግዝኣት [ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ] ክትኸውን እያ።

ኣባል ዴሞክራት ኩዋሞ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ሓዊሱ ብዙሓት ኣባላት እቲ ሰልፊ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክሓቱዎ ቐንዮም።

ንሱ ብምኽንያት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ሳልሳይ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ'ዩ።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ኣብ ዘካየዶ ዘይሻራዊ ምጽራይ፡ ወዲ 63 ዓመት ኩዋሞ ንሰራሕተኛታት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 11 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ድልየት ዘይተመስረተን ምትንኻፋት ፈጺሙን ብዙሓት ጽዩፋት ዘረባታት ተዛሪቡን እዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ።

እዚ ጸብጻብ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፔሎሲ፣ መራሒ ሰኔት ቹክ ሹመርን ክልተ ሴናተራት ኒውዮርክን ኣንጻሩ ክለዓሉ ገይሩ'ዩ።

ኣባላት ዴሞክራት እታ ግዝኣት'ውን ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ንምምስራት ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለው።

ኣንድሪው ኩዋሞ፡ ትማሊ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ክገልጽ እንከሎ እቶም ዝቐርብሉ ዘለው ክስታት እኳ እንተነጸጎም ብተግባራቱ ንዝሓረቓ ወይ ዝተቖጥዓ ደቂ ኣንስትዮ ግን "ዓሚቕ . . . ዓሚቕ" ይቕሬታ ይሓትት ኢሉ።

"ብሕልናይ ምስ ዝኾነ ሰብ ዝጠሓስኩዎ መስመር የለን፤ ግን ድማ እቲ መስመር ክሳብ ኣበይ'ዩ ተሓንጺጹ ነይሩ ዝብል ኣይተገንዘብኩን" ኢሉ።

ወሲኹ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት "ፖለቲካዊ ስለ ዝኾነ ክቃለሶ'የ" ኢሉ።

እቲ ኩነታት፡ ንኣዋርሕ ክፈጥሮ ዝኽእል ምድንጋር ስለ ዘሎን "ከፈልቲ ግብሪ ሚሊዮናት ዶላራት ስለ ዘኽስሮምን" እየ ካብ ስልጣን ዝወርድ ዘለኹ ክብል እውን ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ምስ ደቁ ዝነበሮ ዝምድና ከም ዝሃሰዮ ሓቢሩ።

"ንሰሙናት ኣብ ሳሎን ምስ ደቀይ ከፍ ኢለ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ዘጽልእ ጠቐነ ክሰምዕ ቐንየ። ኣብ ገጸንን ዓይነንን ዘሎ ምልክታት ርእየዮ፤ ኣዝዩ ይጎድኣካ" ኢሉ።

ንደቁ "ፈጺመ ኣይወዓልኩዎን፤ ክብሪ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ክትንክፍ ኣይኽእልን ኢለየን" ይብል።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ዘቕርብኦ ክሲ እንታይ'ዩ?

  • 11 ደቂ ኣንስትዮ ክሲ ጉድለት ስነ ምግባር የቕርባ
  • ሸሞንተ ከኣ፡ ጸያፍ፣ መናሸዊ ወይ'ውን ወሲባዊ ርኢይቶ ሂቡ ይብላ
  • ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብዘይኣግባብ ተናኺፉና ወይ እንተውሓደ ሓንሳብ ጎቲቱና
  • ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ብዘይፍቓድና ስዒሙና ኢለን

ፕሬዝደንት ባይደን ንውሳነ እቲ ኣመሓዳሪ ከም ዘኽብር ንዋይት ሃውስ ተዛሪቡ።

ወሃቢት ቃል ጄን ፒሳኪ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኩዋሞ ዝቐርቡ ዘለው ክስታት ዝሕብር ጸብጻብ ካብ ዝወጽእ ንድሓር እቲ ፕሬዝደንት ከም ዘይረኸቦን ብዛዕባ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ከም ዘየማኸሮን ተዛሪባ ነይራ።

ሓው ንኩዋሞ ዝኾነ ኣንባቢ ዜና ሲኤንኤን ክሪስ ኩዋሞ'ውን ነቲ ኣመሓዳሪ የማኽሮ ነይሩ'ዩ ብዝብል ካብ ስርሑ ክለግስ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ መጀመርታ ዝቐርበሉ ዝነበረ ክሲ ኣብ ኣየር ከይውዕል ብምግባሩ ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዝበሃል ዘሎ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ኣብ 2022 ዘበነ ስልጣኑ ዘብቅዕ ኣመሓዳሪ ኩሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ'ታ ዘመሓድራ ግዝኣት ንኮሮረናቫይረስ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ ይውደስ ነይሩ።

ሎምዘበን ድማ፡ ኣብ መሐብሐቢ ማእከላት ንዝነበረ ሞት ብምሽፍፋን ተኸሲሱ።

ንኩዋሞ እትትክእ ዘላ ኣመሓዳሪት መን እያ?

ኬቲ ሁቹል፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት እታ ኣብ ኣመሪካ ብብዝሒ ህዝቢ ራብዐይቲ ዝኾነት ግዝኣት ክትከውን እያ።

ጓል 62 ዓመት ኬቲ፡ ብ2014'ያ ኣካል እቲ ምምሕዳር ኮይና ተጸምቢራ።

ኣብ ዙርይኡ ዘላ ሰብ'ኳ እንተዘይኮነት ብሰሉስ ግን "ንፍዕትን ተነሓናሒትን" እያ ክብል ገሊጹዋ።

ኩዋሞ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ትኽኽል ከም ዝኾነ ብምግላጽ ድማ "ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገልኹ ሰብ ስለ ዝኾንኩ፡ ሕጂ ድማ መበል 57 ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ ኮይነ ክሰርሕ ድልውቲ'የ" ክትብል ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ።

ኣብ 2022 ኣብ ዝካየድ መረጻ ንምምሕዳር ክትወዳደር ድያ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን።